Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

the sabbath day


ዘጸአት 20:8-11 | 7 Helpful votes

መዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክርሹድሽተ መዓልቲ ዕየተግባርካ ዅሉ ግበርእታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየእግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን

Translation | Context
ማርቆስ 2:27 | 7 Helpful votes

ሰንበት ደኣ እያ ምእንቲ ሰብ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብሲ ምእንቲ ሰንበት ኣይኰነን

Translation | Context
ዘሌዋውያን 23:3 | 5 Helpful votes

ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዐየ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ንቕዱስ ኣኼባ ዚጽውዑላ ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩላ፡ ንሳ ኣብ ኲሉ ትነብርዎ ሰንበት እግዚኣብሄር እያ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:3 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኵሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዓረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:13 | 4 Helpful votes

ብሰንበት፡ በታ ቅድስቲ መዓልተይ ከም ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብርእግርኻ እንተ ዘሐጥካንሰንበት ከኣ ደስታ፡ ነታ ቅድስቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ድማ ክብርቲ ኢልካ እንተ ሰሜኻያ፡ እንተ ኣኽበርካየመገዲ ርእስኻ ድማ እንተ ዘይከድካ፡ ፍቓድ ርእስኻ እንተ ዘይገበርካ፡ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛረብካ

Translation | Context
ህዝቅኤል 20:12-24 | 3 Helpful votes

ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ዚቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡስ፣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ትእምርቲ ምእንቲ ኪዀና ኢለ፣ ሰናብተይ ሀብክዎ። ግናኸ ቤት እስራኤል ኣብ በርካ ኸድዑኒ፣ ከም ትእዛዛተይ ኣይተመላለሱን። ነቲ፣ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዚነብረሉፍርደይ ከኣ ኣበይዎንሰናብተይውን ኣዝዮም ኣርከስዎ። ሽዑ ኣብቲ በረኻ ኸጥፍኦምሲነድረይ ደኣ ክኽዕወሎም በልኩ። ግናኸ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኦም ዘውጻእክዎም ህዝብታት ከይትሐስር ኢለ እየ ኣገበርክዎልቦም ንጣኦታቶም ስለ ዝሰዐበ፣ ፍርደይ ኣብዮም ከም ሕጋጋተይ ከኣ ኣይተመላለሰኡንሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፣ ናብታ ዝሀብክዎም፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ካብ ኵላተን ሃገራት ከኣ እትበልጽ ሃገር ኣይከኣትዎምን እየ ኢለ ኣብ በረኻ እኳ ኢደይ ኣልዐልኩሎም። ግናኸ ዓይነይ ነሐፈቶም እሞ ኣየጥፋእክዎምን፣ ኣብቲ በረኻ ጠሪሰ ኣይወዳእክዎምን። ኣብ በረካ ኸኣ ንደቆም፣ ከምቲ ሕጋጋት ኣቦታትኩም ኣይትመላለሱፍርዶም ድማ ኣይትሐልዉብጣኦታቶምውን ኣይትርከሱበልክዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፣ ከም ሕጋጋተይ ተመላለሱፍርደይ ከኣ ሐልዉ ግበርዎውንንሰናብተይ ቀድሱ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡስ፣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ትእምርቲ ኪዀና እየን። ግናኸ እቶም ደቂ ኸድዑኒ፣ ከም ሕጋጋተይ ኣይተመላለሱን፣ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዚነብረሉፍርደይ ኪገብርዎ ኢሎም ኣይሐለውዎንንሰናብተይውን ኣርከሱ። ሽዑ ኣብቲ በረኻ ሃና ቝጥዓይ ከውጸሎም ነድረይውን ክኽዕወሎም እየ፣ በልኩ። ኣነ ግና ኢደይ መለስኩ፣ ምእንቲ ስመይ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኦም ዘውጻእክዎም ህዝብታትከይትሐስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ። ሕጋጋተይ ኣበዩንሰናብተይ ኣርከሱኣዒንቶም ንጣኦታት ኣቦታቶም ሰዐባ እምበር፣ ፍርደይ ኣይገበሩን እዮም እሞ፣ ኣነ ኣብ ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፣ ናብ ሃገራት ክዘርዎም እየ ኢለ፣ ኣብቲ በረኻ እኳ ኢደይ ኣልዐልኩሎም

Translation | Context
እብራውያን 4:9 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝአተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ አሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋቶም አላ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:8 | 3 Helpful votes

መዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክር

Translation | Context
ማቴዎስ 5:17-19 | 3 Helpful votes

ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሞም እምበርክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩምሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸምካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍብሓቂ ይብለኩም አሎኹ። እምብኣርሲ ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዐረከምእውን ንሰብ ዝመሀረኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽቶ ኺበሀል እዩ። እናገበረ ዚምህር ግናንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ኺበሀል እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 5:12-15 | 3 Helpful votes

