Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all5 bible verses about
ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ረአይዎ። እቲ ትሕቲ እግሩ ድማ ብብሩህ ሰፊሮስ ከም እተገብረ ምድሪ ቤት፡ ምጽራዩ ኸኣ ከም ሰማይ ነበረ።
Translation | Contextንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ድማ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ወሰን ክዳውንቶም ኣዝፋር ኪገብሩ፡ ኣብ ዘዘፈር ወሰን ከኣ ሰማያዊ ፍሕሶ ኺገብሩ ንገሮም። ነቲ ብእኡ ናብ ምንዝርና እትኸዱ ዘሎኹም፡ ደድሕሪ ድሌት ልብኹምን ዓይንኹምን ከይትስዕቡ፡ ንእኡ ርኢኹም ንዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትዝክርዎን ክትገብርዎን፡ ዘፈር መዘከሪ ይኹነልኩም። ንዅሉ ትእዛዛተይ ምእንቲ ኽትዝክርዎን ክትገብርዎን፡ ንኣምላኽኩም ከኣ ቅዱሳን ክትዀኑ እዩ።
Translation | Contextብዓሰርተ ዓለባታት ማሕደር ግበር። ምስ ናይ ብብልሓት ፈላጥ እተገብረ ኪሩቤል ጌርካ፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ግበሮ። ምንዋሕ እቲ ሓደ ዓለባ ዕስራን ሾሞንተን እመት፡ ወርዲ እቲ ሓደ ዓለባ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ይኹን። ስፍሪ ዅሉ እቲ ዓለባታት ማዕረ ይኹን። እቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ይጋጠም፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ይጋጠም። ኣብቲ ብሓደ እተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ብሰማያዊ ፈትሊ መኸንትቦታት ግበር። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኸኣ ከምኡ ግበር። ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኸኣ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። እቲ መኸንትቦታት ንሓድሕዱ መጣምቲ ይኹን። ሓምሳ መቘለፊ ወርቂ ድማ ግበር። እቲ ማሕደር ሓደ ኪኸውንሲ፡ ነቲ ዓለባታት በቲ ኣቝላፍ ንሓድሕዱ ኣጋጥሞ። ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዚድረብ ድማ ካብ ጸጉሪ ጤል ዓለባታት ግበር። እቲ ዓለባታት ከኣ ዓሰርተው ሓደ ግበሮ። ምንዋሕ ሓደ ዓለባ ሰላሳ እመት፡ ወርዱ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ይኹን። እቲ ዓሰርተው ሓደ ዓለባ ስፍሩ ማዕረ ይኹን። ሓሙሽተ ኻብቲ ዓለባ ብሓደ ጌርካ ኣጋጥሞ። ከምኡ ከኣ እቲ ሹድሽተ ዓለባ ብሓደ ይኹን። እቲ ሳድሳይ ዓለባ ብሸነኽ ቅድሚት እቲ ድንኳን ደርቦ። ኣብቲ ሓደ እተጋጠመ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ድማ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። ካብ ኣስራዚ ኸኣ ሓምሳ መቘለፊ ግበር፡ ነቲ ኣቝላፍ ናብቲ መኸንትቦታት ኣእትዎ፡ እቲ መደረብታ ሓደ ኪኸውን ኣጋጥሞ። ካብቲ ናይ መደረብታ ዓለባታት ድንኳን ዝተረፈ ሕልፊ ፈርቓ እቲ ዝሓለፈ ዓለባ ብድሕርቲ ማሕደር ይጀርበብ። እቲ ኻብ ምንዋሕ ናይቲ መደረብታ ዓለባታት ድንኳን ዝሓለፈ፡ ምእንቲ ኪኸድኖ፡ ብኽልተ ሸነኹ፡ እመት በዚ እመት በቲ፡ ነቲ ማሕደር በዝን በትን ይጀርበብ። ነቲ መደረብታ ኸኣ ካብ እተቐርጸ ቘራብቲ ደዓውል መኽደን ግበረሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ካብ ቈርበት ታሃስ መኽደን ግበር። ነቲ ማሕደር ድማ ደው ዚብል ኣልዋሕ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበረሉ። ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ እመት፡ ምግፋሕ ሓደ ሉሕ ከኣ እመትን ፈረቓን ይኹን። ነንሓደ ሉሕ ከክልተ ንሓድሕዱ እተጋጠመ ሸኻል ይገበሮ። ንዅሉ ኣልዋሕ እቲ ማሕደር ከምኡ ግበሮ። ነቲ ማሕደር ከኣ ኣልዋሕ ግበርሉ፥ ዕስራ ሉሕ ብሸነኽ ደቡብ ግበር። ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ ድማ ካብ ብሩር ኣርብዓ እግሪ ግበር፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ነቲ ኽልተ ሸኻል ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ከኣ ነቲ ኽልተ ሸኻል ክልተ እግሪ ግበረሉ። በቲ ኻልኣይ ወገን ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ሰሜን ድማ ዕስራ ሉሕ፡ እቲ ኣርብዓ ናይ ብሩር እግሩ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ድማ ክልተ እግሪ ግበር። ብድሕሪ እቲ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራቡ ሹድሽተ ሉሕ ግበር። ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ድሕሪኡ ድማ ንመኣዝኑ ኽልተ ሉሕ ግበረሉ። እዚ ኻብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ይኹን፡ ክሳዕ ላዕሊ ክሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለቤት ብምሉኡ ኸምኡ ይኹን። ክልቲኡ ኸምኡ ይኹን። ኣብ ክልቲኡ መኣዝን ይኹን። እቲ ኣልዋሕ ሸሞንተ፡ እቲ ናይ ብሩር ኣእጋሩ ኸኣ ዓሰርተው ሽዱሽተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ድማ ክልተ እግሪ ይኹን። ጋድማት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበር፥ ብሓደ ሸነኽ እቲ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ሓሙሽተ፡ ብኻልኣይ ሸነኽ ኣቲ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ድማ ሓሙሽተ ጋድም፡ ብድሕሪ እቲ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራብ ንዘሎ ኣልዋሕ ከኣ ሓሙሽተ ጋድም ግበር። እቲ ኣብ ማእከል እቲ ኣልዋሕ ዘሎ ማእከላይ ጋድም ካብቲ ሓደ ወሰን ክሳዕ እቲ ኻልኣይ ወሰን ይሕለፍ። ነቲ ኣልዋሕ ድማ ብወርቂ ለብጦ፡ እቲ ጋድማት ዚኣተዎ ቐላብቱ ኸኣ ካብ ወርቂ ግበሮ። ነቲ ጋድማትውን ብወርቂ ለብጦ። ነቲ ማሕደር ከምቲ ኣብቲ ኸረን ዝረኤኻዮ ኣሰራርሓኡ ጌርካ ኽትተኽሎ ኢኻ። ድማ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ጌርካ፡ መጋረጃ ግበር፡ ምስ ብብልሓት ኣተገብረ ኪሩቤል ይገበር። ብወርቂ ኣብ እተለበጠ መሰቓቐሊ ወርቂ ዘለዎ፡ በርባዕተ እግሪ ብሩር ደው ዝበለ፡ ኣርባዕተ ዓንዲ ሽጢም ጌርካ ስቐሎ። ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣቝላፍ ስቐሎ፡ ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ኣእትዎ። እቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ መንጎ ቅድስትን ቅድስተ ቅዱሳንን ይፍለየልኩም። ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ ልዕልሊ ታቦት ምስክር ግበሮ፡ ነቲ ሰደቓ ከኣ ኣብ ወጻኢ መጋረጃ ኣንብሮ፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ድማ ኣብ መንጽር ሰደቓ፡ ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ደቡቡ፡ ነቲ ሰደቓ ኸኣ ብሸነኽ ሰሜኑ ግበሮ። ነቲ ኣፍ ድንኳን ድማ ብሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ብምጥላፍ እትዐየ መጋረጃ ግበር።
Translation | Contextኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከኣ እምኒ ሰፊሮስ ምስሊ ዝፋን ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፋን ዚመስል ድማ ኣርኣያ ሰብ ዚመስል ተቐመጠ።
