Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን።
Translation | Contextድሕርዚ ድማ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም፡ ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ኣብ ኦም ዘበለውን ንፋስ ከይነፍስ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ርኤኹ። ማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘልዎ ኻልእ መልኣኽውን ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪወጽእ ከሎ ርኤኹ። ንሱ ኸኣ ነቶም ምድርን ባሕርን ኪጐድኡ እተዋህቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ ብብርቱዕ ድምጺ ጸውዖም እሞ፡ ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሐትሞምሲ፡ ምድሪ፡ ወይስ ባሕሪ፡ ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡ፡ በለ። ቍጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ፡ ካብ ብዘሎ ነገድ ደቂ እስራኤል ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ሕቱማት። ካብ ነገድ ይሁዳ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ጋድ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ኣሴር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ንፍታሌም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ምናሴ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ስምኦን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ሌዊ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ፡ ካብ ነገድ ይሳኮር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ዛብሎን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ዮሴፍ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ብንያም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ። ድሕርዚ ድማ ርኤኹ፡ እንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ሰብ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡ ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ፡ እናበሉ ዓው ኢሎም ጨደሩ። እቶም መላእኽቲውን ኵላቶም ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቈሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ፍግም ኢሎም ከኣ፡ ኣሜን፡ ውዳሴን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ስልጣንን ሓይልን ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን፡ ኣሜን፡ እናበሉ ንኣምላኽ ሰገዱ። ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ እዞም ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑስ እንታዎት እዮም፧ ካበይከ መጹ፧ ኢሉ መለሰለይ። ኣነውን፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ትፈልጥ፡ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም፡ ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ፡ ስለዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም፡ ኣብታ መቕደሱውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ አለዉ። እቲ ኣብቲ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪተኽሎ እዩ። እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም፡ ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ እሞ፡ ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም፡ ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምን እዩ፡ በለኒ።
Translation | Contextእቲ ዝርኤኻዮ ኣራዊት ነበረ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቝ ድማ ኪወጽእ ናብ ጥፍኣትውን ኪኸይድ እዩ። ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ፡ እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዚመጽእን ምስ ረኣዩ፡ ኪግረሙ እዮም። ጥበብ ዘለዋ ኣእምሮ ኣብዚ እያ ዘላ። እቶም ሾብዓተ ርእስስ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ ሾብዓተ ኣኽራን እዮም፡ ሾብዓተ ነገስታት ከኣ እዮም፡ እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም፡ እቲ ሓደ አሎ፡ እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን፡ ምስ መጸ ድማ ቅሩብ ኪነብር ይግብኦ እዩ።
Translation | Contextካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ አሎና፡ በሎ። የሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከምዜልቦ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ አትዩስ ኪውለድ ይከአሎ እዩ፧ በሎ። የሱስ መለሰ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይ ተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን። ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃይ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ። ኒቆዲሞስ ከኣ፥ እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣል፧ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ድማ መሊሱ በሎ፥ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮውን ንምስርክር አሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎ ኢኹም። ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዝይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧ ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን። ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ አሎ። እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዚገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ። ድሕርዚ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፡ ኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ። ዮሃንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይአተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ። ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ሓደ ኣይሁዳውን ብዛዕባ ምጽራይ ክርክር ተንስኤ። ናብ ዮሃንስ መጺኦም፥ መምህር፡ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፡ እንሆ፡ ንሱ የጥምቕ፡ ኵሉ ኸኣ ናብኡ ይኸይድ አሎ፡ በልዎ። ዮሃንስ ከኣ መሊሱ በለ፥ ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተዋህቦስ ሓንቲ እኳ ኺወስድ ኣይክእልን እዩ። ኣነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን ከም ዝበልኩ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም። እቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኡሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ። ንሱ ኺዓቢ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ። እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። ካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊ እዩ፡ ናይ ምድሪውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። ነታ ምስክሩ ደኣ ዚቕበላ የልቦን እምበር፡ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክር። እቲ ነታ ምስክሩ እተቐበላ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሐተመ።
