Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

the mustard seed


ማቴዎስ 17:20 | 27 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጎደለትብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስዚሰኣነኩም ውን የልቦን

Translation | Context
ማቴዎስ 13:31-32 | 16 Helpful votes

ካልእ ምስላ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያትሰብ ወሲዱ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። ንሳ ኸኣ ካብ ኵሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘሎት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺኤን ኣብ ጨንፈራ ኽሳዕ ዚዐርፉ፡ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዐቢ ኦም ትኸውን

Translation | Context
ማርቆስ 4:30-32 | 12 Helpful votes

በለ ድማ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክንምስላወይስ እንታይ ምስላኡ ኽንገብረላ ኢና፧ ኣብ ምድሪ ኸም እተዘርኤት እሞ ካብ ኵሉ ዘርኢ እትንእስ ፍረ ኣድሪ እያ። ምስ ተዘርኤት ከኣ፡ ትበቍል፡ ካብ ኵሉ ኣሕምልቲውን ትዓቢኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጽላላ ምስራሕ እንዳኤን ክሳዕ ዚኽእላ ኸኣ፡ ዓበይቲ ጨነፍር ትገብር

Translation | Context
ሉቃስ 13:19 | 7 Helpful votes

ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስልበቘለት ዓባይ ኦምውን ኰነት፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ኣብ ጨናፍራ ቤተን ሰርሓ

Translation | Context
ማቴዎስ 13:32 | 5 Helpful votes

ንሳ ኸኣ ካብ ኵሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘሎት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺኤን ኣብ ጨንፈራ ኽሳዕ ዚዐርፉ፡ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዐቢ ኦም ትኸውን

Translation | Context
ሉቃስ 17:6 | 5 Helpful votes

ጐይታ ኸኣ፥ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲነዚ ሳግላተመንቍስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸልምበልኩምዎ እሞ ምተኣዘዘኩም ነይሩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 14:22-33 | 4 Helpful votes

ሽዑ ንሱ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኺኣትዉ እሞ፡ ነቶም ሰብ ክሳዕ ዜሳናብቶም፡ ናብ ማዕዶ ኪቕድምዎብግዲ በሎም። ነቶም ሰብ ኣሳናቢቱኪጽሊ ናብ ብሕት ዝበለ ኸረን ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ኸኣ፡ ኣብኡ በይኑ ነበረ። እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሔት ግና፡ ንፋስ ብቕድሚኣ ነበረ እሞ፡ ብማዕበል ትጭነቕ ነበረት። የሱስ ባሕረ ባሕሪ እናኸደብራብዓይ ምቃል ለይቲ መጾም። እቶም ደቀ መዛሙርቲባሕረ ባሕሪ ኪኸይድ ምስ ረአይዎምትሃት እዩ፡ ኢሎም ሰምበዱፈሪሆም ከኣ ጨርሑ። ግናኸ የሱስ ብኡብኡ፡ ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ ኢሉ ተዛረቦምጴጥሮስ መሊሱጐይታይ፡ ንስኻ እንተ ዄንካስብማየ ማይ ናባኻ ኸመጽእ አዝዘኒበሎ። ንሱ ኸኣ፡ ንዓ፡ በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱብማየ ማይ እናኸደ፡ ናብ የሱስ መጸብርቱዕ ንፋስ ምስ ረአየ ግና፡ ፈርሄኪጥሕል ምስ ጀመረ ድማ፡ ጐይታይኣድሕነኒኢሉ ኣእወየሽዑ የሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ሐዞ እሞ፡ ኣታ ጕዱል እምነትስለምንታይከ ተዋላወልካበሎ። ናብ ጃልባ ምስ ኣተወ፡ እቲ ንፋስ ዝግ በለ። እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸኣንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉ ሰገዱሉ

Translation | Context
ማቴዎስ 13:31 | 4 Helpful votes

ካልእ ምስላ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያትሰብ ወሲዱ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 4 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄርጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮእከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካንስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒከናግፎንስመይ ስለ ዝፈለጦከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
ሉቃስ 13:18-19 | 3 Helpful votes

ድሕርዚ በለመንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ትመስልብምንታይሲ ኽምስላ እየ፧ ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስልበቘለት ዓባይ ኦምውን ኰነት፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ኣብ ጨናፍራ ቤተን ሰርሓ

Translation | Context
መዝሙር 23:1-6 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒበርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 3:3-8 | 3 Helpful votes

በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ሰንከልከል ከይብልነዚ ኸም እተመደብና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም እሞ፡ ንጢሞቴዎስ ሓውናን ብወንጌል ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋልን፡ ንሱ ኼጽንዓኩም ብዛዕባ እምነትኩምውን ኬህድኣኩም ለኣኽናዮእምበኣርከ ምሳኻትኩም ከሎናጸበባ ኸም ዚመጻናስቅድም ነጊርናኩምከምቲ እትፈልጥዎውንከምኡ ዀነስለዚ ኣነ ድማ ካብኡ ንነጀው ክዕገስ ምኽኣል ምስ ሰኣንኩ፡ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይህሉ እሞ እቲ ጻዕርና ኸንቱ ኸይኸውን ኢለ፡ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ እየ ዝለኣኽክዎሕጂ ግና ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባና መጺኡከምቲ ንሕና እንናፍቐኩም ዘሎና፡ ክትርእዩና እናናፈቕኩም ኵሉ ሳዕ ብጽቡቕ ከም እትዝክሩናብናይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን ምስ ኣበሰረና፡ ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ሳላ እምነትኩም ኣብ ኵሉ ጸበባናን መከራናን ብዛዕባኹም ተጸናናዕናብጐይታ እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ንሕና ደጊም ብህይወት ንነብር አሎና።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:1-31 | 3 Helpful votes

ልብኹም ኣይሸበርብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹምኩምኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስተመሊሰ ኽምጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገድውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ቶማስ ከኣ፡ ጐይታይናበይ ከም እትከይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦበሎየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ንኣይ እንተ ትፈልጡንስንቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን አሎኹም፡ በሎ። ፊልጶስ ከኣ፥ ጐይታይነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለናበሎየሱስ በሎፊልጶስእዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኽትኩም ክነብር ከሎኹስኣይትፈልጠንን ዲኻ፡ እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፥ ነቦ ኣርእየናትብል አሎኻ፧ ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበርእዚ ንኣካትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ። ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒእንተ ዘይኰነስስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብርካብኡ ዚዓብውን ከም ዚገብርብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩምክገብረልኩም እየ። እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ፡ ነቲ መንፈስ ሓቂዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦ ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስካትኩም ግናምሳኻትኩም ይሐድር ኣባኻትኩምውን ኪነብር እዩ እሞትፈልጥዎ ኢኹም። ኣነ ዘኽታማት ኴንኩም ኣይሐድገኩምንናባኻትኩም ክመጽእ እየ። ቅሩብ ጊዜ ዓለም ደጊም ኣይክ ትርእየንን እያ፡ ንስኻትኩም ግና ክትርእዩኒ ኢኹም። ኣነ ህያው እየ እሞ፡ ንስካትኩምውን ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይንስኻትኩም ከኣ ኣባይኣነውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም። እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። እቲ ዘይ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ድማጐይታይእቲ ርእስኻንዓለም ዘይኰነንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩበሎየሱስ ከኣዜፍቅረኒ እንተሎቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና። እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ቃል ከኣ ናብቲ ዝለአኸኒ ኣቦ እዩ እምበርናተይ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሉ። ምሳኻትኩም ከሎኹእዚ ነገርኩኹምእቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒመንፈስ ቅዱስንሱ ዅሉ ኺምህረኩምዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ። ሰላም እሐድገልኩምሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነንልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድንኣነ ክኸይድ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም አሎኹምካባይ ኣቦይ ይዐቢ እዩ እሞእተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሐጐስኩም ኔርኩም። ሕጂ ድማምስ ኰነ ምእንቲ ኽትኣምኑስከይኰነ ነጊረኩም አሎኹ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ አሎ እሞኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉንደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ። ግናኸ ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮንከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒውን ከም ዝገብርንዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምዚ ይኸውን አሎ። ተንስኡ ኻብዚ ንኺድ

