Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

1 bible verses about

the prodigal son


ሉቃስ 15:11-32 | 15 Helpful votes

በለ ድማ፥ ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። እቲ ንእሽቶ ኸኣ ነቦኡኣቦይ፡ ካብዚ ጥሪት እቲ ዚበጽሓኒ ግደ ሃበኒበሎ። ነቲ ገንዘቡ ኸኣ መቐሎምድሕሪ ሒደት መዓልቲ ኸኣ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዅሉ ኣኪቡ፡ ናብ ካልእ ርሑቕ ሃገር ከደኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብቕለትን ዕብዳንን ዘረዎ። ዘለዎ ዘበለ ምስ ወድኤ፡ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። ንሱ ኸኣ ኪስእን ጀመረከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር እቲኣ ተዋዓዓለ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓሰማታት ኪጓሲ፡ ናብ ምድሩ ሰደዶ። ካብቲ ሓሰማታት ዚቕለባኦ ቛርፍ ከብዱ ኺመልእ ከኣ ሃረር ይብል ነበረ፡ ዚህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን። ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ በለእንጌራ ዚተርፎም ግዙኣት ኣቦይ ክንደይ እዮም። ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት አሎኹ። ተንሲኤ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፥ ኣቦይንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሕጢኣት ገበርኩ። ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ፡ ክብሎ። ተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዓሞ። እቲ ወዲ ድማ፥ ኣቦይንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ በሎኣቦኡ ግና ንባሮቱብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱንብላዕንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ። እቲ ዓብዪ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ። መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበኰበሮን ጓይላን ሰምዔ። ካብቶም ግዙኣት ንሓደ ጸዊዑእዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፥ እቲ ሓውካ መጺኡ እሞ ኣቦኻብደሓኑ ስለ ዝረኸቦስብሕቲ ላም ሐሪድሉበሎ። ንሱ ግና ኰረየ ምእታውውን ኣበየ። ኣቦኡ ኸኣ ወጺኡ ለመኖ። ንሱ ግና ነቦኡእንሆክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ፡ ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይሐለፍኩን። ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሃብካንን። እዚ ንገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኰይኑ በሊዑ ዝወድኤ ወድኻ ምስ መጸ ግና፡ ስብሕቲ ላም ሐረድካሉ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፥ ወደይ፡ ንስኻስ ኵሉ ሳዕ ምሳይ አሎኻ፡ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ። እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሐውዩጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግባኣና እዩ፡ በሎ።

Translation | Context