Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

the last supper


ማርቆስ 14:18-26 | 22 Helpful votes

ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስሓደ ኻባካትኩም፡ እቲ ምሳይ ዚበልዕኬትሕዘኒ እዩ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በለ። ኪጕህዩ ጀመሩበብሓደ ኸኣ፡ ኣነ ደዀን እኸውንበሉ። ንሱ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ እዩ። ወዲ ሰብሲከምቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈይኸይድእቲወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድምሔሾ ነይሩኪበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉባሪኹ ቘረሰንኣታቶም ከኣ፥ ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ኢሉ ሀቦምጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ሀቦምኵሎምውን ካብኡ ሰተዩ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ። ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብ ፍረ ኦም ወይኒ ኣይክሰትን እየ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ኸኣ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:23-25 | 14 Helpful votes

ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎበለከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ

Translation | Context
ሉቃስ 22:19-22 | 11 Helpful votes

እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎኢሉ ሃቦምከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፥ እዛ ጽዋዕ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ። ግናኸ ኢድ እቲ ዜትሕዘኒ ኣብ መኣዲ ምሳይ እንሃወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተመደበሉ ይኸይድ እዩ፡ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ፡ በለ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 6 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ማርቆስ 14:22 | 4 Helpful votes

ኪበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉባሪኹ ቘረሰንኣታቶም ከኣ፥ ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ኢሉ ሀቦም

Translation | Context
ማቴዎስ 26:26 | 4 Helpful votes

ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዐለባሪኹ ቘሪሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱብልዑበሎም

Translation | Context
ሉቃስ 22:21 | 3 Helpful votes

ግናኸ ኢድ እቲ ዜትሕዘኒ ኣብ መኣዲ ምሳይ እንሃ

Translation | Context
ዮሃንስ 6:53-58 | 3 Helpful votes

የሱስ በሎምስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩምደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ ህይወት ከም ዜብልኩምብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብርኣነውን ኣብኡህያው ኣቦ ኸም ዝለአኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነንነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 22:17 | 3 Helpful votes

ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ፥ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ እትመጽእ፡ ካብዚ ፍረ ኦም ወይኒ ኸም ዘይሰቲ እብለኩም አሎኹ እሞ፡ ውሰዱ፡ እዚ ንሓድሕድኩም ተማቐልዎበለ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 5:7 | 3 Helpful votes

ገንሸል ፋስጋናማለት ክርስቶስተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም፡ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣጽሪኹም ኣውጽእዎ

Translation | Context
ማርቆስ 14:24 | 3 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:1-4 | 2 Helpful votes

ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግናኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪየጽርዮንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃልድሮ ንጹሃት ኢኹምኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩምጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩምከምኡ ኢኹም

Translation | Context
ሉቃስ 21:33 | 2 Helpful votes

ሰማይን ምድርን ኪሐልፍቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16-17 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራኣምላኽ ንወዱዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን

Translation | Context
ሉቃስ 22:15 | 2 Helpful votes

ንሱ ድማ፥ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸምደጊም ካብዚ ኸም ዘይበልዕእብለኩም አሎኹ እሞ፡ ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ፡ ብዙሕ ሃረር ኢለ አሎኹ፡ በሎም

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:13 | 2 Helpful votes

ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ናብታ ደርቢ ደየቡጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን እንድርያስን ፊልጶስን ቶማስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ስምኦን ቀናእን ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ብሓንሳእ ይነብሩ ነበሩ።

Translation | Context