Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

2 bible verses about

the year of jubilee


ዘሌዋውያን 25:1-55 | 15 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ከምዚ ኢሉ ተዛረቦንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ኣብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ አቶኹም፡ እታ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ሰንበት ተብዕልሹድሽተ ዓመት ግራትካ ዝራእ ሹድሽተ ዓመት ከኣ ወይንኻ ጠጥፍፍሬኣ ድማ ኣክብ። በታ ሳብዐይቲ፡ ዓመት ግና ነታ ምድሪ ሰንበት ዕርርፍቲ፡ ሰንበት እግዚኣብሄር ይኹን፡ ግራትካ ኣይትዝራእ ወይንኻውን ኣይትጠጥፍ። ባልጋ ቐሪምካ ኣይትዕጸድ፡ እቲ ኸይጠጠፍካዮ ዝፈረየ ኣስካል ወይንኻ ድማ ኣይትቐንጥብ። ነታ ምድሪ ዓመት ሰንበት ዕረፍቲ ይኹን። ሰንበት እታ ምድሪ ንኣኻን ንግዙእካን ንግዝእትኻን ንወዓላይካን ነቲ ምሳኻ ዚነብር ስደተኛን ምግብኹም ይኹን። ኲሉ ፍሬኣ ንማልካን ኣብ ምድርኻ ንዘለዉ እንስሳን ቀለብ ይኹን። ድማ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት፡ ንኣኻ ሾብዓተ ሳዕ ሾብዓተ ዓመት ጌርካ ቚጸርዘበን እቲ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት ኣርብዓን ትሽዓተን ዓመት ይኹነልካ። ሽዑ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ብዓስረይቲ መዓልቲ መለኸት ንፋሕብመዓልቲ ዕርቂ ኣብ ብዘላ ሃገርኩም መለኸት ንፍሑ። ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ። ኣብታ ምድሪ ኸኣ፡ ኣብኣ ንዚነብሩ ዂሎም ሓርነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ነናብ ዓሌቱ ይመለስ። እዛ መበል ሓምሳ ዓመት እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፡ ኣይትዝርኡ፡ እቲ ባሊጉ ኣብኣ ዝበቘለ ኸኣ ኣይትዕጸዱ፡ እቲ ዘይተጠጠፈ ወይኒ ድማ ኣይትቐንጥቡ። እዚኣ ዓመት እልልታ እያ እሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። ካብ ግራት ዝአተወ ብልዑ። በዛ ዓመት እልልታ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ። ገለ ንብጻይካ እንተ ሸጥካሉ፡ ወይ ካብ ኢድ ብጻይካ ገለ እንተ ተሻይጥካሓደ እኳ ንሓዉ ኣይዐምጽብቚጽሪ ዓመታት ድሕሪ ዓመት እልልታ ኻብ ብጻይካ ተሻየጥ፡ ንሱ ድማ ብቚጽሪ ዓመታት ፍሬኡ ይሽጠልካብቚጽሪ ዓመታት ፍረ እዩ ዚሸጠልካ እሞ፡ ብመጠን ምብዛሕ ዓመታት ዋጋ ኣብዝሕ፡ ብመጠን ምውሓድ ዓመታት ድማ ዋጋ ኣውሕድ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይዐምጽንኣምላኽካ ደኣ ፍራህሕጋጋተይ ግበሩ ፍርድታተይውን ሐልዉን ግበርዎን። ኣብታ ሃገር ድማ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም። እታ ምድሪ ኸኣ ፍሬኣ ትህብ እሞ፡ በሊዕኩም ትጸግቡ። ኣብኣውን ብህድኣት ትነብሩ። እንሆ፡ ኣይዘራእናን ፍረ ድማ ኣየእቶናን፡ በታ ሳብዐይቲ ዓመት ደኣ እንታይ ክንበልዕ ኢና፡ እንተ በልኩም፡ ሽዑ በታ ሳድሰይቲ ዓመት በረኸተይ ክእዝዘልኩም እየ፡ ንሰለስተ ዓመት ዚኸውን ፍረ ኸኣ ከተፍርየልኩም እያ። በታ ሳምነይቲ ዓመት ድማ ክትዘርኡ ኢኹም፡ ካብ ነባር እኽሊ ከኣ ክትበልዑ ኢኹም። ክሳዕ እታ ታስዐይቲ ዓመት፡ ፍሬኣ ኽሳዕ ዚአቱ፡ እቲ ነባር ክትበልዑ ኢኹም። ምድሪ ናተይ እያ፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፡ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ርስትኹም፡ እታ ምድሪ ብዋጋ ተበጀውዋሓውካ እንተ ተሸገረ እሞ ካብ ርስቱ ገለ እንተሸጠ፡ እቲ ዚቐርቦ ዘመዱ መጺኡ ነቲ ሓዉ ዝሸጦ ይበጀዎዚብጀዎ ዘመድ እንተ ዜብሉ፡ ንሱ ግና ኢዱ እንተ መልኣሉ፡ ንምብጃው ዚአክልውን እንተ ረኸበ፡ እተን እተሸጠትለን ዓመታት ይቚጸር፡ እቲ ዝተረፎ ነቲ እተሻየጠ ሂቡ፡ ናብ ርስቱ ይምለስ። ንመምለሲኡ ዚአክል ኣብ ኢዱ እንተ ዘይረኸበ ግና፡ እቲ እተሸጠ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ኣብ ኢድ ተሻያጢኡ ይጽናሕ። በታ ዓመት እልልታ ሓራ ይውጻእ፡ ንሱ ድማ ናብ ርስቱ ይመለስሰብ ኣብ እተዐርደት ከተማ ዘላ ቤት እንተ ሸጠ፡ እታ ዝሸጠላ ዓመት ክሳዕ እትመልእ ይበጀዋ፡ ጊዜ ምብጃዋ ዓመት ምሉእ ይኹን። ክሳዕ ምሉእ ዓመት እንተ ዘይተበጀወት ከኣ፡ እታ ኣብ እተዐርደት ከተማ ዘላ ቤት ንሓዋሩ ነቲ እተሻየጣ ንውሉድ ወለዶኡ ትኹን፡ ብዓመት እልልታ ሓራ ኣይትወጽእን። ኣብ ዙርያኤን ቀጽሪ ኣብ ዜብለን ዓድታት ዘለዋ ኣባይቲ ግና ምስ ግራውቲ ሃገር ይተሐሰባበጃ ይውሀበን፡ ብዓመት እልልታ ድማ ሓራ ይውጽኣ። ብዛዕባ ኸተማታት ሌዋውያን ግና ነተን ኣብ ከተማታት ርስቶም ዘለዋ ኣባይቲ ኺብጀውወንንሌዋውያን ናይ ዘለኣለም ስርዓት ይኹን። እተን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ ኸኣ፡ ንሳተን ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቶም እየን እሞ፡ ሓደ ኻብ ሌዋውያን እንተ ተበጀወ፡ ሽዑ እታ እተሸጠት ቤትን እታ ናይ ርስቱ ኸተማን ብዓመት እልልታ ሓራ ይውጽኣ። ኣብ ዙርያ ኸተማታቶም ዘላ ግራት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ርስቶም እያ እሞ፡ ኣይትሸየጥሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሐጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኣይትውሰድንኣምላኽካ ደኣ ፍራህሓውካ ኸኣ ምሳኻ ይንበርገንዘብካ ብሓረጣ ኣይትህቦእኽልኻ ኸኣ ብረብሓ ኣይትሀቦ። ኣምላኽ ክዀነኩምን ምድሪ ኸነኣን ክህበኩምን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ሓውካ ድማ ምሳኻ ኸሎ እንተ ደኸየ፡ ርእሱ ኸኣ እንተ ሸጠልካ፡ ከም ባርያ ጌርካ ኣይትግዝኣዮ፡ ከም በዓል ዓስብን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ክሳዕ ዓመት እልልታ የገልግልካ። ሽዑ ንሱ፡ ደቁ ድማ ምስኡ፡ ካባኻ ሓራ ይውጻእ እሞ፡ ናብ ዓሌቱ ይመለስ፡ ናብ ርስቲ ኣቦታቱ ኸኣ ይመለስ። ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም እሞ፡ ባርያ ኸም ዚሽየጥ ኣይሸየጡኣበርቲዕካ ኣይትግዝኣዮንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ። ንኣኻ ዚዀኑ ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ግና ኣብ ዙርያኹም ካብ ዘለዉ ህዝብታት፡ ካባታቶም ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ተሻየጡ። ካብ ደቂ እቶም ምሳኻትኩም ዚነብሩ ጓኖት፡ ካባታቶምን ኣብ ሃገርኩም ካብ እተወልዱ ዓሌቶምን ተሻየጡጥሪት ይኹኑኹም። ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ከም ጥሪት ርስቲ ኣውርስዎም፡ ብኣታቶም ንዘለኣለም ክትግልገሉ ኢኹም። ብናይ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ንሓዉ ኣበርቲዑ ኣይግዝኣዮጓና ወይ ምሳኻ ዘሎ ጸጋዕተኛ እንተ ሀብተመ፡ ሓደ ሓውካ ኸኣ ምስኡ ኸሎ እንተ ደኸየ እሞ ንርእሱ ኣብቲ ምሳኻ ዚነብር ጓና፡ ወይ ኣብ ሓደ ኻብ ዓሌት ጓና እንተ ሸጠድሕሪ ምሻጡ ይበጀውዎሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ይበጀዎሓው ኣቦኡ ወይ ወዲ ሓው ኣቦኡ ይበጀዎ፡ ወይ ካብ ዓሌቱ፡ ካብ ዘመድ ስጋኡ ሓደ ይበጀዎ፡ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ረኸበ፡ ንርእሱ ይበጀዋ። ካብታ እተሸጠላ ዓመት ክሳዕ ዓመት እልልታ ምስቲ እተሻየጦ ዀይኑ ይጸብጽብ፡ እቲ ዋጋ መሸጣኡ ብመጠን ቊጽሪ ዓመታት ይኹን፡ ከም መጠን መዓልትታት ወዓላይ ምስኡ ይኹን። ገና ብዙሕ ዓመታት እንተሎ፡ ብእኤን መጠን ዋጋ መበጀዊኡ ኻብቲ ገንዘብ መሸጣኡ ይምለስክሳዕ ዓመት እልልታ ቕሩብ ዓመታት ተሪፉ እንተሎ፡ ምስኡ ጸብጺቡ ኸም መጠን ዓመታቱ ዋጋ መበጀዊኡ ይምለስ። ከም ዓሰባ ዓመት ንዓመት ምስኡ ይኹን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣበርቲዑ ኣይግዝኣዮ። በዚ እንተ ዘይተበጀወ ኸኣ፡ ንሱ ደቁ ኸኣ ምስኡ ብዓመት እልልታ ሓራ ይውጽኡደቂ እስራኤል ባሮተይ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