Translation | Contextዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ ሰበይቲ፡ ጸሓይ ተወንዚፋ፡ ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ፡ ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት። ጥንስቲ ኸኣ እያ፡ ብቕልውላው ምውላድውን ትጭርሕ፡ ክትወልድ ከኣ ትጽዕር ነበረት። ካልእ ትእምርቲ ኸኣ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ እንሆ፡ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን፡ ኣብቲ ኣራእሱውን ሾብዓተ ዘውዲ ዘለዎ ዓብዪ ቐይሕ ገበል፡ እቲ ጭራኡ ድማ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሐበ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮም። እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ። ንሳ ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲ፡ ተባዕታይ፡ ወለደት። እቲ ውሉዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺምግብዋ፡ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ ናብ በረኻ ሀደመት። ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ። ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን። ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ኣባታቶም እትነብሩውን፡ ተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ፡ ምስ ረአየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብ፡ ናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍር፡ ክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ። እቲ ተመን ድማ፡ ውሒዝ ምእንቲ ኺወስዳስ፡ ነታ ሰበይቲ ደድሕሪኣ ኸም ውሒዝ ዝዀነ ማይ ካብ ኣፉ ኣውጽኤ። ምድሪ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፡ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ ወሐጠቶ። እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለውን ዝተረፉ ዘርኣ ኺዋጋእ ከደ።
Translation | Contextካብ ሰማይ ከኣ፡ ጽሐፍ፡ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣን እዮም። እወ፡ ግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስ፡ ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ አሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡ። የሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃህቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘለዉ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይሌኤን። ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን። ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመንዎ። ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። እንሆ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኹም። እንሆ፡ ኣብ በረኻ አሎ፡ እንተ በሉኹም፡ ኣይትውጽኡ። እንሆ ኣብ ቤት አሎ እንተበሉኹምውን ኣይትእመኑ። በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም። ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። ንመላእኽቱ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም። ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ። እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፡ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ። ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። ግናኸ ፍለጡ፡ በዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ፡ ጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን። ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈላጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ፡ ዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ፡ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ። ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን እንተ ተሰዋእኩ፡ ባህ ይብለኒ፡ ምስ ኵላትኩምውን እሕጐስ አሎኹ።
Translation | Contextምስቶም ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይሐልፍ ዜፍቅርዎ ዅሎም ጸጋ ይኹን።
Translation | Contextእቲ ገንሸል ካብቲ ሾብዓተ ማሕተምሲ ሓደ ምስ ፈትሔ ኸኣ፡ ርኤኹ፡ ሓደ ኸም ደሃይ ነጕዲ ዝበለ ድማ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ርኤኹውን እንሆ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ድማ ቀስቲ አለዎ ኣኽሊልውን ተዋህቦ፡ እናሰዓረስ ኪስዕር ከኣ ወጸ። ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፡ እቲ ኻልኣይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብሎ ከሎ ሰማዕኩ። ካልእ ሓመር ፈረስ ድማ ወጸ፡ ነቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስ፡ ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተዋህቦ፡ ዓቢዪ ሰይፊውን ተዋህቦ። ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብሎ ከሎ ሰማዕኩ። ርኤኹውን እንሆ፡ መጋል ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሚዛን አለዎ። ኣብ መንጎ እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ከም ድምጺ ዝበለ፡ ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ብዲናር፡ ሰለስተ ኮይኑክስ ስገም ከኣ ብዲናር፡ ዘይትን ወይንን ኣይትጕዳእ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ድምጺ እቲ ራብዓይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ርኤኹውን እንሆ፡ ቡላ ፈረስ፡ ስም እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎውን ሞት እዩ፡ ሲኦል ከኣ ይስዕቦ። ብሰይፍን ጥሜትን ፌራን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም፡ ንራብዓይ ኣፍ ምድሪ ኪቐትልዎ ስልጣን ተዋህቦም። ነቲ ሓምሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሐርዱ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ርኤኹ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለውኻ ኽሳእ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧ እናበሉ ጠርዑ። ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፡ እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዚምልኡ ኸኣ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ኪዐርፉ ተባህለሎም። ነቲ ሳድሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ርኤኹ እሞ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ጸሓይ ከም ወጮ ጸለመት፡ ወርሒውን ብዘላ ኸም ደም ኰነት። ኦም በለስ፡ ብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ ኣበላ፡ ነቲ ዝጐዔ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፡ ከምኡ ኸኣ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ወደቑ። ሰማይውን ከም ዚጥቕለል ክታብ ኣግለሰ። ብዘለዉ ኣኽራንን ደሴታትን ካብ ሰስፍራኦም ገዐዙ። ነገስታት ምድርን መሳፍንትን ሓላቑ ኣሻሓትን ሃብታማትን ሓያላትን ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን ኣብ ጐደጕድን ኣብ በዓትታት ኣኽራንን ተሐብኡ። ነኽራንን ነኻውሕን ድማ ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ካብ ቍጥዓ እቲ ገንሸልንሲ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና፡ በልዎም። እታ ዓባይ መዓልቲ ቍጥዓኦም መጺኣ እያ እሞ፡ መንከ እዩ ደው ኪብል ዚኽእል፧
Translation | Contextብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ኣምላኽ፡ ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ፡ ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ። ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና፡ ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም። ካብ መንፈሱ ስለ ዝሀበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብር፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ ኣቦ ንወዱ ምድሓን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾ፡ ንሕና ርኢና ንምስክርውን አሎና። የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመን፡ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር። ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን አሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር። ከምቲ ንሱ ዘለዎ፡ ከምእውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርድስ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና፡ በዚ እታ ፍቕሪ ኣባና ተፈጸመት። ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። ንሱ ቅድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ።
Translation | Contextኤርምያስ ወዲ ህልቅያ፡ ካብ ዓሌት እቶም ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት እተናገሮ ቓል። ናብኡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ግዝኣት ዮስያስ፡ ወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳ፡ ቃል እግዚኣብሄር መጸ። ከምኡውን ብዘመን ዮኣቂም፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ እታ መወዳእታ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት ግዝኣት ጼድቅያስ፡ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ ነቲ የሩሳሌም እተማረኸትሉ ኣብ ሓምሳይ ወርሒ መጾ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ እሞ፡ ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ። ኣነ ድማ፡ ኣይ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ገና ቘልዓ እየ እሞ፡ እንሆ፡ ክዛረብ ኣይክእልን እየ፡ በልኩ። እግዚኣብሄር ግና በለኒ፡ ናብ ዝልእከካ ዂሉ ኺድ፡ እቲ ዝእዝዘካ ዂሉ ድማ ተዛረብ እምበር፡ ቈልዓ እየ ኣይትበል። ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከኣ ኢዱ ዘርግሔ እሞ ኣፈይ ተንከየ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር አሎኹ፡ ርኤ፡ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስትታትን ክትምንቊስን ከተፍርስን ከተዖኑን ከተጥፍእን ክትነድቕን ክትተክልን ኣቚመካ እየ፡ በለኒ። ድሕሪ እዚውን፡ ኣታ ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፧ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ። ኣነ ድማ፡ ጨንፈር ኦም ለውዚ እርኢ አሎኹ፡ በልኩ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንቓለይ ክተግሃሉን ከም ዚፍጸም ክገብሮን እየ እሞ፡ ጽቡቕ ርኢኻ፡ በለኒ። ቃል እግዚኣብሄር ድማ ካልኣይ ጊዜ ናባይ መጺኡ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፧ በለኒ። ኣነውን፡ ገጹ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዚፈልሕ ድስቲ እርኢ አሎኹ፡ በልኩ። ሽዑ እግዚኣብሄር በለኒ፡ ሕሰም ካብ ሰሜን ናብቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዂሎም ኪፍኖ እዩ። እንሆ፡ ናይ ሰሜን መንግስትታት ዓሌት ኲሎም ክጽውዕ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ንሳቶም ከኣ መጺኦም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣፍ ደጌታት የሩሳሌምን ኣብቲ ኸባቢኣ ዘሎ ዂሉ ቕጽርን ኣብ ዂለን ከተማታት ይሁዳን መመንበሮም ኬንብሩ እዮም። ብሰሪ ዂሉ ኽፍኣቶም ንኣይ ስለ ዝሐደጉን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ስለ ዝዐጠኑን ንግብሪ ኢዶም ስለ ዝሰገዱን፡ ፍርደይ ክነግሮም እየ። እምበኣርሲ ንስኻ ሕቜኻ ተዐጠቕ፡ ተንስእ እሞ እቲ ኣነ ዝእዝዘካ ዂሉ ንገሮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኦም ፈራህ ከይገብረካስ፡ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይትፍራህ። እንሆ፡ ኣነ ንዂሉ ምድርን ንነገስታት ይሁዳን ንሹማምታን ንኻህናታን ንህዝቢ ሃገራን ከም እተዐርደት ከተማን ከም ዓንዲ ሓጺንን ከም ቀጽሪ ኣስራዝን ገይረ ሎም ኣቚመካ እየ። ኪዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Context