Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all7 bible verses about
መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextመኽፈቻ ቤት ዳዊት ድማ ኣብ መንኲቡ ኸንብር እየ፡ ንሱ ይኸፍት፡ ሓደ ዚዐጹ ኸኣ የልቦን፡ ንሱ ይዐጹ፡ ሓደ ዚኸፍት ድማ የልቦን።
Translation | Contextኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextንሱ ናብ ሰማይ ዐሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ አሎ፡ ንእኡ መላእኽቲ ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ አለዉ።
Translation | Contextበታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ንባርያይ ኤልያቂም ወዲ ህልቅያ ኽጽውዖ እየ፡ ቀሚስካ ኸልብሶ፡ ማዕጥቖኻ ኸዕጥቖ፡ ስልጣንካ ናብ ኢዱ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፡ ንሱውን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ንቤት ይሁዳን ኣቦ ኪኸውን እዩ። መኽፈቻ ቤት ዳዊት ድማ ኣብ መንኲቡ ኸንብር እየ፡ ንሱ ይኸፍት፡ ሓደ ዚዐጹ ኸኣ የልቦን፡ ንሱ ይዐጹ፡ ሓደ ዚኸፍት ድማ የልቦን። ከም ሽንካር ኣብ ድልዱል ስፍራ ኽተኽሎ እየ፡ ንቤት ኣቦኡውን ዝፋን ክብሪ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextንሳቶም ከኣ፡ ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓትሙውን ክትፈሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ።
Translation | Contextኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን።
Translation | Context