Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

the alabaster box


ማርቆስ 14:3-9 | 19 Helpful votes

ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ጽሩይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ መጸት። ነቲ ቢልቃጥ ሰቢራ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶሓያሎ ብልቦም እናተናደዱንምንታይ እዚ ጥፍኣት ቅዱይ ቅብኢ ዀነ፧ እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኻብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንዚበዝሕ ተሸይጡስንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ኰረዩላየሱስ ግና፥ ስለምንታይ ተጕህይዋ አሎኹም፧ ሕደግዋጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ አላ። ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም አለዉ፡ ጽቡቕ ክትገብሩሎም እንተ ደሌኹም ከኣ፡ ይከአለኩም እዩ። ንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም። ዚከኣላ ገበረትኣቐዲማ ንቐብረይ ስጋይ ቀብኤት። እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም፡ እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገርብሓቂ እብለኩም አሎኩ፡ በለ።

Translation | Context
ሉቃስ 7:36-50 | 12 Helpful votes

ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ ምስኡ ኺበልዕ ለመኖ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ አትዩ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠእንሆ፡ ኣብታ ዓዲ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ምቕማጡ ምስ ፈለጠትቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ኣምጽኤትብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት፡ በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረትብጸጉሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕምቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት። እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩእዚ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲእዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢያተኛ እያ እሞ፡ መን ከመይ ዘመሰለትውን ምኳና ምፈለጣ ነይሩኢሉ ብልቡ ሐሰበ። የሱስ ከኣ፥ ስምኦንዝብለካ አሎኒኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በልመምህርበለንሓደ መለቕሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ። ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሐደገሎምካባታቶምሲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧ ስምኦን ከኣ፥ ንኣይሲ እቲ ብዙሕ እተሐደገሉ ይመስለኒኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፥ ቅኑዕ ፈርድካበሎ። ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንስምኦን በሎ፥ ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ አሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንንእዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ብጸጉሪ ርእሳውን ደረዘት። ንስኻ ኣይተሳለምካንንእዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኻብ ምስዓም ኣእጋረይ ኣይዓረፈትን። ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንንእዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት። ስለዚ፡ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት፡ ንእኣ ብዙሕ ሓጢኣት ተሐዲጉላእብለካ አሎኹ። እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዜፍቅርንእኣ ድማ፥ ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪበላ። እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ ብልቦም፥ እዚ ሓጢኣት ድማ ዚሐድግሲ፡ መን እዩ፧ ኪብሉ ጀመሩ። ንሱ ግና ነታ ሰበይቲእምነትኪ ኣድሒናትኪብሰላም ኪዲበላ

