Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

the ten commandments


ዘዳግም 10:1-5 | 6 Helpful votes

በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር በለኒ፡ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጽረብ እሞ ናባይ ናብ ከረን ደይብ፡ ካብ ዕጨይቲ ድማ ታቦት ግበር። እቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቓላት ከኣ ኣብዘን ጽላት እዚኤን ክጽሕፎ እየ፡ ናብቲ ታቦት ድማ ከተንብረን ኢኻ። ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ከኣ ታቦት ገበርኩከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒውን ጸረብኩንኽልቲኤን ጽላት ኣብ ኢደይ ሒዘ ኸኣ ናብቲ ከረን ደየብኩእግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ኣኼባ ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ነጊረኩም ዝነበረ፡ ከምቲ ቐዳማይ ዝበለ ጽሕፈት ዓሰርተ ቓላት ኣብተን ጽላት ጸሓፈንእግዚኣብሄር ድማ ንኣይ ሀበኒተመሊሰ ኸኣ ካብቲ ኸረን ወረድኩ፡ ነተን ጽላት ድማ ኣብቲ ዝገበርክዎ ታቦታ ኣንበርክወን። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኸኣ ኣብኡ ተነብራ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:1-26 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበርኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕልመዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክርሹድሽተ መዓልቲ ዕየተግባርካ ዅሉ ግበርእታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየእግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳንኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብርኣይትቕተልኣይትዘሙኣይትስረቕኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክርቤት ብጻይካ ኣይትተምነሰበይቲ ብጻይካ ግዙኡግዝእቱብዕራዩኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነኵሎም ህዝቢ ድማ ነጕድን ሃልሃልታን ደሃይ መለኸትን እቲ ኸረን ኪተክኽን ረኣዩእቶም ህዝቢ እዚ ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ ኣንቀጥቀጡርሒቖም ድማ ደው በሉ። ንሙሴ ድማ፡ ንስኻ ንገረና ንሰምዕ ኢናኣምላኽ ግና፡ ምእንቲ ኸይንመውትኣይዛረበናበልዎሙሴ ኸኣ ነቶም ህዝቢሓጢያት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ፍርሃቱ ኣብ ቅድሜኹም ኪኽወን፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘበኩም እዩ ዝመጸ እሞ፡ ኣይትፍርሁበሎምእቲ ህዝቢ ኣብ ርሑቕ ቈመሙሴ ናብቲ ኣምላኽ ዘለዎ ጣቓ ቐረበእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ ኣነ ኻብ ሰማይ ከም እተዛረብኩኹም፡ ባዕላትኩም ርኤኹም። ምሳይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩመሰውኢ መሬት ስርሓለይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዚሐርር መስዋእትታትካን መስዋእቲ ምስጋናኻንኣባጊዕካን ኣብዑርካን ሰውእ። ስመይ ኣብ ዘዘከርኩሉ ዅላ ቦታ ናባኻ መጺኤ ኽባርኸካ እየ። መሰውኢ እምኒ እንተ ገበርካለይ፡ ብመንደልካ እንተ ተንኬኻዩ ተርክሶ ኢኻ እሞ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትንደቆ። ናብ መሰውእየይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕፍረትካ ኸይቅላዕሲብመሳልል ኣይትደይብ።

Translation | Context
ዘዳግም 10:12-13 | 5 Helpful votes

ዎ እስራኤል፡ ሕጂኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡ ብዅሉ መገዱ ኽትመላለስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናብ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እግዚኣብሄር ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧

Translation | Context
ሮሜ 13:8-10 | 4 Helpful votes

እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙኣይትቕተልኣይትስረቕብሓሶት ኣይትመስክርኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ።

Translation | Context