Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

the spirit world


ቈሎሴ 1:16 | 11 Helpful votes

ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎዚርኤን ዘይርኤንዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነትሕልቅነት ወይስ ስልጣናትኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ

Translation | Context
ኤፌሶን 6:12 | 10 Helpful votes

እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:24 | 7 Helpful votes

ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኵሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን

Translation | Context
ራእይ 20:1-15 | 7 Helpful votes

መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመንሐዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ፡ ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን፡ ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመድሕርዚ ንቕሩብ ጊዜ ኺፍታሕ ይግባእ እዩ። ዝፋናት ድማ ርኤኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡፍርዲውን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ምእንቲ ምስክር የሱስን ምእንቲ ቓል ኣምላኽን እተሰየፉ፡ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ከኣ ዘይሰገዱማሕተሙውን ኣብ ግምባሮም ወይስ ኣብ ኣእዳዎም ዘይተቐበሉ ድማ ርኤኹ። እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ። እቶም ዝተረፉ ምዉታት ግና እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ህይወት ኣይረኸቡን። እዚ እቲ ቐዳማይ ትንስኤ እዩ። ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን። እተን ሽሕ ዓመት ምስ ተፈጸማ ኸኣ፡ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ፡ እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዚነብሩ ኣህዛብንጎግን ማጎግን ኬስሕቶምንውግእውን ምእንቲ ኺእክቦምኪወጽእ እዩ፡ ቍጽሮም ድማ ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ግፍሒ ምድሪ ኸኣ ወጹንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍቅርቲ ኽተማን ድማ ከበቡካብ ሰማይ ከኣ ሓዊ ወሪዱ በልዖም። እቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም። ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙቦታውን ኣይተረኽበሎምንምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹመጻሕፍቲውን ተገንጸሉካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔከከም ግብሮም ተፈርዱባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየትሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ። ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 5 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:22 | 5 Helpful votes

ንሱ ናብ ሰማይ ዐሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ አሎ፡ ንእኡ መላእኽቲ ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ አለዉ።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:10-15 | 4 Helpful votes

ንሱ ርእሲ ዅሉ ሕልቅነትን ስልጣንን እዩ፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ተመሊእኩም አሎኹም። ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩምብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩምብግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም። ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩምውን ምስኡ ህያዋን ገበረኩም። ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም

Translation | Context
ዮሃንስ 16:13 | 4 Helpful votes

እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግናንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩምናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:5 | 4 Helpful votes

የሱስ መለሰብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይ ተወልደኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን

Translation | Context
ኤፌሶን 1:21 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርኣሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም አሎኹ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:38 | 4 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም

Translation | Context
ዮሃንስ 4:24 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦምኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ

Translation | Context