ንመዓልቲ ሰንበት ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካክትቅድሳ ሐልዋሹድሽተ መዓልቲ ዕዮኲሉ ተግባርካ ግበሮ። እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ግዙእካን ግዝእትኻን ድማ ከማኻ ምእንቲ ኺዐርፉስ፡ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ብዕራይካን ኣድግኻን ወይ ኵሉ ማልካ፡ ወይ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘሎ ጓናኻ ዝዀነ ዕዮ ኣይትዕየዩ። ንስኻ ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ብጽንዕቲ ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ካብኣ ኸም ዝውጽኣካ ዘክር፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ መዓልቲ ሰንበት ክትሕሉኣዘዘካ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 18:4 | 2 Helpful votes

ሰንበተ ሰንበት ከኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም ይዛራረብንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ድማ የረድኦም ነበረ።

Translation | Context
ሉቃስ 23:56 | 2 Helpful votes

ተመሊሰን ከኣ ሽቱን ቅዱይ ቅብኣን ኣዳለዋ። ግናኸ ከምቲ ትእዛዝ ሕጊ ብሰንበት ዓረፋ

Translation | Context
ነህምያ 13:15-22 | 2 Helpful votes

በተን መዓልትታት እቲኤን ኣብ ይሁዳ ብሰንበት ኣብ መርገጽ ወይኒ ኺረግጹን ኣእዱግ ጽዒኖም እንዳእቲ ኼእትውን ወይንን ዘለላ ወይንን በለስን በብዓይነቱን ጽዕነትን ድማ በመዓልቲ ሰንበት ናብ ዮርሳሌም ኬምጽኡን ርኤኹ። ኣነ ኸኣ በታ እቶቶም ዝሸጡላ መዓልቲ ኣንጻሮም መስከርኩ። ኣብኣ ድማ ሰብ ጢሮስ ነበሩ፡ ንሳቶም ዓሳን ዚሽየጥ ኵሉ ነገርን የምጽኡንደቂ ይሁዳ ኸኣ ብሰንበትን ኣብ ዮርሳሌምን ይሸጡሎም ነበሩ። ሽዑ ንዓበይቲ ይሁዳ፡ እዚ እተገርዎ ኽፉእ ነገር እንታይ ማለት እዩ፡ መዓልቲ ሰንበት ተርክሱ አሎኹም፡ ኢለ ኾሬኽሎምኣቦታትኩምሲ ኸምኡዶ ኣይኮነን ዝገበሩኣምላኽና ድማ እዚ ዅሉ ኽፉእ እዚ ናብ ልዕሌናን ናብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚአን ኣምጽአልና። ንስኻትኩም ድማ ብሰንበት ብምርካስኩም ነቲ ነዳዲ ኹራ ናብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርታዕኩምዎ። ኮነ ኸኣ፡ ቅድሚ ሰንበት ነተን ደጌታት ዮርሳሌም ድነ ኺወድቀን ምስ ጀመረ፡ ደጌታት ኺዐጽው ኣዘዝኩሰንበት ክሳዕ እተሐልፍ ከአ፡ ከይከፍቱ አዘዝኩብመዓልቲ ሰንበት ገለ ሰኽሚ ኸያአቱ፡ ካብ ገላዎይ ኣብ ደገ ደው ኣበልኩ። ሽዑ እቶም ነጋዶን ሸየጥቲ ዅሉ ዓይነትን ኣብ ወጻኢ ዮርሳሌም ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ሐደሩ። ኣነ፡ ድማ ኣብ መንጽር መካበብያ እተሓድሩስ ስለምንታይ ኢኹም፡ ከምዚ እንተ ደገምኩምኢደይ ኣብ ልዕሌኹም ከልዕል እየ፡ ኢለ ኣሰማዕኩሎም። ካብታ ጊዜ እቲኣ ጀሚሮም ብሰንበት ኣይመጹንንሌዋይውን ከአ ኪጸርዩንንምሕላው ደጌታትን መዓልቲ ሰንበት ንምቕዳስን ኪመጹ ኣዘዝክዎም። በዚ ድማ፡ ዎ ኣምላኸትይዘክረኒ፡ ከም ብዝሒ ምሕረትካውን ደንግጸለይ

Translation | Context
ህዝቅኤል 20:12 | 2 Helpful votes

ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ዚቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡስ፣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ትእምርቲ ምእንቲ ኪዀና ኢለ፣ ሰናብተይ ሀብክዎ

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:13-14 | 2 Helpful votes

ብሰንበት፡ በታ ቅድስቲ መዓልተይ ከም ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብርእግርኻ እንተ ዘሐጥካንሰንበት ከኣ ደስታ፡ ነታ ቅድስቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ድማ ክብርቲ ኢልካ እንተ ሰሜኻያ፡ እንተ ኣኽበርካየመገዲ ርእስኻ ድማ እንተ ዘይከድካ፡ ፍቓድ ርእስኻ እንተ ዘይገበርካ፡ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛረብካኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ኪብለካ እዩ፡ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደይበካርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዓካ እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 66:22-23 | 2 Helpful votes

ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ኣብ ቅድመይ ዚነብር፡ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኪነብር እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብ ሰርቂ ወርሒ ኽሳዕ ሰርቂ ወርሒ፡ ካብ ሰንበት ከኣ ክሳዕ ሰንበት፡ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድመይ ኪሰግድ ኪመጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ሉቃስ 4:16 | 2 Helpful votes

ናብታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወኬንብብውን ተንስኤ

Translation | Context