Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

tithe


ሚልክያስ 3:8-10 | 12 Helpful votes

ሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይዀነሉ እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ሰሪቕኩምኒ። ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቕናካ፧ ከኣ ትብሉብዕሽርን ብመባእን ኢኹም። ንስኻትኩም፣ ህዝቢ ብምሏትኩም ሰሪቕኩምኒ ኢኹም እሞ፣ ብመርገም ተረገምኩም። ኣብ ቤተት ምግቢ ኪኸውንሲ፣ ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፣ ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩምበረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፣ በዚ ተዐዘቡኒይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

Translation | Context
ምሳሌ 3:9 | 8 Helpful votes

ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካንንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ

Translation | Context
ሉቃስ 6:38 | 7 Helpful votes

ሃቡ ኺውሃበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 9:7 | 6 Helpful votes

ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:35 | 4 Helpful votes

ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእብዂሉ ኣርኤኹኹም

Translation | Context
ሉቃስ 21:1-4 | 4 Helpful votes

ቍሊሕ ኢሉ፡ ሃብታማት መባኦም ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዜውድቑ ረአየሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ኽልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ ረአየ እሞ፥ ካብ ኵላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐትብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እዚኣቶምሲ ዅላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውድቑ፡ እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ እያ ዘውደቐት፡ በለ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:24 | 3 Helpful votes

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦንወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 14:22-29 | 3 Helpful votes

ካብቲ በብዓመት ካብ ግራትካ ዝወጸ ዅሉ እቶት ዘርእኻ ዕሽር ኣውጽእንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምፍራህ ወርትግ ምእንቲ ኽትምሃርሲ፡ ነቲ ዕሽር ስርናካን ወይንኻን ዘይትኻን በዅሪ ኣሓኻን ኣባጊዕካን ኣብታ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብልዓዮእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ዚባርኸካ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዝሐረያ ቦታ እንተ ረሐቐትካ እሞ መገዲ ስለ ዝነውሓካ፡ ናብኣ ኸተምጽኦ እንተ ዘይተኻእለካንገንዘብ ሽጦ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኸኣ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ ኺድ። በቲ ገንዘብ እቲ ነፍስኻ ዝፈተወቶላምን በጊዕን ወይንን ዜስክር መስተን ወይ ነፍስካ ዝደለየቶ ዅሉ ትዕድግ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብኡ ትበልዖ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ከኣ ትሕጐሱ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘሎ ሌዋዊ ድማ፡ ምሳኻ ግደን ርስትን የብሉን እሞ፡ ኣይትሕደጎኣብ መወዳእታ ሰሳልሰይቲ ዓመት ካብ ኵሉ ናይ እታ ዓመት እቲኣ እቶትካ ዕሽር ኣውጺእካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኣክቦ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ እትገብሮ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ እቲ ምሳኻ ግደን ርስትን ዜብሉ ሌዋውን እቶም ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘለዉ ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ይምጽኡ እሞ ይብልዑን ይጽገቡን

