Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all8 bible verses about
ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡ፡ ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ኸይሐደግኩምሲ እዚውን ክትገብሩ ይግብኣኩም ነይሩ።
Translation | Contextኲሉ ዕሽር ምድሪ ድማ፡ ካብ ዘርኢ ምድሪ ዀነ፡ ካብ ፍረ ኦም ኰነ፡ ንሱ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ እዩ።
Translation | Contextኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምግሕዳግ ይግባእ።
Translation | Contextኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡
Translation | Contextኣብ ቤተት ምግቢ ኪኸውንሲ፣ ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፣ ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፣ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፣ በዚ ተዐዘቡኒ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
Translation | Contextያእቆብ ድማ ከምዚ ኢሉ መብጽዓ ተማባጽዔ፡ እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፡ ኣብዛ ዝኸዳ ዘሎኹ መገደይ ከኣ እንተ ሐለወኒ፡ ዝበልዖ እንጌራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሀበኒ፡ ናብ ቤት ኣቦይውን ብደሓን እንተ ተመለስኩ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ይኸውን። እዚ ሓወልቲ ገይረ ኣቝመዮ ዘሎኹ እምኒ ኸኣ ቤት ኣምላኽ ኪኸውን እዩ። ካብ እትህበኒ ዘበለ ዅሉ ድማ ዕሽር ክህበካ እየ።
Translation | Contextሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይዀነሉ እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ሰሪቕኩምኒ። ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቕናካ፧ ከኣ ትብሉ። ብዕሽርን ብመባእን ኢኹም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሰሪትዋ፣ ኣብ ወሓይዝውን ኣጽኒዕዋ እዩ እሞ፣ ንሳን ምልኣታን፣ ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም።
Translation | Context