Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all6 bible verses about
ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextእምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።
Translation | Contextናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ንቕሑ ጸልዩውን። መንፈስሲ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ፡ በሎ።
Translation | Contextንሱ ባዕሉ ኺፍተን ከሎ ተሰቅዩ እዩ እሞ፡ ነቶም ዚፍተኑ ኺረድኦም ይከአሎ እዩ።
Translation | Contextኣብታ ስፍራ ምስ በጽሔ ኸኣ፥ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ጸልዩ፡ በሎም።
Translation | Contextሽዑ መንፈስ ንየሱስ፡ ብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ። እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል፡ በሎ። የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤት መቕደስ ደው ኣበሎ። እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ኬልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ በሎ። የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ አሎ፡ በሎ። ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዪ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዩ እሞ፡ ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ በሎ። ድሕርዚ ድያብሎስ ሐደጎ፡ እንሆ ድማ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልግልዎ።
Translation | Context