Translation | Context
እብራውያን 7:1-28 | 3 Helpful votes

እዚ መልከጼዴቅሲንጉስ ሳሌምካህን ልዑል ኣምላኽንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኺምለስ ከሎ፡ እተቐበሎ እሞ ዝባረኾኣብርሃም ድማ ካብ ኵሉ ዕሽር ዝመቐሎ፡ ቀዳማይ ትርጕም ስሙ፡ ንጉስ ጽድቂደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት ንጉስ ሰላም እዩ። ብዘይ ኣቦብዘይ ኣደብዘይ ቍጽሪ ወለዶመጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዜብሉ፡ ግናኸ ንወዲ ኣምላኽ ተመሲሉ ንሓዋሩ ካህን ኰይኑ ይነብር አሎ። ኣብርሃምእቲ ርእሲ ኣቦታት፡ ካብቲ ማል ዘመተ በብሉጹስ ዕሽር ዝሃቦንሱ ኽንደይ ዓብዪ ምዃኑ፡ እስኪ ርኣዩካብ ደቂ ሌዊ ድማ እቶም ክህነት ዚቕበሉ፡ ካብቲ ህዝቢማለት ካብ ሕቘ ኣብርሃም እኳ ዝወጹ ኣሕዋቶም ክነሶምሲ፡ ዕሽር ኪወስዱ ብሕጊ ትእዛዝ አለዎም። እዚ ግና ካብ ዘይወለዶኦም ክነሱስ፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሰደ፡ ነቲ ተስፋ ረኺቡ ዘሎውን መረቖብዘይ ገለ ውልውል ድማ እቲ ዚንእስ በቲ ዚዓብዮ ይምረቕ እዩ። ኣብዝስ መወትቲ ሰብ ዕሽር ይወስዱኣብቲ ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዚወስድ። እዚ ምባለይ ከኣ ከምዚ እዩ፡ ሌዊ፡ እቲ ተቐባል ዕሽር እኳ፡ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሃበ፡ ማለት፡ መልከጼዴቅ ንኣብርሃም ኪራኸቦ ኸሎ፡ ሌዊ ገና ኣብ ሕቘ ኣቦኡ እዩ ዝነበረ። እምብኣርስኸ ብቤተ ኽህነት ሌዋውያን ፍጻሜ እንተ ዚኸውንሲ፡ እቲ ህዝቢ ብእኡ ሕጊ ተሐጊጉሉ ነይሩ እዩ እሞ፡ ከም መዓርግ ኣሮን ዘይብሃል ካልእ ካህን ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ዝዀነ ኺትንስእ ደኣ ንምንታይ መድለየ ነይሩ፧ ማለት ክህነት ካብ ዚልወጥምልዋጥ ሕጊውን ብግዲ ኪኸውን እዩ። እቲ ብዛዕባ እዚ እተባህለሉ ኻብ ካልእ ዓሌት እዩ፡ ካብቲ ዓሌት እቲ ሓደ እኳ ኣብ መሰወኢ ዘገልገለ የልቦን። ጐይታናስ ካብ ይሁዳሙሴ ብናይ ዓሌት ካህናት ሓንቲ እኳ ዘይተዛረበሉ ዓሌት ከም ዝወጸ፡ ፍሉጥ እዩ። ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ ግሉጽ እዩብተምሳል መልከጼዴቅ ካልእ ካህን ካብ ዚትንስእሲ፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ ተመስኪሩሉ እዩ እሞ፡ ብዘይሐልፍ ሓይሊ ህይወት እምበር፡ ከም ሕጊ ስጋዊ ትእዛዝሲ ኻህን ኣይኰነንእቲ ዝሐለፈ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ እዩ እተሳዕረሕጊ ንሓደ እኳ ኣብ ፍጻሜ ኣየብጽሖን፡ ግናኸ ናብ ኣምላኽ እንቐርበላእትሐይሽ ተስፋ ኣተወት። እዚ ግና በቲ፡ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሐለ ኣይጠዓስን ከኣ እዩ፡ እተባህለሉ ማሕላ እዩ። እዚኣ ድማ ብዘይ ማሕላ ኸም ዘይኰነት፡ እቲኣቶምሲ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ኰኑ፡ ከምኡ ድማ የሱስ መድሕን ዝሔሸ ኺዳን ኰነእቲኣቶምሲ ኸይነብሩ ብሞት ስለ እተኸልከሉ፡ ብዙሓት ካህናት ነበሩ። እዚ ግና ንዘለኣለም ዚነብር ስለ ዝዀነስ፡ ዘይሐልፍ ክህነት አለዎ። ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ። ከምዚ ዘመሰለ ኽፍኣትን ርኽሰትን ዜብሉ፡ ካብ ሓጥኣን እተፈልየካብ ሰማያት ከኣ ልዕል ዝበለ ቅዱስ ሊቀ ኻህናት ኣድለየና። ንሱ ከምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ኣብ ጸጽባሕ መስዋእቲ ኬቕርብ ዘየድለዮ እዩ እሞ፡ ርእሱ ንመስዋእቲ ምስ ወፈየ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገበሮ። ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ኪዀኑ ዚሸሞም፡ እቲ ድሕሪ ሕጊ ዝመጸ ቓል ማሕላ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ ወዲ እዩ ዚሸይም

Translation | Context
ማቴዎስ 23:23 | 3 Helpful votes

ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲምሕረትእምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምግሕዳግ ይግባእ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:17 | 3 Helpful votes

ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር

Translation | Context
ዘዳግም 15:7-11 | 3 Helpful votes

ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይትጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ። ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈትሉእቲ ዜድልዮ ኸኣ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ። ኣብ ልብኻ ሓሳብ በሊያል ከይህልወካ ተጠንቀቕእታ ሳብዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ እያ ኢልካ፡ ዓይንኻ ድማ ኣብቲ ድኻ ሓውካ ይኸፍእ እሞ ገለ ኣይትህቦን። ንሱ ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ። ፈቲኻ ሀቦ፡ ንእኡ ብምሃብካውን ልብኻ ኣይጕሄ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዘርጋሕካሉ ዅሉን ኪባርኸካ እዩ። ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይስኣኑን እዮም እሞ፡ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውካን ሽጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ ኢለ እእዝዘካ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:8 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:42 | 2 Helpful votes

ንዝለመነካ ሀቦካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮ

Translation | Context
ምሳሌ 13:22 | 2 Helpful votes

ደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ

Translation | Context
ማቴዎስ 19:21 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስኪድዘሎካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ፡ ንዓ ስዐበኒበሎ

Translation | Context
ሉቃስ 11:42 | 2 Helpful votes

ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ኸይሐደግኩምሲ እዚውን ክትገብሩ ይግብኣኩም ነይሩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 27:30 | 2 Helpful votes

ኲሉ ዕሽር ምድሪ ድማ፡ ካብ ዘርኢ ምድሪ ዀነ፡ ካብ ፍረ ኦም ኰነ፡ ንሱ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:9-10 | 2 Helpful votes

ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካንንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ። ሽዑ ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእመጽመቝኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:13-14 | 2 Helpful votes

እቶም ቅዱስ ኣገልግሎት ዜገልግሉ ኻብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዚምገቡእቶም ኣብ መሰውኢ ዜገልግሉውን ምስቲ መሰውኢ ኸም ዚካፈሉዶኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከምኡ ድማ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዚሰብኩ ብወንጌል ኪምገቡ ሰሪዑሎም አሎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 28:20-22 | 2 Helpful votes

ያእቆብ ድማ ከምዚ ኢሉ መብጽዓ ተማባጽዔእግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፡ ኣብዛ ዝኸዳ ዘሎኹ መገደይ ከኣ እንተ ሐለወኒ፡ ዝበልዖ እንጌራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሀበኒ፡ ናብ ቤት ኣቦይውን ብደሓን እንተ ተመለስኩ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ይኸውን። እዚ ሓወልቲ ገይረ ኣቝመዮ ዘሎኹ እምኒ ኸኣ ቤት ኣምላኽ ኪኸውን እዩ። ካብ እትህበኒ ዘበለ ዅሉ ድማ ዕሽር ክህበካ እየ።

Translation | Context