Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

the apocalypse


ማቴዎስ 24:36 | 21 Helpful votes

ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑመላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን

Translation | Context
ራእይ 7:1-17 | 11 Helpful votes

ድሕርዚ ድማ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም፡ ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ኣብ ኦም ዘበለውን ንፋስ ከይነፍስ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ርኤኹማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘልዎ ኻልእ መልኣኽውን ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪወጽእ ከሎ ርኤኹ። ንሱ ኸኣ ነቶም ምድርን ባሕርን ኪጐድኡ እተዋህቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ ብብርቱዕ ድምጺ ጸውዖም እሞ፡ ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሐትሞምሲምድሪ፡ ወይስ ባሕሪ፡ ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡበለቍጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ፡ ካብ ብዘሎ ነገድ ደቂ እስራኤል ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ሕቱማት። ካብ ነገድ ይሁዳ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ጋድ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ኣሴር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ንፍታሌም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ምናሴ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ስምኦን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ሌዊ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ፡ ካብ ነገድ ይሳኮር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ዛብሎን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ዮሴፍ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ብንያም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙድሕርዚ ድማ ርኤኹእንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ሰብጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖምጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡ ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ፡ እናበሉ ዓው ኢሎም ጨደሩ። እቶም መላእኽቲውን ኵላቶም ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቈሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ፍግም ኢሎም ከኣ፡ ኣሜንውዳሴን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ስልጣንን ሓይልን ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹንኣሜንእናበሉ ንኣምላኽ ሰገዱ። ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ እዞም ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑስ እንታዎት እዮምካበይከ መጹ፧ ኢሉ መለሰለይ። ኣነውን፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ትፈልጥበልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም፡ ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ፡ ስለዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም፡ ኣብታ መቕደሱውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ አለዉ። እቲ ኣብቲ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪተኽሎ እዩ። እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖምኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ እሞ፡ ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም፡ ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምን እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
ራእይ 17:8-10 | 8 Helpful votes

እቲ ዝርኤኻዮ ኣራዊት ነበረ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቝ ድማ ኪወጽእ ናብ ጥፍኣትውን ኪኸይድ እዩ። ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ፡ እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዚመጽእን ምስ ረኣዩ፡ ኪግረሙ እዮም። ጥበብ ዘለዋ ኣእምሮ ኣብዚ እያ ዘላ። እቶም ሾብዓተ ርእስስ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ ሾብዓተ ኣኽራን እዮምሾብዓተ ነገስታት ከኣ እዮም፡ እቶም ሓሙሽተ ወዲቖምእቲ ሓደ አሎ፡ እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን፡ ምስ መጸ ድማ ቅሩብ ኪነብር ይግብኦ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:1-33 | 6 Helpful votes

ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይሓለቓ ኣይሁድ ነበረንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡረቢብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካንፈልጥ አሎና፡ በሎየሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከምዜልቦብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹኢሉ መለሰሉኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎመሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ አትዩስ ኪውለድ ይከአሎ እዩ፧ በሎየሱስ መለሰብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይ ተወልደኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦንካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም። ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስደሃይ ኸኣ ትሰምዕካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩኒቆዲሞስ ከኣእዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣልኢሉ መለሰሉየሱስ ድማ መሊሱ በሎንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻእዚዶ ኣይትፈልጥንብሓቂብሓቂ እብለካ አሎኹእንፈልጦ ንዛረብዝርኤናዮውን ንምስርክር አሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎ ኢኹም። ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዝይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧ ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን። ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ። ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራኣምላኽ ንወዱዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግናብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነድሮ ተፈሪድዎ አሎ። እቲ ፍርዲ እዚ እዩብርሃን ናብ ዓለም መጸሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍናብ ብርሃን ኣይመጽእንእቲ ሓቂ ዚገብር ግናብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእድሕርዚ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ። ዮሃንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይአተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ። ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ሓደ ኣይሁዳውን ብዛዕባ ምጽራይ ክርክር ተንስኤናብ ዮሃንስ መጺኦምመምህርእቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉእንሆንሱ የጥምቕኵሉ ኸኣ ናብኡ ይኸይድ አሎ፡ በልዎዮሃንስ ከኣ መሊሱ በለሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተዋህቦስ ሓንቲ እኳ ኺወስድ ኣይክእልን እዩ። ኣነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን ከም ዝበልኩንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም። እቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ እዩእቲ ደው ኡሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመንሱ ኺዓቢኣነ ግና ክንእስ ይግባእ። እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊ እዩ፡ ናይ ምድሪውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። ነታ ምስክሩ ደኣ ዚቕበላ የልቦን እምበር፡ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክርእቲ ነታ ምስክሩ እተቐበላ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሐተመ

Translation | Context
ራእይ 12:1-17 | 5 Helpful votes

ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየሰበይቲጸሓይ ተወንዚፋወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት። ጥንስቲ ኸኣ እያብቕልውላው ምውላድውን ትጭርሕክትወልድ ከኣ ትጽዕር ነበረት። ካልእ ትእምርቲ ኸኣ ኣብ ሰማይ ተራእየእንሆሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንንኣብቲ ኣራእሱውን ሾብዓተ ዘውዲ ዘለዎ ዓብዪ ቐይሕ ገበል፡ እቲ ጭራኡ ድማ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሐበ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮም። እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ። ንሳ ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲተባዕታይወለደት። እቲ ውሉዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለእታ ሰበይቲ ድማ፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺምግብዋ፡ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ ናብ በረኻ ሀደመት። ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎምኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየመላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ። ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን። ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ኣባታቶም እትነብሩውንተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ፡ ምስ ረአየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍርክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ። እቲ ተመን ድማ፡ ውሒዝ ምእንቲ ኺወስዳስነታ ሰበይቲ ደድሕሪኣ ኸም ውሒዝ ዝዀነ ማይ ካብ ኣፉ ኣውጽኤምድሪ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፡ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ ወሐጠቶ። እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለውን ዝተረፉ ዘርኣ ኺዋጋእ ከደ

Translation | Context
ራእይ 14:13 | 5 Helpful votes

ካብ ሰማይ ከኣ፡ ጽሐፍ፡ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣን እዮም። እወግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ማቴዎስ 24:1-51 | 5 Helpful votes

የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ አሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎምእዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡየሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃህቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘለዉ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይሌኤን። ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን። ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩምኣይትእመንዎ። ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። እንሆኣቐዲመ ነገርኩኹምእንሆ፡ ኣብ በረኻ አሎ፡ እንተ በሉኹምኣይትውጽኡ። እንሆ ኣብ ቤት አሎ እንተበሉኹምውን ኣይትእመኑበርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም። ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምትወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። ንመላእኽቱ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም። ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩጨነፍራ ምስ ለምለመቈጽላውን ምስ ጠጥዔክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡእዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑመላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡንምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፡ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ። ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። ግናኸ ፍለጡበዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትንጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈላጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። ኣብ ክልተ ኺጭንድሖዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ፊልጲ 2:14-17 | 4 Helpful votes

ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩምከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ። ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን እንተ ተሰዋእኩ፡ ባህ ይብለኒ፡ ምስ ኵላትኩምውን እሕጐስ አሎኹ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:24 | 3 Helpful votes

ምስቶም ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይሐልፍ ዜፍቅርዎ ዅሎም ጸጋ ይኹን

Translation | Context
ራእይ 6:1-17 | 3 Helpful votes

እቲ ገንሸል ካብቲ ሾብዓተ ማሕተምሲ ሓደ ምስ ፈትሔ ኸኣ፡ ርኤኹሓደ ኸም ደሃይ ነጕዲ ዝበለ ድማ፡ ንዓ እሞ ርኤኪብል ከሎ ሰማዕኩርኤኹውን እንሆ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ድማ ቀስቲ አለዎ ኣኽሊልውን ተዋህቦእናሰዓረስ ኪስዕር ከኣ ወጸነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማእቲ ኻልኣይ እንስሳንዓ እሞ ርኤኪብሎ ከሎ ሰማዕኩካልእ ሓመር ፈረስ ድማ ወጸ፡ ነቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተዋህቦዓቢዪ ሰይፊውን ተዋህቦነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳንዓ እሞ ርኤኪብሎ ከሎ ሰማዕኩ። ርኤኹውን እንሆመጋል ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሚዛን አለዎ። ኣብ መንጎ እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ከም ድምጺ ዝበለ፡ ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ብዲናርሰለስተ ኮይኑክስ ስገም ከኣ ብዲናርዘይትን ወይንን ኣይትጕዳእኪብል ከሎ ሰማዕኩነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ድምጺ እቲ ራብዓይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርኤኪብል ከሎ ሰማዕኩርኤኹውን እንሆቡላ ፈረስስም እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎውን ሞት እዩ፡ ሲኦል ከኣ ይስዕቦብሰይፍን ጥሜትን ፌራን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም፡ ንራብዓይ ኣፍ ምድሪ ኪቐትልዎ ስልጣን ተዋህቦም። ነቲ ሓምሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሐርዱ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ርኤኹዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለውኻ ኽሳእ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮምእናበሉ ጠርዑንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፡ እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዚምልኡ ኸኣ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ኪዐርፉ ተባህለሎምነቲ ሳድሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ርኤኹ እሞ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነጸሓይ ከም ወጮ ጸለመትወርሒውን ብዘላ ኸም ደም ኰነትኦም በለስብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ ኣበላ፡ ነቲ ዝጐዔ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፡ ከምኡ ኸኣ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ወደቑሰማይውን ከም ዚጥቕለል ክታብ ኣግለሰ። ብዘለዉ ኣኽራንን ደሴታትን ካብ ሰስፍራኦም ገዐዙነገስታት ምድርን መሳፍንትን ሓላቑ ኣሻሓትን ሃብታማትን ሓያላትን ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን ኣብ ጐደጕድን ኣብ በዓትታት ኣኽራንን ተሐብኡነኽራንን ነኻውሕን ድማ ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ካብ ቍጥዓ እቲ ገንሸልንሲ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉናበልዎም። እታ ዓባይ መዓልቲ ቍጥዓኦም መጺኣ እያ እሞ፡ መንከ እዩ ደው ኪብል ዚኽእል