Translation | Context
ማቴዎስ 13:1-58 | 3 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ የሱስ ካብ ቤት ወጺኡ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተአከበ፡ ናብ ጃልባ ኣትይ ኽሳዕ ዚቕመጥ ከኣ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ። ብምስላታት ድማ ብዙሕ ነገሮም፡ ከምዚ እናበለእንሆዘራኢ ኺዘርእ ወፈረኪዘርእ ከሎ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐዓሚቝ ሓመድ ስለ ዜብሉ ድማ፡ ቀልጢፉ በቘለጸሓይ ምስ በረቐትሀጐጐሱር ስለ ዜብሉ ድማ ነቐጸገሊኡ ኣብ እሾኽ ወደቐ። እቲ እሾዂ ድማ ዐበየ ሐነቖውንገሊኡ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ድማ ሰላሳ ፈረየእትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦምስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረብ ዘሎኻ፧ በልዎመሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኽእትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። ንዘለዎ ይውሀቦ እዩ እሞ፡ ኣዝዩውን ይውስኾ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ እዮም። እናረአዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣይሰተውዕሉን እዮም እሞ ስለዚ ብምስላ እዛረቦም አሎኹ። ትንቢት ኢሳይያስ ኣባታቶም ይፍጸም፡ ከምዚ ዚብልበእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጕድ እዩ እሞ፡ ምስማዕሲ ትሰምዑ፡ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ፡ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም። ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑ ውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያኣእዛንኩም ውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን። እምበኣርሲ ንስኻትኩም ምስላ ዘራኢ ስምዑቃል መንግስቲ ሰሚዑስ ዘየስተውዕሎ ዅሉ፡ እቲ ኽፉእ ይመጽእ እሞ ነቲ ኣብ ልቡ እተዘርኤ ይምንጥሎ፡ እቲ ኣብ ጥቓ መገዲ እተዘርኤ እዚ እዩ። እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑ ብኡብኡ ብሓጐስ ዚቕበሎ እዩ። ንሽዑ ጥራይ እዩ እምበር፡ ሱር ግና የብሉን። ስለቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ኰነብኡብኡ ይዕንቀፍ። እቲ ኣብ እሾኽ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ዚሰምዖ እዩጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል ይሐንቆከይፈረየውን ይተርፍ። እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ እዩ፡ ንሱ ፍረ ይፈሪገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ሰላሳ ይእቶ። ካልእ ምስላ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል። እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢ መጸ፡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደቈጽሉ ምስ ፈርዔን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ። ነቲ ብዓል ቤት ግዙኣቱ መጺኦምጐይታይ፡ ኣብ ግራትካስ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮበሎም። እቶም ግዙኣቱ ድማ፡ ኬድና ኽንኣርዮዶ ትፈቱ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ በሎምኣይፋልኩምንክርዳድ ክትኣርዩ ኸሎኹምሲ፡ ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም። ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶቅድም ነቲ ኽርዳድእረይዎኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎክብሎም እየ። ካልእ ምስላ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያትሰብ ወሲዱ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። ንሳ ኸኣ ካብ ኵሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘሎት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺኤን ኣብ ጨንፈራ ኽሳዕ ዚዐርፉ፡ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዐቢ ኦም ትኸውንካልእ ምስላውን ነገሮምመንግስተ ሰማያትሰበይቲ ወሲዳኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ ትመስልየሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ እቲ ብነብዪኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነብረ እነግርተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኸፍጸም ኢሉእዚ ዅሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን። ሽዑ ነቲ ኣኼባ ሐዲጉ፡ ናብ ቤት ኣተወደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦምምስላ ኽርዳድ ናይታ ግራት ተርጕመልናበልዎመሊሱ በሎም፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእወዲ ሰብ እዩ። እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፡ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ ኽፉእ እዮም። እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፡ እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፡ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም። ክርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዚነድድብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዅሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም፡ ኣብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራት እተሐብኤ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሐብኦ መዝገብ ትመስልብታሕጓስ ከይዱስዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዐደጋ። ድማ መንግስተ ሰማያት ጽብቕቲ ዕንቍ ዚደሊ ነጋዳይ ትመስልሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምስ ረኸበከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ። ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ባሕሪ እተደርበየት እሞ ካብ ኵሉ ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል። ምስ መልኤት፡ ናብ ደንደስ ኣውጽእዋተቐሚጦም ድማ፡ ጸጽቡቑ ኣብ ኣቓሑኦም ኣከቡ፡ ነቲ ኸኽፉኡ ግና ንወጻኢ ደርበይዎብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ መላእኸቲ መጺኦም ነቶም ክፉኣት ካብ ማእከል ጻድቃን ኪፈልይዎም፡ ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ነዚ ዅሉስ ኣስተውዒልኩምዎዶ አሎኹም፧ ንሳቶም ድማ፡ እወ በልዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ስለዚ ንመንግስተ ሰማያት ኢሉ እተማህረ ዅሉ ጸሓፊ ኻብ መዝገብ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስልበሎም። ኰነ ድማ፡ የሱስ እዘን ምስላታት እዚኤን ምስ ወድኤካብኣ ነቐለ። ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብዚእዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፡ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነንኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትንኣሕዋቱስ ያእቆብዮሴፍስምኦንይሁዳ ደይኰኑን፧ ኣሓቱ ዅላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧ እዚ ዅሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ፧ ኢሎም ክሳዕ ዚግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀሮም። ብእኡ ኸኣ ተዐንቀፉየሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዐቕን እዩ፡ በሎም። ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።

Translation | Context
እብራውያን 11:1 | 2 Helpful votes

እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ

Translation | Context