Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

the ark of covenant


ራእይ 11:19 | 15 Helpful votes

እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ተኸፍተት፡ ኣብታ መቕደሱውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ በርቅታትን ድምጽታትን ነጐዳታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዓብዪ በረድን ድማ ዀነ

Translation | Context
እብራውያን 9:1-5 | 15 Helpful votes

ደጊም ነቲ ቐዳማይ ኪዳን ድማ ነገልግሎት እግዚኣብሄርን ንምድራዊ መቕደስን ሕጋጋት ነይርዎ። ድንኳን ተተኺሉ ነበረ እሞ፡ ኣብታ ቕድም እትርከብቅድስቲእትብሀል ክፍሊ ቐንዴል ሰደቓን እንጌራታት ምርኣይን ነበራ። ብኽንየው እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ግና ኣብቲ ድንኳንቅድስተ ቅዱሳንእትብሀል ነበረት፡ ኣብኣ ጽንሃን ወርቅን ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ እተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ እሞ፡ ንሱ ነተን ማና ዝሐዘት ፍዮ ወርቅን ዝጠጥዔት ዘንጊ ኣሮንን ጽላት ኪዳንን ዚሕዝ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ መንበር ጸጋ ዜጽልሉ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነበሩ። ብዛዕባዚ ሕጂ በብናቱ ኽንዛረበሉ ዘይኰነልና እዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 37:1-9 | 14 Helpful votes

በሳልኤል ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ታቦት ገበረምንዋሑ ክልተ እመትን ፈረቓንምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓንምብራኹውን እመትን ፈረቓን ነበረ። ውሽጡን ግዳሙን ድማ ብጹሩይ ወርቂ ለበጦዙርያኡ ኸኣ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሲሱ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩክልተ ቐለበት ብሓደ ሸነኽክልተ ቐለበት ከኣ ብኻልኣይ ሸነኹ ገበሮ። መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገይሩ ብወርቂ ለበጦ። እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኺጽወር ድማ፡ ነቲ መሰላታት ናብቲ ኣብ ጎቦታት ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎመኽደን መተዓረቒ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂክልተ እመትን ፈረቓን ዝምንዋሑእመትን ፈረቓን ዝምግፋሑ ገበረክልተ ኪሩቤል ድማ ካብ ወርቂ ገበረብምቕጥቃጥ ሰሪሑንመኽደን መተዓረቒ ኣብ ክልተ ወሰኑ ገበሮም። ሓደ ኪሩቤል በዚ ወሰንዚ፡ ሓደ ኪሩቤል ከኣ በቲ ወሰንቲ፡ ነቶም ኪሩቤል ምስቲ መኽደን መተዓረቒ ብሓደ ገይሩ፡ ኣብ ክልቲኡ ወሰኑ ገበሮም። እቶም ኪሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ መሊሶም፡ ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ዘርጊሖምንመኽደን መተዓረቒ በኽናፎም ከወልዎ። ገጽ እቶም ኪሩቤል ናብ መኽደን መዓረቒ ኣቢሉ ነበረ።

Translation | Context
ዘጸአት 25:22 | 11 Helpful votes

ኣብኡ ድማ ንኣኻ ኽግለጸልካ እየ፡ ካብቲ መኽደን መተዓረቒ ኻብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘለዉ ኽልተ ኪሩቤል እቲ ንደቂ እስራኤል ኢለ ዝእዝዘካ ዅሉ ኽነግረካ እየ።

Translation | Context
ኤርምያስ 3:16 | 8 Helpful votes

በቲ ዘመን እቲ ምስ በዛሕኩምን ኣብቲ ምድሪ ምስ ተፋፌኹምን፡ ብናይ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣይኪዛረቡን፡ ኣይኪሐስብዋን ኣይኪዝክርዋን ድማ እዮም፡ ኣይከተድልዮምን እያ፡ ከም ብሓድሽውን ኣይኪገብርዋን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ዘዳግም 10:8 | 6 Helpful votes

በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነገድ ሌዊታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኪጸውርኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ኪቐውም፡ ንእኡ ኼገልግል፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ብስሙ ኺምርቕ፡ ፈለዮ

Translation | Context
ዘሁልቍ 10:33 | 4 Helpful votes

ካብ ከረን እግዚኣብሄር ከኣ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጓዕዙ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ድማ ዚዐርፉላ ቦታ ኺደልየሎምመገዲ ሰለስተ መዓልቲ ቐደሞም

Translation | Context
ኤርምያስ 31:31-34 | 4 Helpful votes

እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝአትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ኻብ ሃገር ምስሪ ብኢዶም ሒዘ ኸውጽኦም ከሎኹ፡ ምስ ኣቦታቶም ዝአቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን። ኣነ ጐይታኦም ክነሰይሲ፡ ንሳቶም ነቲ ኺዳን ኣፍረስዎይብል እግዚኣብሄርድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝአትዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ እሞ፡ ካብ ንእሽትኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ኪፈልጡኒ እዮም፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉንእግዚኣብሄር ፍለጦኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይኪማሃሩን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ኤርምያስ 31:33-34 | 4 Helpful votes

ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝአትዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ እሞ፡ ካብ ንእሽትኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ኪፈልጡኒ እዮም፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉንእግዚኣብሄር ፍለጦኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይኪማሃሩን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
እያሱ 6:8 | 3 Helpful votes

ኰነ ኸኣ እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ሾብዓተ ኻህናት ድማ ሾብዓተ መለኸት እልልታ ሒዞም ነቲ መለኸት እናነፍሑ ቐቅድሚ እግዚኣብሄር ሐለፉ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ከኣ ደድሕሪኦም ይኸይድ ነበረ።

Translation | Context
እያሱ 7:6 | 3 Helpful votes

እያሱን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ድማ ክዳውንቶም ቀዲዶም ኣብ ኣራእሶም ድማ ሓመድ ነስኒሶም፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ

Translation | Context
እያሱ 3:6 | 3 Helpful votes

እያሱ ኸኣ ነቶም ካህናትታቦት ኪዳን ተሰኪምኩም ቀቅድሚ ህዝቢ ሕለፉ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ሽዑ ታቦት ኪዳን ተሰኪሞም ቀቅድሚ ህዝቢ ኸዱ

Translation | Context