Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ።
Translation | Contextሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሃል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይስ ስሱዕ፡ ወይስ መምለኽ ጣኦት፡ ወይስ ተጻራፊ፡ ወይስ ሰካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ።
Translation | Contextዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ።
Translation | Contextብትሕና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡
Translation | Contextነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ። ኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን አሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕ። ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩ።
Translation | Contextሓውካ፡ ወዲ እኖኻ፡ ወይ ወድኻ ወይ ጓልካ ወይ ኣብ ሕቚፍኻ ዘላ ሰበይትኻ ወይ ከም ነፍስኻ ዝዀነ ፈታዊኻ፡ ንኺድ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነምልኽ፡ ኢሉ ብሕቡእ እንተ ሐበለካ፡ ንስኻ ዀነ ኣቦታትካ ዘይትፈልጥዎም፡ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ምድሪ፡ ኣብ ጥቓኻ ዀነ ወይ ኣብ ርሑቕካ፡ ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታት፡ ሕራይ ኣይትበሎ፡ ኣይትስምዓዮ፡ ዓይንኻውን ኣይትራሕርሓሉ፡ ኣይትንሐፎ ኸኣ፡ ኣይትሕብኣዮውን። ርግጽ ቅተሎ ደኣ፡ ንምቕታሉ ኢድካ ትቐድም፡ ደሓር ኢድ ኲሉ ህዝቢ። ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኼግልሰካ ደልዩ እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከልካ ኸምዚ ዝበለ ኽፉእ ከይድገምሲ፡ ኲሎም እስራኤል ሰሚዖም ኪፈርሁ፡ ኪመውት ብዳርባ እምኒ ቕተሎ።
Translation | Contextደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ፡ በሎም።
Translation | Contextንኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ናይ ካልእ ህዝቢ ሰብ ኪሕወስ ወይስ ናይ ቤቱ ኺኣቱ ኸም ዘይግብኦ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንኣይ ግና፡ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፍንፍን ወይስ ርኹስ እዩ ኸይብል፡ ኣምላኽ ኣርእዩኒ።
Translation | Contextብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።
Translation | Contextእምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።
Translation | Contextእቲ ንዓማጺ ናጻ ዜውጽኦን ንጻድቕ ዚዅንኖን፡ ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም።
Translation | Contextመወዳእታኡ ኸኣ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም፡ እትዳናገጹ፡ ሕውነት እተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ፡ ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን።
Translation | Contextልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ፡ ንነፍሲ ጥዑም፡ ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ።
Translation | Contextንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን።
Translation | Context