Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

the red moon


ግብሪ ሃዋርያት 2:20 | 12 Helpful votes

እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ ኸይመጸትጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም

Translation | Context
ራእይ 6:12-14 | 9 Helpful votes

ነቲ ሳድሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ርኤኹ እሞ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነጸሓይ ከም ወጮ ጸለመትወርሒውን ብዘላ ኸም ደም ኰነትኦም በለስብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ ኣበላ፡ ነቲ ዝጐዔ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፡ ከምኡ ኸኣ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ወደቑሰማይውን ከም ዚጥቕለል ክታብ ኣግለሰ። ብዘለዉ ኣኽራንን ደሴታትን ካብ ሰስፍራኦም ገዐዙ

Translation | Context
ዮኤል 2:31 | 9 Helpful votes

እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸትጸሓይ ኣብ ጸልማትወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ

Translation | Context
ማቴዎስ 24:29 | 5 Helpful votes

ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምትወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም።

Translation | Context
ሮሜ 10:9 | 3 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርንይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካክትድሕን ኢኻ።

Translation | Context
ራእይ 7:1-17 | 3 Helpful votes

ድሕርዚ ድማ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም፡ ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ኣብ ኦም ዘበለውን ንፋስ ከይነፍስ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ርኤኹማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘልዎ ኻልእ መልኣኽውን ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪወጽእ ከሎ ርኤኹ። ንሱ ኸኣ ነቶም ምድርን ባሕርን ኪጐድኡ እተዋህቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ ብብርቱዕ ድምጺ ጸውዖም እሞ፡ ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሐትሞምሲምድሪ፡ ወይስ ባሕሪ፡ ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡበለቍጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ፡ ካብ ብዘሎ ነገድ ደቂ እስራኤል ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ሕቱማት። ካብ ነገድ ይሁዳ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ጋድ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ኣሴር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ንፍታሌም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ምናሴ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ስምኦን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ሌዊ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙ፡ ካብ ነገድ ይሳኮር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ዛብሎን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ዮሴፍ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ብንያም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሐትሙድሕርዚ ድማ ርኤኹእንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ሰብጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖምጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡ ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ፡ እናበሉ ዓው ኢሎም ጨደሩ። እቶም መላእኽቲውን ኵላቶም ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቈሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ፍግም ኢሎም ከኣ፡ ኣሜንውዳሴን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ስልጣንን ሓይልን ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹንኣሜንእናበሉ ንኣምላኽ ሰገዱ። ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ እዞም ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑስ እንታዎት እዮምካበይከ መጹ፧ ኢሉ መለሰለይ። ኣነውን፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ትፈልጥበልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም፡ ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ፡ ስለዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም፡ ኣብታ መቕደሱውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ አለዉ። እቲ ኣብቲ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪተኽሎ እዩ። እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖምኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ እሞ፡ ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም፡ ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምን እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
ዮኤል 2:30 | 2 Helpful votes

ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራትደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክንከርኢ እየ።

