Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

the way we dress


1ይ ጢሞቴዎስ 2:9-10 | 14 Helpful votes

ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንንፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእብሰናይ ግብሪ ኺስለማእደሊ አሎኹ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:28 | 9 Helpful votes

ብዛዕባ ምዉት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኻትኩም ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
ዘዳግም 22:5 | 8 Helpful votes

ሰበይቲ ኽዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፡ ሰብኣይ ከኣ ክዳን ሰበይቲ ኣይከደን፡ ከምዚ ዚገብር ዘበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:9 | 7 Helpful votes

ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንንፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእብሰናይ ግብሪ ኺስለማእደሊ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 6 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:3 | 6 Helpful votes

ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን

Translation | Context
ምሳሌ 31:30 | 5 Helpful votes

ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ

Translation | Context
ሮሜ 12:1 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 4 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:28 | 4 Helpful votes

ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:1-14 | 3 Helpful votes

ኣትን ኣንስቲገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩበኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦምስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹንቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲንሰብኡተን እናተኣዘዛከምዚ እየን እተሰለማከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክንብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲኣዋልዳ ኢኽን። ኣቱም ሰብኡትጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገትከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወንከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩመወዳእታኡ ኸኣ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦምእትዳናገጹሕውነት እተፍቅሩለዋሃትትሑታት ኩኑ፡ ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊልሳኑ ኻብ ክፉእከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበርንሰላም ይድለያ ይስዐባውን። ስለ እቲ ሰናይ እንተ ጸዐትኩምከ፡ መን እዩ እከይ ዚገበረኩምስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ካብ ፍርሃቶም ኣይትፍርሁ ኣይትሰምብዱውን

Translation | Context
ምሳሌ 7:10 | 2 Helpful votes

እንሆ ኸኣሰበይቲ ኽትቅበሎ ወጸት፡ ክዳን ምንዝርና እተኸደነትልባ ተንኰለኛ

Translation | Context
ሮሜ 14:21 | 2 Helpful votes

ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይጽቡቕ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 13:14 | 2 Helpful votes

ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ

Translation | Context
ኢሳይያስ 3:16-26 | 2 Helpful votes

መሊሱ እግዚኣብሄር በለኣዋልድ ጽዮን ኰሪዔንክሳውደን ገቲረንበዒንተን ቅምጽ እናበላን ብግንትእ ዚብል ኣረጋግጻን ብሽዋሕዋሕ ዚብል ስልማት እግርን ይኸዳ ኣለዋ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንናላ ኣዋልድ ጽዮን ኬንኲዖ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንሓፍረተን ኪቐልዖ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌጽ ኣምባር እግርን ንጥሉፍ መጐልበብን ንሳንቃ ድርን ኪቕንጥጦ እዩ። ንዂትሻን ኣምባር ኢድን መጐልበብንንመጠምጠምያን ስጒሚ ኼሕጽር እተሰርሔ ሰንሰለትን ንቕናትን ቢልቃጥ ሽቱን ክታባውትንንቐለቤት ኣጻብዕን ቀለቤት ኣፍንጫንንኽዳውንቲ በዓልን ባርኖስን፡ ንመደረብታን ሕልሕሎንንመስትያትን ቅጭን ዓለባን ንጋማን መጐልበብን ኪቕንጥጦ እዩ። ኣብ ክንዲ ምኡዝ ሽቱ ጺእ ጨና፡ ኣብ ክንዲ ቕናት ከኣ ገመድ፡ ኣብ ክንዲ ጐተና ነዃዕ፡ ኣብ ክንዲ ባርኖስ ከኣ ከሊ፡ ኣብ ክንዲ ጽባቐ መልክዕውን ናይ ንዳድ በሰላ ኪኸውን እዩ። ሰብኡትኪ ብሰይፊጀጋኑኺ ኣብ ውግእ ኪወድቁ እዮም። ደጌታታ ኪቚዝማን ኪሐዝናን እየን፡ ዖንያ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኽትቅመጥ እያ።

Translation | Context