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 10:5 | 3 Helpful votes

ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:7-21 | 3 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐርዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ኣምላኽብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልናኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። ኣቱም ፍቁራተይኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ። ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርናኣምላኽ ኣባና ይነብርፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም። ካብ መንፈሱ ስለ ዝሀበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብርበዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ ኣቦ ንወዱ ምድሓን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾንሕና ርኢና ንምስክርውን አሎና። የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመንኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር። ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን አሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብርኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር። ከምቲ ንሱ ዘለዎ፡ ከምእውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርድስ ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና፡ በዚ እታ ፍቕሪ ኣባና ተፈጸመትፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። ንሱ ቅድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ። እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:1-19 | 3 Helpful votes

ኤርምያስ ወዲ ህልቅያ፡ ካብ ዓሌት እቶም ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት እተናገሮ ቓል። ናብኡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ግዝኣት ዮስያስወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳቃል እግዚኣብሄር መጸ። ከምኡውን ብዘመን ዮኣቂምወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ እታ መወዳእታ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት ግዝኣት ጼድቅያስወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ ነቲ የሩሳሌም እተማረኸትሉ ኣብ ሓምሳይ ወርሒ መጾ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ እሞ፡ ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ። ኣነ ድማ፡ ኣይ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ገና ቘልዓ እየ እሞ፡ እንሆ፡ ክዛረብ ኣይክእልን እየ፡ በልኩእግዚኣብሄር ግና በለኒ፡ ናብ ዝልእከካ ዂሉ ኺድ፡ እቲ ዝእዝዘካ ዂሉ ድማ ተዛረብ እምበር፡ ቈልዓ እየ ኣይትበል። ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮምይብል እግዚኣብሄርእግዚኣብሄር ከኣ ኢዱ ዘርግሔ እሞ ኣፈይ ተንከየ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር አሎኹርኤሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስትታትን ክትምንቊስን ከተፍርስን ከተዖኑን ከተጥፍእን ክትነድቕን ክትተክልን ኣቚመካ እየ፡ በለኒ። ድሕሪ እዚውን፡ ኣታ ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፧ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ። ኣነ ድማ፡ ጨንፈር ኦም ለውዚ እርኢ አሎኹ፡ በልኩእግዚኣብሄር ከኣ፡ ንቓለይ ክተግሃሉን ከም ዚፍጸም ክገብሮን እየ እሞ፡ ጽቡቕ ርኢኻበለኒቃል እግዚኣብሄር ድማ ካልኣይ ጊዜ ናባይ መጺኡ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፧ በለኒ። ኣነውን፡ ገጹ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዚፈልሕ ድስቲ እርኢ አሎኹ፡ በልኩ። ሽዑ እግዚኣብሄር በለኒሕሰም ካብ ሰሜን ናብቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዂሎም ኪፍኖ እዩ። እንሆ፡ ናይ ሰሜን መንግስትታት ዓሌት ኲሎም ክጽውዕ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ንሳቶም ከኣ መጺኦም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣፍ ደጌታት የሩሳሌምን ኣብቲ ኸባቢኣ ዘሎ ዂሉ ቕጽርን ኣብ ዂለን ከተማታት ይሁዳን መመንበሮም ኬንብሩ እዮም። ብሰሪ ዂሉ ኽፍኣቶም ንኣይ ስለ ዝሐደጉን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ስለ ዝዐጠኑን ንግብሪ ኢዶም ስለ ዝሰገዱንፍርደይ ክነግሮም እየ። እምበኣርሲ ንስኻ ሕቜኻ ተዐጠቕተንስእ እሞ እቲ ኣነ ዝእዝዘካ ዂሉ ንገሮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኦም ፈራህ ከይገብረካስ፡ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይትፍራህ። እንሆ፡ ኣነ ንዂሉ ምድርን ንነገስታት ይሁዳን ንሹማምታን ንኻህናታን ንህዝቢ ሃገራን ከም እተዐርደት ከተማን ከም ዓንዲ ሓጺንን ከም ቀጽሪ ኣስራዝን ገይረ ሎም ኣቚመካ እየ። ኪዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context