Translation | Context
ራእይ 1:1-20 | 2 Helpful votes

እቲ ቐልጢፉ ኺኸውን ዘለዎንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ፡ ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርአዮ። ንሱ ንቓል ኣምላኽን ንምስክር የሱስ ክርስቶስንነቲ ዝረአዮ ዘበለ ዅሉ መስኪሩ አሎ። እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ፡ እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎንነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም። ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት፡ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን፡ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ እሙን ምስክርን በዅሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድሪ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ንእኡ፡ ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሐጸበናንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረናክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜንእንሆብደበና ይመጽእ አሎ፡ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም፡ ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ኪበኽዩሉ እዮምእወኣሜንኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኣነ ዮሃንስ ሓውኩምን ኣብቲ ኣብ የሱስ ዘሎ ጸበባን መንግስትን ትዕግስትን መማቕልትኹምን፡ ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሀል ደሴት ነበርኩ። ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ኰንኩብድሕረይ ከኣ፡ ነዚ እትርእዮ ዘሎኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፍካ፡ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ስሚርናን ጴርጋሞስን ትያቲራን ሳርዴስን ፊላደልፍያን ሎዲቅያን ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት ስደዶ፡ ዚብል ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ። ነቲ ዚዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ኽርኢ ኸኣ ግልጽ በልኩ። ግልጽ ምስ በልኩውን፡ ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ርኤኹ። ኣብ ማእከል እቶም ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ከኣ፡ ክሳዕ እግሩ እተኸድነ ብቕናት ወርቂውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዐጥቀ ወዲ ሰብ ዚመስል ርኤኹ። ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየንኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ፡ ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ። ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኣለውዎካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእትርኢቱውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ እዩ። ምስ ርኤኽዎ ድማ፡ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ። ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ፡ ከምዚ እናበለ፡ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞኣይትፍራህሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፡ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ አሎኒ። እምብኣርሲ ነቲ ዝርኤኻዮን ነዚ ዘሎን ነቲ ድሕርዚ ዚኸውንን ጽሐፎምስጢር እቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝርኤኻዮም ሾብዓተ ኸዋኽብትን ናይተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቅን፡ እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ እቲኣቶም መላእኽቲ እተን ሸብዓተ ማሕበራት እዮም፡ እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴልውን ሾብዓተ ማሕበራት እየን።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 4:16-18 | 2 Helpful votes

ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጻናንዑ

Translation | Context
ዮሃንስ 14:1-31 | 2 Helpful votes

ልብኹም ኣይሸበርብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹምኩምኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስተመሊሰ ኽምጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገድውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ቶማስ ከኣ፡ ጐይታይናበይ ከም እትከይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦበሎየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ንኣይ እንተ ትፈልጡንስንቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን አሎኹም፡ በሎ። ፊልጶስ ከኣ፥ ጐይታይነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለናበሎየሱስ በሎፊልጶስእዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኽትኩም ክነብር ከሎኹስኣይትፈልጠንን ዲኻ፡ እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፥ ነቦ ኣርእየናትብል አሎኻ፧ ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበርእዚ ንኣካትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ። ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒእንተ ዘይኰነስስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብርካብኡ ዚዓብውን ከም ዚገብርብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩምክገብረልኩም እየ። እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ፡ ነቲ መንፈስ ሓቂዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦ ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስካትኩም ግናምሳኻትኩም ይሐድር ኣባኻትኩምውን ኪነብር እዩ እሞትፈልጥዎ ኢኹም። ኣነ ዘኽታማት ኴንኩም ኣይሐድገኩምንናባኻትኩም ክመጽእ እየ። ቅሩብ ጊዜ ዓለም ደጊም ኣይክ ትርእየንን እያ፡ ንስኻትኩም ግና ክትርእዩኒ ኢኹም። ኣነ ህያው እየ እሞ፡ ንስካትኩምውን ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይንስኻትኩም ከኣ ኣባይኣነውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም። እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። እቲ ዘይ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ድማጐይታይእቲ ርእስኻንዓለም ዘይኰነንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩበሎየሱስ ከኣዜፍቅረኒ እንተሎቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና። እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ቃል ከኣ ናብቲ ዝለአኸኒ ኣቦ እዩ እምበርናተይ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሉ። ምሳኻትኩም ከሎኹእዚ ነገርኩኹምእቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒመንፈስ ቅዱስንሱ ዅሉ ኺምህረኩምዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ። ሰላም እሐድገልኩምሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነንልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድንኣነ ክኸይድ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም አሎኹምካባይ ኣቦይ ይዐቢ እዩ እሞእተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሐጐስኩም ኔርኩም። ሕጂ ድማምስ ኰነ ምእንቲ ኽትኣምኑስከይኰነ ነጊረኩም አሎኹ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ አሎ እሞኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉንደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ። ግናኸ ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮንከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒውን ከም ዝገብርንዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምዚ ይኸውን አሎ። ተንስኡ ኻብዚ ንኺድ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 2 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹምዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑንቕሑ

Translation | Context
ማርቆስ 13:32 | 2 Helpful votes

ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና ኣቦ ደኣ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወዲ ዀነ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:13 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ

Translation | Context
ማቴዎስ 24:14 | 2 Helpful votes

እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ራእይ 3:10 | 2 Helpful votes

ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሐሎኻዮኣነ ድማ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ

Translation | Context