Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

time management


ኤፌሶን 5:15-17 | 24 Helpful votes

እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩምከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱተመልከቱምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኩኑ

Translation | Context
መዝሙር 90:12 | 10 Helpful votes

ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና

Translation | Context
ቈሎሴ 4:5 | 7 Helpful votes

ጊዜ እናዓደግኩምምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ

Translation | Context
መክብብ 3:8 | 6 Helpful votes

ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንውግእ ጊዜ አለዎ፡ ንሰላም ድማ ጊዜ አለዎ።

Translation | Context
ሉቃስ 14:28 | 5 Helpful votes

ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረአይዎ ዅሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፡ እንታዋይ እዩ፧

Translation | Context
ማቴዎስ 6:33 | 5 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩእዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም

Translation | Context
ያእቆብ 4:13-17 | 4 Helpful votes

እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፡ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበርክንነግድን ክንረብሕን ኢና፡ እትብሉ፡ ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእያስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም። ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕናውን እንተ አሊና፡ እዚ ወይስ እቲ ክንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ አሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ። እምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ

Translation | Context
ምሳሌ 16:9 | 4 Helpful votes

ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ

Translation | Context
መዝሙር 39:4-5 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄርከመይ ዝበልኩ ሓላፊ ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጥ፣ መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን ክንደይ ምዃኑ ኣዘክረኒ። እንሆ፣ ንመዓልትታተይ ከም ምናሕ ስድሪ ገበርካየንዕድመይ ኣብ ቅድሜኻስ ከም ምናምን እዩ፣ ብሓቂ ዅሉ ሰብ ጸኒዑ እንተ ቘመ እኳ፣ ከንቱ ጥራይ እዩ። [ሴላ።]

Translation | Context
ዮሃንስ 9:4 | 3 Helpful votes

መዓልቲ ኸላግብሪ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኺዓየላ ዘይከአሎ ለይቲ ትመጽእ አላ።

Translation | Context
መዝሙር 31:14-15 | 2 Helpful votes

ኣነ ግና፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ፣ ኣነስ፣ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፣ በልኩዕለታተይ ኣብ ኢድካ እየን፣ ካብ ኢድ ጸላእተይን ሰጐጕተይን ኣናግፈኒ

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:8-14 | 2 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመትሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩምጐይታስኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ። መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ። ደጊም እዚ ዅሉ ዘፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉፍጥረት ሰማያት ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። ንሕና ግናከምቲ ተስፋኡጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና። ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይነዚ እናተጸቤኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርክቡ ተጋደሉ

Translation | Context
ማቴዎስ 25:1-46 | 2 Helpful votes

ሽዑ መንግስተ ሰማያትቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ፡ እተን ሓሙሽተ ግና ለባማት እየን። እተን ዓያሱቀቀንዴለን ወሲደንዘይቲ ኣይተማልኣን። እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናኤን ተማልኣመርዓዊ ምስ ደንጐየ ግና፡ ኵለን ትኽስ በላ ደቀሳውንፍርቒ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነእንሆመርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ። ሽዑ እተን ደናግል ኵለን ተንሲኤንቀቀንዴለን ኣዳለዋ። እተን ዓያሱ ነተን ለባማትቀንዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሀባናበላኤን። እተን ለባማት ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይኣኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋኢለን መለሳለንኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋማዕጾ ድማ ተዐጸወደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺኤንጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና ዀታ፡ በላ። ንሱ ግና መሊሱብሓቂ እብለክን አሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ፡ በለን። እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑመገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላዉኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞምንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኣ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ መክሊት ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጸባጸበ። እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒእንሆካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩእናበለ ቐረበ። እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶበሎ። እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡጐይታኡክልተ መክሊት ሀብካኒእንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩበለጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይእሙን ባርያብሒደት ተአሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡጐይታይዘይዘራእካዮ እትዐጽድዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎእንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ አሎኻ። እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ህብዎንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይወሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። ነዚ ዘይተቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻትንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒጸሚኤኣስቴኹምኒገይሸተቐበልኩምኒዐሪቀከደንኩምኒሐሚመበጻሕኩምኒተኣሲረመጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ትአሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንንጸሚኤኣየስቴኹምንንገይሸኣይተቐበልኩምንንዐሪቐኣይከደንኩምንንሐሚመተኣሲረኣይበጻሕኩምንን። ሽዑ ንሳቶምጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካዘየገልገልናካኢሎም ይመልስሉ። ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።

Translation | Context