Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።
Translation | Contextስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን።
Translation | Contextስለዚ ካብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረክቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።
Translation | Contextስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።
Translation | Contextብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፣ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፣ ኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙ፣ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም። በተን መዓልታት እቲኤንሲ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክዅዑ እየ። ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት፣ ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን፣ ከርኢ እየ። እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት፣ ጸሓይ ኣብ ጸልማት፣ ወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ። ኪኸውን ከኣ እዩ፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፣ ኣብ ከርን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ኣብቶም እግዚኣብሄር ዚጽውዖም ተረፍን ምድሓን ኪኸውን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ።
Translation | Contextስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።
Translation | Contextመዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ። ደጊም እዚ ዅሉ ዘፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማያት ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና።
Translation | Contextኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ፡ ኪብሉ እዮም። ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረ፡ ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና፡ ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ አለዉ። እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ፡ በቲ ማይ፡ ተሰጢማ ጠፍኤት። እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቝሩ አሎ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ።
Translation | Contextኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን፡ ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextእቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ።
Translation | Contextእቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።
Translation | Contextሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።
Translation | Contextከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ።
Translation | Contextቅድም ክሕደት ከይኰነ፡ እቲ ርእሱ ኣምላኽ ምዃኑ እናኣርኣየ፡ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዚቕመጥ፡ ኣምላኽን ቅዱስን ኣብ ዚብሃል ዘበለ ዚትንስእን ዚዕበን ሰብኣይ ዓመጻ፡ እቲ ወዲ ጥፍኣት፡ ከይተገለጸ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣይትመጽእን እያ እሞ፡ ብዝኰነ እንተ ዀነ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም።
Translation | Contextእታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፋሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዩም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ።
Translation | Contextምድሓን ካብቲ ዝአመንናሉ ጊዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ አሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ።
Translation | Contextየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ አሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡ። የሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃህቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘለዉ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይሌኤን። ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን። ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመንዎ። ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። እንሆ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኹም። እንሆ፡ ኣብ በረኻ አሎ፡ እንተ በሉኹም፡ ኣይትውጽኡ። እንሆ ኣብ ቤት አሎ እንተበሉኹምውን ኣይትእመኑ። በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም። ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። ንመላእኽቱ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም። ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ። እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፡ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ። ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። ግናኸ ፍለጡ፡ በዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ፡ ጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን። ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈላጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ፡ ዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ፡ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ መጸ፣ ኣነ ብጽዮም ዓብዪ ቕንኢ ቐኒኤ አሎኹ፣ ብዓብዪ ቝጥዓውን ቀኒኤላ አሎኹ፣ ይብል እዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ኣነ ናብ ጽዮን፣ ክምለስ ኣብ ማእከል የሩሳሌም ከኣ ክነብር እየ። የሩሳኬም ድማ ከተማ ሓቂ ኽትስመ፣ እቲ ኸረን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ቅዱስ ከረን ክስመ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር። ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣረገውቲ ኣንስትን ገና ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪቕመጡ እዮም፣ ዕድሚኦም ስለ ዝነውሐ ኸኣ፣ ነፍሲ ወከፎም መምርኩሱ ኣብ ኢዱ ኺሕዝ እዩ። ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ በቶም ኣብተን ኣደባባያታ ዚስሕቑ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልኣ እየን፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ በተን መዓልትታት እቲኣተን ነዒንቲ ተረፍ እዚ ህዝቢ እዚ ዜደንቕ እንተ ዀነስ፣ ነዒንተይዶ ዜደንቕ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
Translation | Context