Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all3 bible verses about
የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን። ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ አሎ። እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ።
Translation | Contextስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፡ በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን አሎና፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፥ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፡ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።
Translation | Context