Translation | Context
ዮሃንስ 12:1-50 | 11 Helpful votes

ሽዑ የሱስ ሹድሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር ዘለዋናብ ቢታንያ መጸኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉማርታውን ተገልግል ነበረት። ካብቶም መቓምጡ ሓደ ኸኣ ኣልኣዛር እዩማርያም ድማ ሓደ ነጥሪ ብዙሕ ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጕሪ ርእሳውን ደረዘቶእታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤትካብ ቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ ኼትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፥ እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ፡ በለ። እዚ ዝበለሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበርንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝአተወውን የልዕል ነበረ። ስለዚ የሱስድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም አለዉንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሐልያቶ እያ፡ ሕደጋበለድሕርዚ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ሰብየሱስ ኣብኡ ምህላዉ ፈሊጦም መጹ። ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛርውን ኪርእዩ እምበርምእንቲ የሱስ ጥራይ ኢሎም ኣይኰኑን ዝመጹብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ ተማኸሩንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ብዙሕ ህዝቢየሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ዚመጽእ ሰሚዑጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹእናጨደሩ ኸኣሆሳእናብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ። ከምቲ፥ ኣቲ ጓል ጽዮንኣይትፍርሂእንሆንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ አሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈየሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገርዚ ቕድም ኣየስተውዓልዎን። የሱስ ምስ ከበረ ግናሽዑ እዚ ነገርዚ ብዛዕባኡ ኸም እተጻሕፈ፡ ንሳቶምውን እዚ ኸም ዝገበሩሉ ዘከሩእቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ኻብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸሎ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ ይምስክሩሉ ነበሩ። ስለዚ እቶም ህዝቢ እዚ ተኣምራትዚ ምግባሩ ሰሚዖምኪቕበልዎ ወጹ። ሽዑ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶምሓንቲ እኳ ኸም ዘይተስልጡ ትርእዩ አሎኹም፡ እንሆብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ አሎ፡ ተባሃሀሉ። ካብቶም በቲ በዓል ኪሰግዱ ዝደየቡ ኸኣ ሓያሎ ጽርኣውያን ነበሩንሳቶም ናብ ፊልጶስበዓል ቤተ-ሳይዳ ናይ ገሊላመጺኦምጐይታይንየሱስ ክንርእዮ ንደሊ አሎና፡ ኢሎም ለመንዎፊልጶስ ከኣ ከይዱ ንእንድርያስ ነገሮእንድርያስን ፊልጶስን ድማ ከይዶም ንየሱስ ነገርዎየሱስ ድማ መሊሱ በሎምወዲ ሰብ ኪኸብርጊዜኡ በጺሓ እያ። ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን በይና እያ እትነብርእንተ ሞተት ግናብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎስ፡ ንኣይ ይስዓበኒ። እቲ ዜገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ንእኡውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ። ሕጅስ ነፍሰይ ጕህያ አላእንታይ እሞ ኽብል እየኣቦካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒግናኸ ምእንቲዚ ናብዛ ሰዓት እዚኣ መጻእኩኣቦንስምካ ኣኽብሮሽዑ ኻብ ሰማይ፡ ኣነ ኣኽቢረዮ አሎኹ፡ ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ፡ ዚብል ድምጺ መጸ። ሽዑ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እዚ ሰሚዖምነጕዲ እዩበሉገሊኦምመልኣኽ እባ ደኣ ተዛረቦ፡ በሉ። የሱስ መሊሱ በሎምእዚ ድምጺ እዚ ምእንታኻትኩም እዩ ዝመጸ እምበርምእንታይ ኣይኰነን። ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ በጽሔ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ። ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ። ብኸመይ ዝመሰለ ኣማውታ ኸም ዚመውትኬመልክተሎም እዩ እዚ ዝበለ። ስለዚ እቶም ህዝቢንሕናስክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ደኣ፡ ካብ ሕጊ ሰማዕናንስኻ ግና ከመይ ኢልካ ኢኻ፥ ወዲ ሰብ ልዕል ኪብል ይግብኦ እዩ፡ እትብል ዘሎኻ፧ እቲ ወዲ ሰብ እቲኸ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም መለሱሉሽዑ የሱስገና ንቕሩብ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ማእከልኩም አሎጸልማት ከየርከበኩምብርሃን ከሎኩም ተመላለሱእቲ ብጸልማት ዚመላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥ እዩ። ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኰኑስብርሃን ከሎኩምብብርሃን እመኑ፡ በሎም። የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኻባታቶም ከይዱ ተሐብኤ። እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ተኣምራት እኳ ኣብ ቅድሚኦም እናገበረ ኽነሱ፡ እቲ ነብዪ ኢሳይያስጐይታይ ንምስክርናኸ መን ኣመኖቅልጽም እግዚኣብሄርሲ ንመን ተጋህደዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸምብእኡ ኣይአመኑን። ድማ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽበዒንቶም ከይርእዩ ብልቦምውን ከየስተውዕሉከይምለሱን ኣነ ኸኣ ከይምሕሮምሲኣዒንቶም ኣዖረ ልቦምውን ኣትረረኢሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ምእማን ሰኣኑ። ኢሳይያስ ክብረት ርእዩ ብዛዕባኡ ምስ ተዛረበእዚ በለምስናይዚ ግና ብዙሓት ካብ መኳንንቲ ብእኡ አመኑግናኸ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም ስለ ዝፈተዉካብ ቤት ጸሎት ምእንቲ ኸይሰጕዎምብሰሪ ፈሪሳውያን ኣየግሃዱን። የሱስ ግና ጨደረ በለውንብኣይ ዚኣምን በቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር፡ ብኣይ ኣይኰነን ዚኣምን። ንኣይ ዚርኢ ነቲ ዝለአኸኒውን ይርእዮ። እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብርኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺኤ አሎኹ። ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ እንተሎ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶኣነስ፡ እቲ ዝለአኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞእታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ አሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀፍን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ አሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 7:38 | 9 Helpful votes

ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት፡ በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረትብጸጉሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕምቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት።

Translation | Context
ዮሃንስ 12:1-8 | 7 Helpful votes

ሽዑ የሱስ ሹድሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር ዘለዋናብ ቢታንያ መጸኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉማርታውን ተገልግል ነበረት። ካብቶም መቓምጡ ሓደ ኸኣ ኣልኣዛር እዩማርያም ድማ ሓደ ነጥሪ ብዙሕ ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጕሪ ርእሳውን ደረዘቶእታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤትካብ ቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ ኼትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፥ እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ፡ በለ። እዚ ዝበለሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበርንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝአተወውን የልዕል ነበረ። ስለዚ የሱስድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም አለዉንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሐልያቶ እያ፡ ሕደጋበለ

Translation | Context
ዮሃንስ 12:3 | 6 Helpful votes

ማርያም ድማ ሓደ ነጥሪ ብዙሕ ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጕሪ ርእሳውን ደረዘቶእታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤት

Translation | Context
ማቴዎስ 26:6-13 | 4 Helpful votes

የሱስ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲክቡር ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ፡ ናብኡ መጸት። ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶደቀ መዛሙርቱ እዚ ርእዮም፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧ ንብዙሕ ተሽይጡስንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ተናደዱ። የሱስ ግና ፈሊጡ በሎም፡ እዛ ሰበይቲ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ አላ እሞ፡ ስለምንታይ ተጕህይዋ አሎኹም፧ ድካታትሲ ዅሉ ግዜ ምሳኻትኩም እዮም፡ ኣነ ግና ኵሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣይነብርን። እዚ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ቕዱይ ቅብኢ ግና ንምቕባረይ ከተዳልወኒ እያ ዝገበረቶ። እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገርብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ማርቆስ 12:28-31 | 4 Helpful votes

ካብ ጸሓፍቲ ሓደ ኽርክሮም ሰሚዑ ቐረበጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ርእዩ ኸኣ፥ ካብ ኵለን ትእዛዛትሲ ኣየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧ ኢሉ ሐተቶየሱስ መለሰእታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ፥ እስራኤልስማዕእግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቕሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ። እታ ኻልአይታ እትመልሳ ድማንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቕሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዐቢ ኻልእ ትእዛዝ የልቦን

Translation | Context