Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

the daniel fast


ዳንኤል 10:3 | 13 Helpful votes

እተን ሰለሰተ ሰሙን ክሳዕ ዞፍጸማጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩንስጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእቶኹም፣ ዘይቲውን ኣይተለኼኹን

Translation | Context
ዳንኤል 1:8-14 | 11 Helpful votes

ዳንኤል ግና፣ በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስብልቡ ሐለነ፣ ብግዲ ኸይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖኣምላኽ ከኣ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞገስ ምሕረትን ሀቦ። እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ንዳንኤል፣ ኣነ ነቲ መብልዕኩምን መስቴኹምን ዘዳረገኩም ጐይታይ ንጉስ እፈርሆ አሎኹ። ንገጽኩምሲ ኻብ ናይቶም መሳቱኹም መንእሰያት ዐቢሩ እንተ ረኸቦ፣ ሽዑ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕጽዕዋ እፈርህ አሎኹ፣ በሎ። ሽዑ ዳንኤል ነቲ፣ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝሸሞ መጋቢ፣ ጥረ እንበልዖ ማይ ከኣ እንሰትዮ ሂብካዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና። ደሓር ገጽናን ገጽ እቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ኣብ ቅድሜኻ ይርኤ፣ ሽዑ ንባሮትካ ኸምቲ ዝርኤኻዮ ግበረና፣ በሎ። ንሱ ድማ ነዚ ነገርዚ ሕራይ ኢሉ፣ ዓሰርተ መዓልቲ ተዐዘቦም

Translation | Context
ማቴዎስ 6:16-18 | 9 Helpful votes

ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛትጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤርእስኻ ተለኸገጽካ ውን ተሐጸብእቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።

