Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all1 bible verses about
ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ። ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን።
Translation | Context