Translation | Context
ዘዳግም 15:1-23 | 12 Helpful votes

ኣብ መወዳእታ ሸሾብዓተ ዓመት ሕድገት ግበር። እቲ ናይ ሕድገት ነገር ከኣ እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መለቅሒ እቲ ንብጻዩ ዘለቅሔ ይሕደገሉ፡ ናይ እግዚኣብሄር ሕድገት ተአውጁ እዩ እሞ፡ ካብ ብጻዩን ሓዉን ኣይድለዮ። ካብ ጓና ደኣ ድለዮ፡ ኣብ ሓውካ ዘሎካ ግና ሕደገሉ። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኪባርኸካ እዩ እሞ፡ ድኻ ኣይርከበካን እዩ። ሓንትስ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ ክትሕልዎን ክትገብሮንንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ ደኣ ስምዓዮ እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ከምቲ ዘተስፈወካ ኺባርኸካ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ንብዙሓት ህዝብታት ኸተለቅሕ ኢኻ፡ ንስኻ ግና ኣይትልቃሕን። ንብዙሓት ህዝብታት ድማ ክትገዝእ ኢኻ፡ ንሳቶም ግና ኣይገዝኡኻን። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይትጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ። ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈትሉእቲ ዜድልዮ ኸኣ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ። ኣብ ልብኻ ሓሳብ በሊያል ከይህልወካ ተጠንቀቕእታ ሳብዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ እያ ኢልካ፡ ዓይንኻ ድማ ኣብቲ ድኻ ሓውካ ይኸፍእ እሞ ገለ ኣይትህቦን። ንሱ ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ። ፈቲኻ ሀቦ፡ ንእኡ ብምሃብካውን ልብኻ ኣይጕሄ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዘርጋሕካሉ ዅሉን ኪባርኸካ እዩ። ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይስኣኑን እዮም እሞ፡ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውካን ሽጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ ኢለ እእዝዘካ አሎኹ። እብራዊ ሓውካ፡ ወይ እብራዊት፡ ኣባኻ እንተ ተሸጠሹድሽተ ዓመት ይገዛእካ፡ በታ ሳብዐይቲ ዓመት ካባኻ ሓራ ኣውጺእካሕደጎ። ካባኻ ሓራ ኣውጺእካ ኽትሐድጎ ኸሎኻ ድማ፡ ጥራዩ ኣይትስደዶ። ካብ መጓሴኻን ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቚ ወይንኻን ለጊስካ ሀቦ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝባረኸካ መጠን ሀቦ። ንስኻ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ እሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸም ዘድሐነካ ዘክር፡ ስለዚ ኣነ ሎሚ እዚ ነገር እዚ እእዝዘካ አሎኹ። ንሱ ግና፡ ምሳኻ ስለ ዝጠዐሞ፡ ንኣኻን ንቤትካን ፈትዩ ድማ፡ ካባኻ ኣይወጽእን፡ እንተ በለካ፡ ኪኸውን እዩ፡ መስፈ ውሰድ እሞ እዝኑ ኣብ ማዕጾ ጌርካ ኣንኵሎ ንሓዋሩ ባርያኻ ይኹን። ነታ ባርያኻውን ከምኡ ግበራ። ካባኻ ሓራ ምስ እተውጽኦ ኣይኽበድካ፡ ክንዲ ዓስቢ ዓሳብ ዕጽፊ ገይሩ ሹድሽተ ዓመት ኣገልጊሉካ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ብትገብሮ ዅሉ ኺባርኸካ እዩ። ካብ ኣሓኻን ካብ በጊዕካን ኵሉ በዅሪ እተወልደ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀድሶብበዅሪ ብዕራይካ ኣይትዕየ፡ በዅሪ በጊዕካ ድማ ኣይትቚረጽ። ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝሐረዮ ቦታ ዓመት ንዓመት ንስኻን ስድራ ቤትካን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዄንካ ብልዓዮገለ ጐደሎ እንተለዎ ግና፡ ሓንካስ ወይ ዕውር ወይ ዝዀነ ኽፉእ እንታ ዘለዎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትሰውኣዮ። ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ብልዓዮ። ከም ናይ ሰስሓን እራብንንጹህን ዘይንጹህን፡ ከም ሓደ ይብልዕዎ። ሓንትስ ደሙ ኣይትብላዕ፡ ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ።

Translation | Context