Translation | Context
ዳንኤል 10:1-21 | 6 Helpful votes

ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ ነቲ ቤልሻጽር እተሰምየ ዳንኤል ነገር ተገልጸሉ፣ እቲ ነገር ከኣ ሓቂ እዩ፣ ስለ ዓብዪ መከራ ድማ እዩ። ንሱ ነቲ ነገር ኣቕለበሉ፣ ነቲ ራእይውን ኣስተውዐሉ። በቲ ጊዜ እቲ ነቲ ዳንኤል ሰለሰተ ሰሙን ምሉእ ሐዚነ ነበርኩ። እተን ሰለሰተ ሰሙን ክሳዕ ዞፍጸማጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩንስጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእቶኹም፣ ዘይቲውን ኣይተለኼኹን። ኣብታ መጀመርያ ወርሒ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ኣብ ወሰን እቲ ዓብዪ ርባ ሂዲውቄል ነበርኩ። ኣዒንተይ ቈላሕ ኣበልኩ እሞ ርኤኹ፣ እንሆ ኸኣ፣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ኣብ ሕቝኡ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኡፋዝ እተቐነተ ሰብኣይ ነበረ። ስጋኡ ኸም በሪሎስገጹ ኸም ትርኢት መብረቕኣዒንቱ ኸም ዚነድድ ፋናቀላጽሙን ኣእጋሩን ክርም ርሱን ኣስራዚድምጺ ቓላቱ ድማ ከም ድምዚ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ። ነቲ ራእይ ኣነ ዳንኤል በይነይ እየ ዘርኤክዎ፣ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ራእይ ኣይረአይዎንኅ ዓብዪ ስምባድ ግና ወደቖምኪሕብኡ ኸኣ ሀደሙ። ሽዑ በይነት ተረፍኩ፣ ነዚ ዓብዪ ራእይ እዚ ኸኣ ርኤኹሓይሊ ኣይተረፈንንሕብሪ ገጸይ ክሳዕ ዚበላሾ ተለወጠኒሓይሊውን ኣይተረፈንንድምጺ ቓላቱ ሰማዕኩ፣ ድምጺ ቓላቱ ምስ ሰማዕኩ ኸኣ፣ ውኖይ ጠፊኡኒ፣ ብገጸይ ናብ ምድሪ በወደቕኩ። እንሆ ኸኣ፣ ኢድ ተንከየትኒበብራኸይን ብግናዕ ኣእዳወይን ከኣ ኣተንስኣትኒ። ንሱውን፣ ኣታ ዳንኤል፣ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ፣ ኣነ ሕጂ ናባኻ ተላኢኸ እየ እሞ፣ ነቲ ዝነግረካ ቓላት ኣስተውዕሎቀጥ ኢልካ ድማ ደው በል፣ በለኒ። እዚ ቓል እዚ ምስ ተዛረበኒእናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ። በለኒ ድማ፣ ዳንኤለየ፣ ካብታ ልብኻ ናብ ምስትውዓል ዘቕናዕካላ ርእስኻውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካ ዘትሓትካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረን ቃላትካ ተሰሚዔን እየን እሞ፣ ኣይትሸበር፣ ምእንቲ እዘን ቃላትካ ኸኣ መጺኤ እኔኹ። እቲ መስፍን መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸኣ፣ ሚካኤል፣ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደንምሕጋዘይ መጸ፣ ኣነውን ኣብኡ ምስቶም ነገስታት ፋርስ ተረፍኩ። እዚ ራእይ ንዳሕራይ ዘመን ዚኸውን እዩ እሞ፣ ኣነ ንህዝብኻ ኣብ መወዳእታ ዘመን ዚበጽሖም ከፍልጠካ መጺኤ እኔኹ። እዚ ቓላት እዚ ምስ ተገረኒገጸይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ ዓባስውን ኰንኩ። እንሆ ኸኣ፣ ወዲ ሰብ ዚመስል ከናፍረይ ተንከየኒ፣ ሽዑ ኣፈይ ከፈተ ተዛረብኩ፣ ነቲ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ ዝነበረ ድማ፣ ጐይታየ፣ በቲ ዝርኤኽዎ ራእይሲ ሕማመት ደጊሱኒ፣ ሓይሊ ኣይተረፈንን። ኣነስ ገለ ሓይሊ ኣይተረፈንንምስትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፣ ባርያ እዚ ጐይታይሲ ከመይ ኢሉ ምስ እዚ ጐይታይ ዚዛረብ ይከኣሎ፡ በልክዎ። ሽዑ እቲ ሰብ ዚመስል ከም ብሓድሽ ተንከየኒ ኣበርትዓኒውን። ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ኣዚኻ እተፈቶካ ሰብኣይትሸበርሰላም ንኣኻ ይኹን፣ በርትዕ፣ ኤረ በርትዕበለ። ምስ ተዛረበኒበርታዕኩ፣ ኣነውን፣ ጐይታየኣበርቲዕካኒ ኢኻ እሞ፣ ተዛረብበልኩ። ንሱ ድማ በለ፣ ኣነ ስለምንታይ ኢለ ናባኻ ኸም ዝመጻእኩዶ ፈሊይካ አሎኻ፡ ሕጂ ኸኣ ምስ መስፍን ፋርስ ክዋጋእ ክምለስ እየ። ኣነ ኽወጽእ ከሎኹስ እንሆ፣ እቲ መስፍን ዮናኒ ኺመጽእ እዩ። ግናኸ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሓቂ እተጻሕፈ እነግረካ አሎኹ፡ ነዚኣቶም ንምቅዋም ብጀካ ሚካኤል፡ እቲ ምስፍንኩም፡ ሓደ እኳ ዚሕግዘኒ የብለይን።

Translation | Context
ዳንኤል 6:10-14 | 4 Helpful votes

ዳንኤል ድማ እዚ ሕጊ ኸም እተጻሕፈ ምስ ፈለጠ፣ ናብ ቤቱ ኸደ። እተን መሳዅቲ እታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ናብ የሩሳሌም ኣቢለን ተኸፊተን ነበራ እሞ ከምቲ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸጸለየን ኣመስገነን። ሽዑ እቶም ሰባት ተኣኻኸቡዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኺጽልን ኪምህለልን ከሎ ረኽብዎ። ሽዑ ቐሪቦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብዛዕባ እቲ ኽልክል ንጉስ፣ ዎ ንጉስ፣ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኤን፣ ናኻ እንተ ዘይኰነስ፣ ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ገለ ዝለመነ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ኪድርበ፣ ኢልካዶ ኽልክል ኣይኣወጅካንኢሎን ተዛረብዎ። እቲ ንጉስ ድማ፣ እዚ ነገር እዚ ኸምቲ ኺልወጥ ዘይከኣል ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኰይኑ ጸኒዑ እዩ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ እዚ ኻብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዝዀነ ዳንኤል ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ልማኖኡ ይልምን አሎ እምበር፣ ዎ ንጉስ፣ ንኣኻ ወይስ ነቲ ዝኣወጅካዮ ኽልክል ግዲ የብሉን፣ ኢሎም መለሱ። እቲ ንጉስ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዔኣዝዩ ጐሀየ፣ ምእንቲ ኼናግፎ ኸኣ ልቡ ናብ ዳንኤል ኣድሀበጸሓይ ክሳዕ እትዐርብውንኬድሕኖ ተጋደለ

