Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

the crucifixion


ዮሃንስ 3:16 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ሉቃስ 23:34 | 4 Helpful votes

የሱስ ድማ፥ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም፡ በለ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:10 | 3 Helpful votes

ኣነ ኸም ዝዀንኩ ምእንቲ ኸተስተውዕሉን ክትፈልጡን ክትኣምኑንሲ፡ ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹምይብል እግዚኣብሄር። ቅድመይ ኣምላኽ ከቶ ኣይተደኰነንድሕረይ ከኣ ኣይኪኸውንን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 22:1-31 | 3 Helpful votes

ኣምላኸይ፣ ኣምላኸይ፣ ስለምንታይ ሐደግካኒ፧ ካብ ምርዳኤይን ካብ ቃላት ኣውያተይን ርሑቕ ኢኻ። ዎ ኣምላኸይብመዓልቲ እጠርዕ፣ ንስኻ ግና ኣይትመልስንብለይቲውን ትም ኣይብልን። ኣታ ብማህሌት እስራኤል እትነብር፣ ንስኻ ቅዱስ ኢኻ። ኣቦታትና ኣባኻ ተወኪሎም እዮም፣ ተወኪሎም፣ ንስኻውን ኣናገፍካዮም። ኣባኻ ኣእወዩ እሞ ደሐኑ፣ ኣባኻ ተወከሉ እሞ ኣይሐፈሩን። ኣነ ግና ሓሰኻን መላገጽ ሰብንብህዝቢ እተናዕቀን እየ እምበር፣ ሰብሲ ኣይኰንኩን። ዚርእዩኒ ዘበሉ የባጭዉለይ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ይተዐቘብ፣ እስኪ የናግፎብሂግዎ እዩ እሞ፣ ንሱ የድሕኖ፣ ኢሎም ርእሶም እናነቕነቑ ኸናፍሮም ይርምጥጡለይ አለዉ። ግናኸ ካብ ማሕጸን ወላዲት ዘውጻእካኒ፣ ኣብ ኣጥባት እኖይ ብርግኣት ዘዕረፍካኒ ንስኻ ኢኻ። ካብ ማሕጸን ወላዲት ኣባኻ ወደቕኩ፣ ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚርካ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ። ጭንቂ ቐሪቡ አሎ፣ ዚሕግዘኒውን የልቦን እሞ፣ ካባይ ኣይትርሐቕብዙሓት ኣረውሕ ከቢቦምኒብርቱዓት ኣረውሕ ባሳን ኣማእኪሎምኒ። ከምቲ ዚዝርፍን ዚጓዝምን ኣንበሳስ ጐረሮኦም ይኸፍቱለይ አለዉ። ኣነ ኸም ማይ ፈሰስኩ፣ ብዘሎ ኣዕጽምተይ ተፋላልዩልበይ ከም ስምዒ ዀነ፣ ኣብ ማእከል ኣምዑተይ ከኣ መኸኸሓይለይ ከም ገልዒ ነቒጹልሳነይ ኣብ ትንሓገይ ጠቢቑ፣ ናብ መሬት ሞት ኣውዲቕካኒኣኽላባት ከቢቦምኒኣኼባ ገበርቲ እከይ ኣማእኪሎምኒነእዳወይን ነእጋረይን ሸንኪሮምዎ እዮም እሞ፣ ንዅሉ ኣዕጽምተይ ክቘጽሮ እኽእል እየ፣ ንሳቶም ይጥምቱንን ይዕዘቡንን አለዉ። ንኽዳውንተይ ይማቐልዎንቐምሸይውን ዕጻ የውድቑሉጐይታየ፣ ንስኻ ግና ካባይ ኣይትርሓቕ፣ ንስኻ ሓይለይ ኢኻ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍንነፍሰይ ካብ ሴፍ፣ ነታ ቐንደይ ከኣ ካብ ኢድ ኣኽላባት ኣናግፋ። ካብ ኣፍ ኣንበሳ ኣድሕነኒ፣ ካብ ቀርኒ ጐባይ ሰማዕካኒስምካ ነሕዋተይ ከዘንትወሎም፣ ኣብ ማእከል ማሕበር ከመስግነካ እየ። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሁኣመስግንዎ። ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ ዘበልኩም፣ ወድስዎዘርኢ እስራኤል ኵሉኹምውን፣ ፍርህዎንጸበባ እቲ ጥቑዕ ኣይነዐቖንኣየዋረዶን እዩ እሞ፣ ናብኡ ምስ ኣእወየስሰምዖ እምበር፣ ንገጹ ኻብኡ ኣይከወሎን። እቲ ኣብ ዓብዪ ማሕበር ዘሎኒ ናእዳይ ካባኻ እዩ። ኣብ ቅድሚ ዚፈርህዎ መብጽዓይ ክፍጽም እየ። ትሑታት ኪበልዑን ኪጸግቡንንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ኺውድስዎ እዮም፣ ልብኹም ንዘለአለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ወሰን ምድሪ ዅሎም ንእግዚኣብሄር ኪዝክርዎን ኪምለስዎን፣ ብዘለዉ ነገድ ኣህዛብውን ኣብ ቅድሜኻ ኪሰግዱ እዮም። መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ እሞ፣ ንሱውን ኣብ ኣህዛብ ኪጕይተት እዩ። ናይ ምድሪ ስቡሓት ዘበሉ ኺበልዑን ኪሰግዱን፣ እቶም ናብ መሬት ዚወርዱ ዅላቶም እሞ ብህይወት ኪነብሩ ዘይኽእሉ ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግዱ እዮም። ዘርኢ ኺግዝኣሉ፣ ንዚመጽእ ወለዶ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኬዘንትውሉ እዮም። ንሱ ኸም ዝገበሮ፣ ነቲ ዚውለድ ህዝቢ መጺኦም ጽድቁ ኺነግርዎ እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 27:35 | 2 Helpful votes

ምስ ሰቐልዎ ኸኣ፡ ዕጭ ኣውዲቖምክዳውንቱ ተማቐሉ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 3:15 | 2 Helpful votes

ነቲ ራእሲ ህይወት ቀተልኩምዎ። ንእኡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ኣተንስኦንሕና ኸኣ፡ ነዚ ምስክሩ ኢና።

Translation | Context
ኢሳይያስ 53:9 | 2 Helpful votes

እከይ ዘይገበረሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፡ መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኰነ።

Translation | Context