Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

the five senses


መዝሙር 34:8 | 17 Helpful votes

እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን፣ ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:1-4 | 14 Helpful votes

እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮእቲ በዒንትና ዝርኤናዮእቲ ዝጠመትናዮኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወትህይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞንምስክር ንነግረኩምውን አሎና፡ ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኺህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንኣኻትኩም ንነግሮ አሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ። ሓጐስና ምእንቲ ኺምላእ ኢልና፡ እዚ ንጽሕፈልኩም አሎና።

Translation | Context
ምሳሌ 20:12 | 9 Helpful votes

ነታ ሰማዒት እዝንን፡ ነታ ረኣዪት ዓይንንሲንኽልቲኤን እግዚኣብሄር እዩ ዝገበረን

Translation | Context
ማቴዎስ 5:13 | 8 Helpful votes

ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም። ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸብምንታይ ይምቅርብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን።

Translation | Context
መዝሙር 115:3-8 | 6 Helpful votes

ኣምላኽናስ ኣብ ሰማያት አሎ፣ ዝደለዮ ዅሉ ይገብር እዩ። ጣኦታቶም ኢድ ሰብ ዝገበሮም ብሩርን ወርቅን እዩ። ኣፍ አለዎም፣ ኣይዛረቡንኣዒንቲ አለዎም፣ ኣይርእዩንእዝኒ አለዎም፣ ኣይሰምዑንኣፍንጫ አለዎም፣ ኣየጨንዉንኢድ አለዎም፣ ኣይድህስሱንእግሪ አለዎም፣ ኣይከዱንብጐረሮኦም ድማ ገለ እኳ ኣየድምጹን። እቶም ዚገብርዎምን ኣብኦም ዚውከሉን፣ ኵሎም ከምኣቶም ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 94:9 | 4 Helpful votes

እዝኒ ዝተኸለስ ኣይሰምዕንዶዓይኒ ዝፈጠረስ ኣይርእይንዶ እዩ፧

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:18 | 4 Helpful votes

ሕጂ ግና ኣምላኽ፡ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፉ ኣብቲ ስጋ ሰርዖ

Translation | Context
ማቴዎስ 8:3 | 4 Helpful votes

ኢዱ ዘርጊሑ፡ ፈትየ አሎኹ ንጻህኢሉ ተንከዮብኡብኡ ኻብ ለምጹ ነጽሄ

Translation | Context
ማቴዎስ 24:1-51 | 3 Helpful votes

የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ አሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎምእዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡየሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃህቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘለዉ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይሌኤን። ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን። ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩምኣይትእመንዎ። ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። እንሆኣቐዲመ ነገርኩኹምእንሆ፡ ኣብ በረኻ አሎ፡ እንተ በሉኹምኣይትውጽኡ። እንሆ ኣብ ቤት አሎ እንተበሉኹምውን ኣይትእመኑበርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም። ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምትወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። ንመላእኽቱ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም። ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩጨነፍራ ምስ ለምለመቈጽላውን ምስ ጠጥዔክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡእዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑመላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡንምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፡ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ። ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። ግናኸ ፍለጡበዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትንጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈላጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። ኣብ ክልተ ኺጭንድሖዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 13:16 | 3 Helpful votes

ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑ ውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያኣእዛንኩም ውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን።

Translation | Context
ማቴዎስ 11:15 | 3 Helpful votes

እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ

Translation | Context
ሮሜ 10:13 | 3 Helpful votes

ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 66:8 | 3 Helpful votes

ከምዚ ዘመሰለ መን ሰምዔ፧ ከምዚ ዝበለኸ መን ረአየሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ጽዒራ ትወልድ እያ፧ ህዝቢዶኸ ብሓንቲ ጊዜ ይውለድ እዩ፧ ጽዮን ግና ቅልውላው ምስ ሓዛ፡ ብኡብኡ ደቃ ወለደት

Translation | Context
ዮናስ 2:1-2 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንዮናስ ዚውሕጥ ዓብዪ ዓሳ ኣዳለወ። ዮናስ ከኣ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልቲን ሰለስተ ለይትን ገበረ። ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ዀይኑ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:14-15 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 119:105 | 2 Helpful votes

ቃልካ ንእግረይ መብራህቲንመገደይ ብርሃን እዩ።

Translation | Context