Translation | Context
ማቴዎስ 4:4 | 4 Helpful votes

የሱስ ግናሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርንጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 4:7-11 | 3 Helpful votes

ግናኸ መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀልኹም። ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉዚነግር እንተ ዀነ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገርዜገልግል እንተ ዀነውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኸብርንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ይዀኖ። ኣሜን

Translation | Context
እብራውያን 13:5-6 | 2 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡስለዚ ተቢዕናእግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:6-10 | 2 Helpful votes

ግናኸ ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፥ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስንሱ ይእከለና። እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራንኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ። እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ

Translation | Context
ዳንኤል 10:2 | 2 Helpful votes

በቲ ጊዜ እቲ ነቲ ዳንኤል ሰለሰተ ሰሙን ምሉእ ሐዚነ ነበርኩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:1-14 | 2 Helpful votes

ኣፍካ መሊእካ ጨድርኣይተቛርጽድምጽኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፡ ንህዝበይ ኣበሳኦምንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም። ኣብ ጸጽባሕ ይደልዩኒመገድታተይ ኪፈልጢ ድማ ይፈትው። ከምቲ ጽድቂ ዚገብርን፡ ሕጊ ኣምላኹ ዘይሐደገን ህዝብስ፡ ሕጊ ጽድቂ ኻባይ ይደልዩ፡ ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡውን ይፈትው። ስለምንታይ ደኣ ጾምና፡ ንስኻ ድማ ዘይርኤኻን፧ ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና፡ ንስኻውን ግዱ ዘይገበርካ፧ እንሆ፡ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፡ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም አሎኹም። እንሆ፡ ብባእስን ብምክርኻርን ብሕሱም ምውቃዕ ጒስጢትን ኢኹም እትጾሙድምጽኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዚስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘሎኹም። እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምን፡ እታ ሰብ ንነፍሱ ዜሕስኣላ መዓልትን ከምዚ ዘመሰለ ድዩ፧ ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንንክሻን ሓመዂስትን መንጸፍካ ምግባርን፡ ነዚ ዲኻ ጾምን እግዚኣብሄር ዚቕበሎ መዓልትን እትብሎ ዘሎኻ፧ እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧ እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋካውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን፧ ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ዀይኑ ኺወጽእምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊልጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽትጽውዕእግዚኣብሄር ከኣ ኪመልሰልካከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ ኪብል እዩ። ነርዑትንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሐቕካ፡ ካብ ናብ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካንጭንቕቲ ነፍሲ እንት ኣጽገብካ፡ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪወጽእጸልማትካውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ንዂሉ ጊዜ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኼጽግባነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ። ደቅኻ ነቲ ቐደም ዝዐነወ ኺነድቁ እዮም፡ ንመሰረት ብዙሓት ወለዶ ኸተቕውም ኢኻ። ነዳቕ ፍሩስን፡ መሳፍሮ ዚኸውን መገዲ መዓረይን ተብሂልካ ኽትስመ ኢኻ። ብሰንበት፡ በታ ቅድስቲ መዓልተይ ከም ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብርእግርኻ እንተ ዘሐጥካንሰንበት ከኣ ደስታ፡ ነታ ቅድስቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ድማ ክብርቲ ኢልካ እንተ ሰሜኻያ፡ እንተ ኣኽበርካየመገዲ ርእስኻ ድማ እንተ ዘይከድካ፡ ፍቓድ ርእስኻ እንተ ዘይገበርካ፡ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛረብካኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ኪብለካ እዩ፡ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደይበካርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዓካ እየ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:19-21 | 2 Helpful votes

ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍንምዝራብ ደንጓዪ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን። ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ

Translation | Context
እብራውያን 12:28-29 | 2 Helpful votes

ኣምላኽና ዚባላዕ ሓዊ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን።

Translation | Context