Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

the second coming of jesus


1ይ ተሰሎንቄ 4:16-17 | 8 Helpful votes

ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።

Translation | Context
እብራውያን 9:28 | 6 Helpful votes

ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰውኤ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 1:7 | 5 Helpful votes

እንሆብደበና ይመጽእ አሎ፡ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም፡ ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ኪበኽዩሉ እዮምእወኣሜን

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:10 | 4 Helpful votes

መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:44 | 3 Helpful votes

ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:3 | 3 Helpful votes

ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹምኩምኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስተመሊሰ ኽምጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:1-3 | 3 Helpful votes

ልብኹም ኣይሸበርብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹምኩምኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስተመሊሰ ኽምጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።

Translation | Context
ሉቃስ 21:34-36 | 3 Helpful votes

ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያእሞ፡ ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጻኩምሲንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ካብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረክቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ

Translation | Context
ማቴዎስ 24:36 | 3 Helpful votes

ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑመላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:10-11 | 2 Helpful votes

ንሱ ኺዐርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ገጾም ኪጥምቱ ኸለዉ፡ እንሆጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ኣቱም ሰብ ገሊላስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም

Translation | Context
ራእይ 20:11-15 | 2 Helpful votes

ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙቦታውን ኣይተረኽበሎምንምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹመጻሕፍቲውን ተገንጸሉካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔከከም ግብሮም ተፈርዱባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየትሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ። ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:11 | 2 Helpful votes

ኣቱም ሰብ ገሊላስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም

Translation | Context
ማቴዎስ 25:1-13 | 2 Helpful votes

ሽዑ መንግስተ ሰማያትቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ፡ እተን ሓሙሽተ ግና ለባማት እየን። እተን ዓያሱቀቀንዴለን ወሲደንዘይቲ ኣይተማልኣን። እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናኤን ተማልኣመርዓዊ ምስ ደንጐየ ግና፡ ኵለን ትኽስ በላ ደቀሳውንፍርቒ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነእንሆመርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ። ሽዑ እተን ደናግል ኵለን ተንሲኤንቀቀንዴለን ኣዳለዋ። እተን ዓያሱ ነተን ለባማትቀንዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሀባናበላኤን። እተን ለባማት ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይኣኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋኢለን መለሳለንኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋማዕጾ ድማ ተዐጸወደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺኤንጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና ዀታ፡ በላ። ንሱ ግና መሊሱብሓቂ እብለክን አሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ፡ በለን። እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ

Translation | Context
ማቴዎስ 24:42-44 | 2 Helpful votes

ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። ግናኸ ፍለጡበዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:39-40 | 2 Helpful votes

ንወዲ ርእዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኽተንስኦእዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንሱ ዝሃበኒ ዘበለ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እምበር፡ ሓደ እኳ ኸየጥፍእእዚውን ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እዩ

Translation | Context