Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

the immortal soul


መክብብ 12:7 | 6 Helpful votes

መሬት ድማ፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ናብ ምድሪ ኸይተመልሰመንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክሮ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:53 | 6 Helpful votes

ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 5:28-29 | 6 Helpful votes

ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበረ ናብ ትንሳኤ ህይወትእኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:4 | 6 Helpful votes

እንሆ፣ ኵለን ነፍሳት ናተይ እየን፣ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ ኸምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።

Translation | Context
ሮሜ 6:23 | 5 Helpful votes

ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩምንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎመወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:7 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ

Translation | Context
መዝሙር 146:4 | 4 Helpful votes

ትንፋሱ ይወጽእ፣ ናብ መሬት ይምለስ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ

Translation | Context
ማቴዎስ 10:28 | 4 Helpful votes

ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም ኣይትፍርህዎም።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:13 | 4 Helpful votes

ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:16 | 3 Helpful votes

ንሱ በይኑ ዘይመውትሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ኺርእዮውን ዘይኽእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብርንእኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ስልጣንን ይኹን። ኣሜን

Translation | Context
ሮሜ 2:7 | 3 Helpful votes

ማለት፡ ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዐጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዚደልዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 5:1 | 3 Helpful votes

እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:51-58 | 3 Helpful votes

እንሆምስጢር እነግረኩም አሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢናብሓንሳእብቕጽበት ዓይኒበቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮምንሕናውን ክንልወጥ ኢና። ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ። እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓወት ተዋሕጠዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩዎ ሞትኣበይ አሎ ብልሕኻኣታ ሲኦልከኣበይ አሎ ዓወትካብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩምብዕዮ ጐይታ ጽኑዓትዘይትናቓነቑኲሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ

Translation | Context
መክብብ 3:19-20 | 3 Helpful votes

ብጽሒት ደቂ ሰብሲ ኸምቲ ናይ እንስሳ እዩ እሞ፡ ሓደ እዩ ብጽሒቶም፡ ከምቲ እዚኣቶም ዚሞቱ እቲእቶም ከኣ ይሞቱ፡ ንኹሎም ሓንቲ እስትንፋስ አላቶም። ኵሉ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ሰብሲ ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን። ኲሎም ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ፡ ኲሎም ካብ መሬት ኰኑ፡ ኲሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ።

Translation | Context
እዮብ 14:12 | 2 Helpful votes

ሰብ ከኣ ከምኡ ደቂሱ ኣይትንስእንሰማያት ክሳዕ ዚሐልፍ ከቶ ኣይነቅሕን፡ ካብ ድቃስ ኣይበራበርን

Translation | Context
ራእይ 20:14 | 2 Helpful votes

ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:20 | 2 Helpful votes

እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውትውሉድ ኣበሳ ወላዲኡ ኣይኪጸውርን፡ ወላዲ ኣበሳ ውሉዱ ኣይክጸውርን እዩ። ጽድቂ እቲ ጻድቕ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context