Translation | Contextንስኻ ከኣ ንሓውካ ኣሮን፡ ደቁ ድማ ምስኡ፡ ኣሮን ደቂ ኣሮን ከኣ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ካህናት ኪኰኑኒ፡ ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ናባኻ ኣቕርቦም። ንኣሮን ሓውካ ድማ ንኽብርን ንጌጽን ዚኸውን ቅዱሳት ኣልባስ ግበረሉ። ንስኻ ድማ ነቶም መንፈስ ጥበብ ዝመላእክዎም፡ ብልቦም ፈላጣት ዝዀኑ ዅሎም ንኣሮን፡ ካህነይ ንምዃን ኪቕደስ፡ ኣልባስ ኪገብሩሉ ንገሮም። እቲ ዚገብርዎ ኣልባስ ከኣ እዚ ኣዩ፡ ሳንቃ ኣፍ ልብን ኤፎድን ቀሚሽ ላዕልን ዓንጥዓንጦራይ ቀሚሽ ታሕትን መጠምጠምያን ቅናትን፡ እሞ ካህነይ ኪኸውንሲ፡ ንሳቶም ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ወሲዶም፡ ንሓውካ ኣሮንን ንደቁን ቅዱስ ኣልባስ ይግበሩሎም። ነቲ ኤፎድ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገይሮም ብብልሓት ይግበርዎ። ንምግጣሙ ብኽልተ ወሰኑ ኽልተ እተጋጠመ ኽፍሊ መንኩብ ይሀልዎ። እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዚኸውን ብብልሓት እተገበረ ዚዕጠቑሉ ቕናት ከኣ ምስኡ ብሓደ እተጋጠመ፡ ሓደ ዓይነት ዝስራሑ፡ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ይኹን። ክልተ እምኒ ኦኒክስ ውሰድ እሞ ስም ደቂ እስራኤል ቅረጸሉ። ሽድሽተ ኻብ ስሞም ኣብቲ ሓደ እምኒ፡ እቶም ዝተረፉ ሹድሽተ ስም ድማ ከከም ምላዶም ጌርካ ኣብቲ ኻልኣይ እምኒ ቕረጽ። ቀራጽ እምኒ ማሕተም ከም ዚቐርጽ፡ ከምኡ ኣብ ክልቲኡ እምኒ ስም ደቂ እስራኤል ቅረጽ። ዚሕዞ ኸኣ ትትዖ ወርቂ ኣዙረሉ። ነቲ ኽልተ ኣእማን ድማ፡ ንደቂ እስራኤል ኣእማን መዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብቲ መናኹብ ኤፎድ ግበሮ። ኣሮን ከኣ ኣብ ክልቲኡ መንኵቡ ስሞም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ይጹሮ። ትትዖ ወርቂ ድማ ግበር። ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ከም ገመድ ብምጥዋይ እተገብረ ኽልተ ሰንሰለት ግበር፡ ነቲ እተጠውየ ሰንሰለት ምስቲ ትትዖ ግበሮ። ብብልሓት እተገበረ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኸኣ ግበር። ከም ስራሕ ኤፎድ፥ ካብ ወርቅን ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበሮ። ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ድርብ ድማ ይኹን። ምንዋሑ ስድሪ፡ ወርዱ ኸኣ ስድሪ ይኹን። ዚዛነቕ ኣእማን፡ ኣርባዕተ መስርዕ ኣእማን ኣጥብቐሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ፡ ሳርድዮን፡ ቶጳዝዮን፡ ስመራግዶስ፡ ኣብ ካልኣይ መስርዕ ከኣ፡ ሰመንጉኒ፡ ሰፊሮስ፡ ኣልማዝ። ኣብ ሳልሳይ መስርዕ ድማ፡ ህያክንቶስ፡ ኣካት፡ ኣሜቲስጦስ። ኣብ ራብዓይ መስርዕ ከኣ፡ ክሪሶሊትን ኦኒክስን ያስጲስን። ብትትዖ ወርቂ ተከቢቡ ይጥበቕ። እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስም ደቂ እስራኤል ዓሰርተው ክልተ፡ ከምቲ ስሞም ይኹን። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ፡ ነፍሲ ወከፍ በብስሙ ኸም ቅርጺ ማሕተም ይኹን። ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ገመድ ብምጥዋይ እተገበረ ሰንሰለታት ግበር። ድማ ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኽልተ ቐለቤት ወርቂ ግበር፡ እቲ ኽልተ ቐለቤት ከኣ ኣብ ክልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበር። ንኽልቲኡ እተጠውየ ሰንሰለት ወርቂ ኸኣ ኣብቲ ኣብ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለቤት ግበሮ። ንኽልቱኡ ኻልእ ኣምፊ እተጠውየ ሰንሰለት ከኣ ምስ ክልቲኡ ትትዖ ኣተሓሒዝካ ኣብቲ መንኩብ ኤፎድ ብሸነኽ ቅድሚት