Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ።
Translation | Contextካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ። ነቲ ኽርክር ዕሽነትን ላግጽን ግና፡ ባእሲ ኸም ዜምጽእ ፈሊጥካ፡ እበዮ። ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ፡ መሃሪ፡ ዕጉስ ኪኸውን እምበር፡ ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ። ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኺፈልጥዋ ኢሉ፡ ንስሓ እንተ ሃቦም፡ ንሱ ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት እናገንሖም፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ኢሉ ምስ ኣውጽኦም፡ ንሳቶም ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምሊጦም ናብ ልቦም ይምለሱ እዮም።
Translation | Contextሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
Translation | Contextስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ። ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ከከም ግብሩ ዚፈርድ፡ ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ። ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይስ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። ንሱ ቕድሚ ምስራት ዓለም ተመደበ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ። ንስኻትኩም፡ እምነትኩምን ተስፋኹምን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኪኸውን፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኽብሪውን ዝሀቦ ኣምላኽ ኣሚንኩም አሎኹም።
Translation | Contextድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲ፡
Translation | Contextእግዚኣብሄር ግና በለኒ፡ ናብ ዝልእከካ ዂሉ ኺድ፡ እቲ ዝእዝዘካ ዂሉ ድማ ተዛረብ እምበር፡ ቈልዓ እየ ኣይትበል።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩ፧ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር አለዎ፡ ምህሮ አለዎ፡ ራእይ አለዎ፡ ቋንቋ አለዎ፡ ትርጉም አለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገበር።
Translation | Contextኪነግስ ከሎ ኸኣ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ነበረ፡ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ የሩሳሌም ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ የኮልያ እዩ። ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።
Translation | Contextካብ ኲሉ ሓራ ኽነሰይ፡ ኣነ ብዙሓት ምእንቲ ኽረብሕ፡ ንርእሰይ ባርያ ዂላቶም ገበርክዋ። እቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኽረብሕ፡ ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀንኩ። እቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኽረብሕ ከኣ፡ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ዀንኩ። እቶም ሕጊ ዜብሎም ብሕጊ ክርስቶስ እምበር፡ ብዘይ ሕጊ ኣምላኽ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቶም ሕጊ ዜብሎም ኰንኩ። ኣነ እቶም ድኹማት ምእንቲ ኽረብሕ ድማ። ምስቶም ድኹማት ድኹም ኰንኩ። ብዂሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን፡ ንዂላቶም ኲሉ ዀንኩ። እዚ ዂሉ ምእንቲ ወንጌል፡ ንርእሰይውን ካብኡ ኽካፈል ኢለ እየ ዝገበሮ ዘሎኹ።
Translation | Contextዑዝያ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ነበረ፡ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ የሩሳሌም ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ የኮልያ እዩ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።
Translation | Contextበዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።
Translation | Contextክፉእ መዓልታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትበለሉ ዓመታት ከአ ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።
Translation | Contextንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
Translation | Context