Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

the spirit of man


እዮብ 32:8 | 11 Helpful votes

ግናኸ እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስን እስትንፋስ እቲ ዂሉ ዚኽእልን እዩ ምስትውዓል ዚህብ።

Translation | Context
ምሳሌ 20:27 | 9 Helpful votes

መብራህቲ እግዚኣብሄር መንፈስ ሰብ እዩ፡ ንሱ ንብዘሎ ውሻጠ ልቢ ይምርምሮ

Translation | Context
መክብብ 12:7 | 9 Helpful votes

መሬት ድማ፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ናብ ምድሪ ኸይተመልሰመንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክሮ።

Translation | Context
ሮሜ 8:16 | 7 Helpful votes

ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:17 | 6 Helpful votes

እቲ ምስ ጐይታ ዚለግብ ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ።

Translation | Context
ዘካርያስ 12:1 | 5 Helpful votes

ጾር ቃል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል። እቲ ንሰማያይት ዝዘርግሖንምድሪ ድማ ዝሰረታንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጢ ዝደኰኖ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:23 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሐሎ

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:7 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ

Translation | Context
ዮሃንስ 4:24 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦምኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:11 | 3 Helpful votes

እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ነገር ዚፈልጥከ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን።

Translation | Context
ሉቃስ 24:39 | 3 Helpful votes

ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ፡ በሎም።

Translation | Context
ሮሜ 8:10 | 3 Helpful votes

ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ስጋ ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ፡ እቲ መንፈስ ግና ሳላ ጽድቂ ህይወት እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:1-3 | 2 Helpful votes

ልብኹም ኣይሸበርብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹምኩምኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስተመሊሰ ኽምጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19 | 2 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ

Translation | Context
ሉቃስ 16:19-31 | 2 Helpful votes

ቀይሕ ክዳንን ክቡር ቦፍታን ዚኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውንብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተመላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎእቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረአየጸዊዑ ኸኣዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሓረኒኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይንኣልኣዛር ስደደለይበሎኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበዘክርሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት አለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ፡ በሎኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን አለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑበሎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነንኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲኪንስሑ እዮም፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ

Translation | Context
እዮብ 27:3 | 2 Helpful votes

እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡ መንፈስ ኣምላኽውን ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፡

Translation | Context