ግበሮ። ክልተ ቐለቤት ድማ ካብ ወርቂ ግበር እሞ ኣብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ናብ ሸንኽ ኤፎድ ዘሎ ውሽጣዊ ጥርዚ ግበር። ክልተ ቐለቤት ወርቂ ድማ ስራሕ እሞ ኣብ ክልቲኡ መንኩብ ኤፎድ ታሕቲ ብሸነኽ ቅድሚት፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዚጋጠመሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገበረ ቕናት ኤፎድ ግበሮ። እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኻብ ኤፎድ ከይፍለ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኪኸውን፡ ነቲ ቐላብቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ምስቲ ቐላብቲ ኤፎድ ብሰማያዊ ፍሕሶ ይተኣሰር። ኣሮን ናብ መቕደስ ምስ ዚኣቱ፡ ነቲ ስም ደቂ እስራኤል ኣብቲ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገይሩ፡ ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚብሄር ንመዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይጹሮ። ንኡሪምን ቱሚምን ድማ ኣብ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ዚኣቱ ኣብ ልዕሊ ልቢ ኣሮን ይኹን፡ ኣሮን ከኣ ንፍርዲ ደቂ እስራኤል ወትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ልቡ ይጹሮ። ናይ ኤፎድ ቀምሽ ላዕሊ ኵለንትናኡ ኻብ ሰማያዊ ግበሮ። ኣብ ማእከሉ ድማ ንርእሲ ዜሕልፍ ኣፍ ይሀልዎ። እቲ ኣፍ ምእንቲ ኸይቅደድ፡ ኣብ ዙርያኡ ኸምቲ ድርዒ እተኣልመ መኽፈፊ ይሀልዎ። ኣብ ዙርያ ታሕታይ ዘፈሩ ኸኣ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ሮማን ግበረሉ። ኣብ መንጎኤን ድማ ኣብ ዙርያኡ፡ ቃጽል ወርቂ ግበረሉ። እሞ ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ኣብ ዙርያኡ ቃጽል ወርቅን ሮማንን፡ ቃጽል ወርቅን ሮማንን ይኹን። ኣሮን ኣብ መቕደስ፡ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪኣቱ ኸሎን ኪወጽእ ከሎን ምእንቲ ኸይመውት፡ ኪስማዕሲ ኬገልግል ከሎ ይከደኖ። ካብ ጽሩይ ወርቂ ድማ ብሊቃ ግበር፡ ኣብኡ ኸኣ ከም ቅርጺ ማሕተም ጌርካ፥ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ ዚብል ቅረጽሉ። ብሰማያዊ ፍሕሶ ጌርካ ኣብ መጠምጠምያ ኣጥብቆ። ኣብቲ መጠምጠምያ ኸኣ ብሸነኽ ቅድሚት ይኹን። ኣብ ግምባር ኣሮን ይኹን፡ ኣሮን ድማ እቲ ደቂ እስራኤል ዜቕርብዎ ዅሉ ቅዱስ ህያብ ናይቲ ቅዱስ ህያቦም በደል ይጹር። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ኪዀነሎምሲ፡ ወርትግ ኣብ ግምባሩ ይኹን። ዓንጥዓንጦራይ ቀምሽ ታሕቲ ኸኣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እለም። መጠምጠምያ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበር። እተጠልፈ ቕናትውን ግበር። ንደቂ ኣሮን ድማ ቀመውሽ ግበረሎም፡ ቅናውቲውን ግብረሎም። ንኽብርን ንጌጽን ከኣ መጠምጠምያታት ግበረሎም። እዚ ንኣሮን ሓውካን ንደቁ ኸኣ ምስኡን ክደኖም፡ ቅብኣዮም ድማ፡ ኣእዳዎምውን ምልኣሎም፡ ካህናት ኪዀኑኒ ኸኣ ቀድሶም። ንሕፍረቶም ዚኸድን ስረ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበረሎም፡ ካብ ሕቝኦም ክሳዕ ብርኮም ዚበጽሕ ይኹን። ኣሮንን ደቁን ከይብድሉ እሞ ከይሞቱ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ወይ ኣብ መቕደስ ኬገልግሉ ናብ መሰውኢ ኪቐርቡ ኸለዉ፡ ይዕጠቕዎ። እዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ንዘርኡ ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።
Translation | Context