Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

the battle is the lords


2ይ ዜና መዋእል 20:15 | 15 Helpful votes

ንሱ ድማ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኲላ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ንስኻ ንጉስ ዮሳፋጥውንስምዑእግዚኣብሄር ከምዚ ይብለኩም አሎእቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናታትኩም ኣይኰነን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ዓብዪ ጭፍራ እዚ ኣይፍርሁን ኣይትሸበሩን

Translation | Context
ኤፌሶን 6:12 | 7 Helpful votes

እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 17:47 | 7 Helpful votes

እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ብሴፍን ብዅናትን ከም ዘይኰነ ዜድሕን፡ ብዘላ እዛ ማሕበር እዚኣ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድና ኺህበና እዩ።

Translation | Context
ዘካርያስ 4:6 | 6 Helpful votes

ሽዑ ንሱ መለሱ፡ እዚ እቲ ንዘሩባቤል ዚኸውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ፡ ብመንፈሰይ እምበር፡ ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐያት ሰራዊት። ኣታ ዓብዪ ኸረን፡ መን ኢኻ፧ ኣብ ቅድም ዘሩባቤል ጐልጐል ክትከውን ኢኻ። ጸጋ ጸጋ፡ ንእኡ፡ እናተባህለ ኺጭድር ከሎ ነቲ እምኒ ርእሲ ኼውጽኦ እዩ፡ ኢሉ ነገረኒ

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 32:7 | 4 Helpful votes

ጽንዑን ትብዑን፡ ካብቲ ምስኡ ዘሎስ እዚ ምሳና ዘሎ ይዐቢ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶርን ኣብ ቅድሚ ዂሉ እቲ ምሰኡ ዘሎ ጥፍራን ኣይትፍርሁን ኣትሸበሩን

Translation | Context
ኢሳይያስ 64:8 | 4 Helpful votes

ሕጂ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፡ ንሕና መሬት ኢና፡ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፡ ኲልናውን ግብሪ ኢድካ ኢና።

Translation | Context
2ይ ነገስት 20:1-7 | 3 Helpful votes

በቲ ጊዜ እቲ ህዝቅያስ ንሞት ሐመመነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ድማ ናብኡ መጺኡ በሎእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎንስኻ ትመውት እምበርኣይትሐውን ኢኻ እሞ፡ ቤትካ ኣስተናብር። ሽዑ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱዎ እግዚኣብሄርእልምነካ አሎኹ፡ ኣብ ቅድሜኻ ብሓቅን ብፍጹም ልብን ከም እተመላለስኩን፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዝገበርኩን ዘክርኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየህዝቅያስ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸየኰነ ኸኣ፡ ኢሳይያስ ገና ናብ ማእከል እታ ኸተማ ኸይወጸ ኸሎ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾተመለስ እሞ ንህዝቅያስ፡ ነቲ መስፍን ህዝበይበሎእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል አሎጸሎትካ ሰሚዔንብዓትካ ርእየእኔኹ፡ ከሕውየካ እየ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትድይብ ኢኻኣብ ልዕሊ ዕድሜኻውን ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ወሲኸልካ አሎኹ፡ ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከኣ ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላ እየ። ኢሳይያስ ድማ፡ ጐጎ በለስ ኣምጽኡለይበለኣምጺኦም ከኣ ኣብቲ ቚስሊ ገበረሉ እሞ፡ ሐወየ

Translation | Context
ገላትያ 5:17 | 3 Helpful votes

ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነመንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዝምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩእዚኣቶም መጻርርቲ እዮም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:31 | 3 Helpful votes

ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ

Translation | Context
ዘጸአት 14:13-14 | 3 Helpful votes

ሽዑ ሙሴ ነቶም ህዝቢኣይትፍርሁ፡ ደው በሉ፡ እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ሎሚ ዚገብረልኩም ርኣዩ። ኣዞም ሎሚ እትርእይዎም ግብጻውያን ደጊም መሊስኩም ንዘለኣለም ኣይትርእይዎምንእግዚኣብሄር ኪዋጋልኩም እዩ እሞ፡ ህድኡ፡ በሎም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 10:4 | 3 Helpful votes

ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 2 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎምንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:17 | 2 Helpful votes

ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውንማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 20:20 | 2 Helpful votes

ንጽባሒቱ ኸኣ ኣንጊሆም ተንሲኦምናብቲ በረኻ ተቆዓ ወጹኪወጹ ኸለዉ ድማ፡ ዮሳፋጥ ደው ኢሉ በሎም፡ ኣቱም ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩንስምዑኒብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እመኑ እሞ ጽኑዓት ክትኰኑ ኢኹም፡ ብነብያቱውን እመኑ እሞ ኪቐንዓኩም እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:1-42 | 2 Helpful votes

እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱብኻልእ ወገን ዚሐኵርንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ብኣፍ ደገ ዚኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉእተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብሰመን ጸዊዑ የውፍረንነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፍረን ድማ፡ ቀቅድሜኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየንየሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎምንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን። ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፥ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ከም ዝዀንኩ፡ ብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዅላቶም ሰረቕትን ጓሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኪድሕንኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ ኣዩ። ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋእቲ ብዓል ዓስቢ ግናጓሳ ዘይኰነስእተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየ፡ ነተን ኣብጊዕ ሐዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን። ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሃድምግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉንሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዚፈልጠኒኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ ኤሕልፋካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒንኣታተን ድማ ከምጽኤን እየ፡ ቃለይውን ኪሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን ጓሳኤንውን ሓደኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋመሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን አሎኒመሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን አሎኒነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓድሽ ምፍልላይ ኰነሽዑ ኻባታቶም ብዙሓትጋኔን ሒዝዎ ይዓብድ አሎ፡ እንታይ ኢልኩምዎ ኢኹም እተሰምዕዎበሉካልኦት ግና፥ እዚ ዘረባ እዚ ዘረባ ዕቡድ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኸፍት ይከአሎ እዩ፧ በሉኣብ የሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ ኰነክረምቲ ኸኣ ነበረየሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ። ሽዑ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ፥ ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ላሕ እተብለናንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካኣግሂድካ ንገረናበልዎየሱስ መለሰሎምነጊረኩም ኣይኣመንኩምን እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ይምስክረለይ አሎ። ንስኻትኩም ግናከምቲ ዝበልኩኹምካብተን ኣባጊዔይ ስለ ዘይኰንኩምኣይትኣምኑን ኢኹም። እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጼይ ይሰምዓኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦንእቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዐቢ እዩካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዔን ዚኽእል የልቦን። ኣነን ኣቦን ሓደ ኢናኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸም ብሓድሽ እምኒ ኣልዓሉየሱስ ከኣ፥ ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹምስለ ኣየናዩ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩ ዘሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎምኣይሁድ ከኣ፥ ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ንፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበርስለቲ ጽቡቕ ግብርታት ካስ ኣይኰንናን ብእምኒ እንቐትለካኢሎም መለሱሉየሱስ መለሰሎምኣብ ሕግኹምኣነኣማልኽቲ ኢኹምበልኩ፡ ዚብልዶ ኣይተጻሕፈን እዩነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዚብሎም፡ - ጽሑፍ ኪፈርስ ኣይከኣልን እዩ፦ ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፥ ትጻረፍ አሎኻ፡ ትብሉኒ አሎኹም፧ ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩኣይትእመኑኒእንተ ገበርኩ ግናኣቦ ኣባይ ምህላዉኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒነቲ ግብረይ እመንዎመሊሶም ድማ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ንሱ ግና ካብ ኣእዳዎም መለቘከም ብሓድሽ ናብታ ዮሃንስ ቀደም የጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደኣብኣውን ተቐመጠብዙሓት ድማ ናብኡ መጺኦምዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዅሉ ግና ሓቂ ዀነበሉኣብኡውን ብዙሓት ብእኡ አመኑ

