Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all4 bible verses about
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እቲ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝአዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ ሓንቲ ጕድለትን ኣበርን ዜብላ፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለላ ጣላ ላም ኬምጽኡልካ፡ ንደቂ እስራኤል ንገሮም። እዚኣ ንኻህን ኣልኣዛር ሀብዎ፡ ንሱ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ። ካህን ኣልኣዛር ከኣ ካብቲ ደማ በጻብዑ ይውሰድ፡ ብሸነኽ ቅድሚት ድንኳን ምርኻብ ካብ ደማ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ። ነታ ላም ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ የንድዳ፡ ቈርበታን ስጋኣን ደማን ምስናይ ፈርሳ ይንደድ። እቲ ኻህን ድማ ዕጨይቲ ጽሕድን ስምዕዛን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ይውሰድ፡ ናብ ማእከል እቲ ኣርሒ እትነደሉ ዘላ ሓዊ ይደርብዮ። እቲ ኻህን ከኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ስጋኡውን ብማይ ይተሐጸብ፡ ድሕርቲ ናብ ሰፈር ይእቶ። እቲ ኻህን ከኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። እቲ ዘንደዳ ድማ ክዳውንቱ ብማይ ይሕጸብ፡ ስጋኡውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹስ ይኹን። ነቲ ሓመዅስቲ እታ ኣርሒ ኸኣ ንጹህ ዝዀነ ሰብ ይኣክቦ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር ድማ ኣብ ጽሩይ ቦታ የንብሮ። እዚ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ንኣኼባ ደቂ እስራኤል ንዜንጽህ ማይ ኪኸውን ይተሐሎ። እቲ ሓመዅስቲ እታ ኣርሒ ዝአከበ ሰብ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። እዚ ንደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ንዝዀነ ዝሞተ ስጋ ሰብ ዝተንከየ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን። ንሱ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ይንጻህ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኪነጽህ እዩ። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ዘይነጽሄ ግና፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣይነጽህን እዩ። ናይ ዝሞተ ሰብ ምዉት ስጋ ዝተንከየ ዘበለ እሞ ዘይነጽሄ፡ ንማሕደር እግዚኣብሄር ኣርከሰ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ እስራኢል ትመንቈስ። እቲ ማይ ምንጻህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነጽጎ፡ ርኹስ እዩ፡ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ አሎ። ሰብ ኣብ ሓደ ድንኳን ምስ ዚመውት፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ናብቲ ድንኳን ዝአተወን ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ድንኳን ዘሎን ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን። ኲሉ ኽፉት፡ ኣብ ልዕሊእ እተኣስረ መኽደን ዜብሉ ኣቕሓ ርኹስ ይኹን። ኣብ መሮር ብሴፍ ንተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ዓጽሚ ሰብ ወይ መቓብር ዝተንከየ ዘበለ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን። ነቲ ዝረኸሰ ድማ ካብ ሓመዅስቲ እቲ ዝሐረረ መስዋእቲ ሓጢኣት ይውሰዱ፡ ኣብ ኣቕሓ ገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊኡ ህያው ማይ ይኽዐዉሉ። ሓደ ንጹህ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቓሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ነፍሳትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓጽሚ ወይ ነቲ እተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝተንከየን ይንጸግ። እቲ ንጹህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን በታ ሳብዐይቲ መዓልትን ይንጸገሉ፡ ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኬንጽሆ እዩ። ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ምሸት ድማ ኪነጽህ እዩ። ዝረኸሰ ሰብ ግና፡ ዘይነጽሄ ኸኣ፡ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ማእከል እታ ማሕበር ትመንቈስ። ማይ ምንጻህ ስለ ዘይተነጽጎውን፡ ርኹስ እዩ። እዚ ድማ ሕጊ ዘለኣለም ይኹነሎም። እቲ ማይ ምንጻህ ዝነጸገ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ እቲ ማይ ምንጻህ ዝተንከየ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። እቲ ርኹስ ዝተንከየ ዘበለ ኸኣ ርኹስ እዩ፡ ዝተንከየቶ ነፍሲ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኽስቲ ትኹን።
Translation | Contextስለዚ ደም ድቤላታትን ኣራውሕን ሓመዅስቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረከሱ ተነጺጉ ንምጽራይ ስጋ ዚቕደስ ካብ ኰነስ፡
Translation | Contextደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስካትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ።
Translation | Contextብዙሓት ኪጸርዩ፣ ኪጽዕድዉ ኪዅልዑውን እዮም፣ እቶም ረሲኣን ግና ረሲእነት ኪገብሩ እዮም። እቶም ጠቢባን እዮም ዜስተውዕልዎ እምበር፣ ካብቶም ረሲኣንሲ ሓደ እኳ ኣይኬስተውዕሎን እዩ።
Translation | Context