Translation | Context
2ይ ነገስት 19:14-19 | 2 Helpful votes

ህዝቅያስ ከኣ ነታ ደብዳበ ኻብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባህዝቅያስ ከኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደዪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘርግሓህዝቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ጸለየ፡ ኣታ ኣብ ኪሩቤል እትቕመጥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እቲ ኣምላኽ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ንሰማይን ንምድርን ንስኻ ገበርካዮ። ዎ እግዚኣብሄርኣእዛንካ ኣድንን እሞ ስማዕ፡ ዎ እግዚኣብሄርኣዒንትኻ ቓሕ ኣቢልካ ድማ ርኤ። ነቲ ንህያው ኣምላኽ ኪጸርፍ ኢሉ ዘለአኾ ዘረባ ሰናክሪብ ከኣ ስምዓዮ። ኣታ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነገስታት ኣሶር ነቶም ህዝብታትን ንሃገሮምን ከም ዘባደሙ ሓቂ እዩ። ንኣማልኽቶምውን ናብ ሓዊ ደርበይዎም። ንሳቶም ካብ ዕጨ እምኒ ብኢድ ሰብ ኣተገብሩ እዮም እምበር፡ ኣማልኽትስ ኣይኰኑንስለዚ ኣጥፍእዎምሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽናኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ እግዚኣብሄር በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ምእንቲ ኺፈልጣስንልምነካ አሎናካብ ኢዱ ኣድሕነና

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 4:8 | 2 Helpful votes

ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡

Translation | Context
ዘጸአት 15:3 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ።

Translation | Context
ራእይ 21:3 | 2 Helpful votes

ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺእንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 13:1 | 2 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ

Translation | Context
መዝሙር 51:1-19 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፣ ከም ሳህልኻ ምሐረኒ፣ ከምቲ ዓብዪ ርሕራሔኻ ኣበሳይ ደምስስ። ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ። ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ፣ ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። ብዘረባኻ ጻድቕብፍርድኻውን ንጹህ ኴንካ ኽትርከብሲ፣ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ። እንሆ፣ ብአበሳ ተወለድኩእኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ። እንሆ፣ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ኢኻ እትደልዮ፣ ኣብ ሕቡእውን ጥበብ ምሀረኒ። ምእንቲ ኽጸርስ፣ ብስምዕዛ ኣጽርየኒ፣ ካብ በረድ ክጽዕዱሕጸበኒ። እተን ዝቐጥቀጥካየን ኣዕጽምቲ ኺሕጐሳስባህታን ሓጐስን ኣስምዓኒገጽካ ኻብ ሓጢኣተይ ከውሎ፣ ንብዘሎ ኣበሳይውን ደምስሶ። ዎ ኣምላኽጽሩይ ልቢ ፍጠረለይጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ። ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒመገድኻ ንመፍረስቲ ኽምህሮም እየ፣ ሓጥኣን ከኣ ናባኻ ኺምለሱ እዮም። ዎ ኣምላኽ፣ ኣምላኽ ምድሓነይ፣ ካብ ዕዳ ደም ኣናግፈኒልሳነይውን ንጽድቅኻ እልል ክትብለሉ እያ። ጐይታየኣፈይ ምስጋናኻ ኺነግርሲከናፍረይ ክፈትመስዋእቲ ባህ ኣየብለካን እዩ፣ እንተ ዘይኰነስ መቕረብኩልካ ነይረ፣ ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይትብህጎን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ ኣምላኽንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ። ንጽዮን ብጸጋኻ ሰናይ ግበረላ፣ መካበብያታት የሩሳሌም ንደቕ። ሽዑ ብመስዋእቲ ጽድቂብዚሐርር መስዋእቲብምሉእ መስዋእቲ ባህ ኪብለካ እዩ፣ ሽዑ ኣብ መሰውኢኻ ኣራሑ ኬቕርቡልካ እዮም።

Translation | Context