Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ንሱ ድማ፡ እዚ ዝርእዮ ዘሎኹ ሓወልቲኸ እንታይ እዩ፧ በለ። እቶም ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ እሞ ብዛዕባ እዚ ዝገበርካዮ ነገር እዚ ንመሰውኢ ቤት-ኤል እተዛረቦ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እዚ መቓብሩ እዩ፡ በልዎ።
Translation | Contextኰነ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ፈጺሙ ምስ ተሳገረ፡ እግዚኣብሄር ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ካብ ህዝቢ ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ንኣኻትኩም ውሰዱ፡ ካብዚ ኻብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ካብታ ኣእጋር ካህናት ቀጥ ኢለን ዝቘማላ ቦታ፡ ንኣኻትኩም ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣልዒልኩም ምሳኻትኩም ናብ ማዕዶ ተማልእዎ። ኣብቲ በዛ ለይቲ እዚኣ እትሓድሩሉ መሕደሪ ኣንብርዎ፡ ኢልኩም ከኣ ኣዝዝዎም። ሽዑ እያሱ ነቶም ካብ ደቂ እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፡ ዓሰተው ክልተ ሰብኣይ ኣዳልዩዎም ዝነበረ ጸውዖም። እያሱ ድማ በሎም፡ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ማእከል ዮርዳኖስ ሕለፉ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ፡ ብቚጽሪ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ ሓሓንቲ እምኒ ኣብ መመንኩብኩምን ኣልዕሉ። እዚ ኣብ ማእከልኩም ንምልክት ኪኸውን እዩ፡ ደቕኹም ብዚመጽእ ጊዜ፡ እዚ ኣእማን እዚ ንምንታይ እዩ፧ ኢሎም ምስ ዚጥይቑኹም፡ ሽዑ ንስኻትኩም፡ ማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዘቋረጸ፡ ብዮርዳኖስ ክሳገር ከሎ እቲ ማይ ዮርዳኖስ ኣቋረጸ፡ እሞ እዚ ኣእማን እዚ ንደቂ እስራኤል ንዘለኣለም ንመዘከርታ እዩ፡ ትብልዎም።
Translation | Contextኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ዳዊት ርእሲ ኣቦታት፡ ንሱ ኸም ዝሞተን ከም እተቐብረን፡ ንኣኻትኩም ብግሁድ ኪንገር ግቡእ እዩ። መቓብሩ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከልና አሎ።
Translation | Contextኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሞት ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ንእያሱ ወዲ ነዌ ኣገልጋሊ ሙሴ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ሙሴ ባርያይ ሞተ፡ ሕጂ ድማ ተንስእ፡ ንስኻን ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዝን ናብታ ኣነ ንኣታቶም፡ ንደቂ እስራኤል፡ ዝህቦም ምድሪ ነዚ ዮርዳኖስ ተሳገሮ። ከምቲ ንሙሴ እተዛረብክዎ፡ ከብዲ እግርኹም ዝረገጸታ ዘበለት ቦታ ንኣኻትኩም ሂበኩም አሎኹ። ዶብኩም ካብ በረኻን ካብዚ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ብዘላ ምድሪ ሔታውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ጸሓይ ዘሎ ዓብዪ ባሕርን ኪኸውን እዩ። ምሉእ ዕድሜኻ ዚቃወመካ ሰብ የልቦን። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፡ ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ። ኣይሐድገካን ኣይጥንጥነካንውን። እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሐልኩሎም ምድሪ፡ ንስኻ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸተረስትዮም ኢኻ እሞ፡ ጽናዕ፡ ትባዕ። ከምቲ ሙሴ ባርያይ ዝኣዘዘካ ዅሉ ሕጊ ንምግባሩ ኽትሕልዎ ጥራይ ደኣ፡ ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን። ናብ እትኸዶ ዅሉ ምእንቲ ኪቐንዓካስ፡ ካብኡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣይተግልስ። ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይተፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ። ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ። ሽዑ እያሱ ነቶም መኳንንቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ ብማእከል ሰፈር ሕለፉ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ምእንቲ ክትወርስዋ ንርስቲ ዚህበኩም ምድሪ ኽትአትውዋስ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ኽትሳገሩ ኢኹም እሞ፡ ስንቅኹም ኣዳልዉ፡ ኢልኩም ኣዝዙ። እያሱ ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝአዘዘኩም ቃል ዘክሩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኬዕርፈኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ኪህበኩም እዩ። ኣንስትኹምን ሕጻናትኩምን ከብትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሀበኩም ምድሪ ይንበሩ። ንስኻትኩም ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንኣኻትኩም፡ ነሕዋትኩም ድማ ክሳዕ ዘዕርፎም፡ ንሳቶም ከኣ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚወርሱ፡ ሓያላት ጀጋኑ ዘበልኩም ኵላትኩም ኣጽዋር ሒዝኩም፡ ነሕዋትኩም ክትድግፉ ቐቅድሚኦም ሕለፉ። ድሕርቲ ናብታ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ዝሀበኩም ምድሪ ርስትኹም፡ ክትወርስዋ ኽትምለሱ ኢኹም። ንእያሱ ድማ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፡ ዝአዘዝካና ዅሉ ንገብር፡ ናብ ዝለአኽካና ዘበለውን ንኸይድ። ከምቲ ንሙሴ ብዅሉ እተኣዘዝናዮ፡ ንኣኻ ኸኣ ክንእዘዘካ ኢና። ሓንትስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፡ ምሳኻ ድማ ይኹን። ዝዀነ ሰብ ንቓልካ ዚአብን ንዅሉ እትእዝዘና ዘረባኻ ዘይሰምዕን ይሙት። ሓንትስ ጽናዕ፡ ትባዕ ደኣ።
Translation | Contextጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም።
Translation | Contextእተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።
Translation | Contextእቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Contextኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበረ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ።
Translation | Contextጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና።
Translation | Contextመርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ሐዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ፡ ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን፡ ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመ። ድሕርዚ ንቕሩብ ጊዜ ኺፍታሕ ይግባእ እዩ። ዝፋናት ድማ ርኤኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡ፡ ፍርዲውን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ምእንቲ ምስክር የሱስን ምእንቲ ቓል ኣምላኽን እተሰየፉ፡ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ከኣ ዘይሰገዱ፡ ማሕተሙውን ኣብ ግምባሮም ወይስ ኣብ ኣእዳዎም ዘይተቐበሉ ድማ ርኤኹ። እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ። እቶም ዝተረፉ ምዉታት ግና እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ህይወት ኣይረኸቡን። እዚ እቲ ቐዳማይ ትንስኤ እዩ። ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡ ምስኡውን ሽሕ ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን። እተን ሽሕ ዓመት ምስ ተፈጸማ ኸኣ፡ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ፡ እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዚነብሩ ኣህዛብ፡ ንጎግን ማጎግን ኬስሕቶም፡ ንውግእውን ምእንቲ ኺእክቦም፡ ኪወጽእ እዩ፡ ቍጽሮም ድማ ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ግፍሒ ምድሪ ኸኣ ወጹ፡ ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍቅርቲ ኽተማን ድማ ከበቡ። ካብ ሰማይ ከኣ ሓዊ ወሪዱ በልዖም። እቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም። ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙ፡ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን። ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት፡ ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ። ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ሰማይ ዝፋነይ እዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ እቲ ኣነ ዝዐርፈሉ ስፍራኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ ኢደይ እያ ነዚ ዂሉ ዝገበረቶ፡ እዚ ኸኣ ኰይኑ አሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ግናኸ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘሎኹ። እቲ ብዕራይ ዚሐርድ፡ ከምቲ ንሰብ ዚቐትል እዩ፡ እቲ ገንሸል ዚስውእ ከምቲ ንኽሳድ ከልቢ ዚሰብር እዩ፡ እቲ ንመስዋእቲ ብልዒ ዜቕርብ ከምቲ ደም ሓሰማ ዚስውእ እዩ፡ እቲ ዕጣን ዚዐጥን ከምቲ ንጣኦት ዜመስግን እዩ። እወ፡ መገድታት ርእሶም ሐረዩ፡ ነፍሶም ድማ ብጽያፎም ባህ በላ። ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እኩይ ገበሩ፡ ባህ ዘየብለኒውን ሐረዩ እምበር፡ ጸዊዔ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፡ ተዛረበ ኸኣ ኣይሰምዑንን እሞ፡ ኣነ ኸኣ ጒድኣቶም ክሐሪ፡ ዜሰክሖም ድማ ከውርደሎም እየ። ኣቱም ብቓሉ እትርዕዱ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ እቶም ዚጸልኡኹምን ብዛዕባ ስመይ ዚሰጉኹምን ኣሕዋትኩም፡ ሓጐስኩም ምእንቲ ኽንርእስ፡ እግዚኣብሄር ይኽበር፡ ይብሉ፡ ግናኸ ኪሐፍሩ እዮም። ድምጺ ታዕታዕ ካብ ከተማ፡ ድምጺ ኻብ ቤት መቕደስ ይስማዕ አሎ፡ ድምጺ እቲ ንጸላእቱ ፍዳ ዚፈዲ እግዚኣብሄር እዩ። ቅልውላው ከይሐዛ ወለደት፡ ከይተጻዕረት ከኣ ወዲ ወለደት። ከምዚ ዘመሰለ መን ሰምዔ፧ ከምዚ ዝበለኸ መን ረአየ፧ ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ጽዒራ ትወልድ እያ፧ ህዝቢዶኸ ብሓንቲ ጊዜ ይውለድ እዩ፧ ጽዮን ግና ቅልውላው ምስ ሓዛ፡ ብኡብኡ ደቃ ወለደት። ኣነ ንምውላድ ዘብጻሕኩስ፡ ሓይሊ ምውላድዶ ኣይህብን እየ፧ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንምውላድ ሓይሊ ዝህብከ፡ ንማሕጸንዶ እዐጹ እየ፧ ይብል ኣምላኽኪ። ክትጠብውን ኣብ ኣጥባት ምጽንንዓ ኽትጸግቡን፡ ክትምጥምጡን ብብዝሒ ኽብረት ኺፍሽሕወኩምንሲ፡ ምስ የሩሳሌም ተሐጐሱ፡ ኣቱም እተፍቅርዋ ዂላትኩም ከኣ ብእኣ ደስ ይበልኩም። ኣቱም ዝሐዘንኩምላ ዂላትኩም፡ ተሐጒስኩም ምስኣ እልል በሉ። እግዚኣብሄርሲ ኸምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ሰላም ከም ፈሳሲ ርባ፡ ክብረት ኣህዛብ ከኣ ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኬውሕዘላ እዩ፡ ንስኻትኩም ድማ ክትጠብው፡ ክትሕቈፉ ኢኹም፡ ኣብ ኣብራኾም ኬሳራስሩኹም እዮም። ከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ ከምኡ ኸጸናንዓኩም እየ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኽትጸናንዑ ኢኹም። ልብኹም ከኣ እዚ ርእዩ ኺሕጐስ እዩ፡ ኣዕጽምትኹም ድማ ከም ዚጥጥዕ ሳዕሪ ሓይሊ ኺውስኽ እዩ። ኢድ እግዚኣብሄር ንባሮቱ ኽትፍለጥ እያ፡ ንጸላእቱውን ኪቚጥዖም እዩ። ኲራኡ ብነድሪ፡ መግናሕቱ ኸኣ ብሃልሃልታ ሓዊ ኺፈዲ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ብሓዊ ኺመጽእ እዩ፡ ሰረገላታቱውን ከም ህቦብላ ኪዀና እየን። እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ስጋ ዝለበሰ ብሓውን ሰይፍን ኪፈርዶ እዩ እሞ፡ እቶም እግዚኣብሄር ዚቐትሎም ብዙሓት እዮም። እቶም ደድሕሪ እቲ ኣብ ማእከል ዘሎ ናብ ኣታኽልቲ ኪኸዱ ንነፍሶም ዚቕድሱን ዜጽርዩን፡ ስጋ ሓሰማን ፍንፋንን ኣናጹን ዚበልዑ ዂሎም ብሓደ ኺጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ግብሮምን ሓሳቦምን እፈልጥ እየ፡ ኲሎም ኣህዛብን ቋንቋታትን ዝእክበሉ ዘመን ይመጽእ አሎ፡ ንሳቶም ከኣ ኪመጹን ክብረተይ ኪርእዩን እዮም። ኣባታቶም ከኣ ትእምርቲ ኽገብር እየ፡ ነቶም ካባታቶም ዘምለጡ ናብ ኣህዛብ፡ ናብቶም መንትግ ዚውርውሩ ሰብ ተርሲስን ፋልን ሉድን ናብ ቱባልን ያዋንን፡ ናብተን ወረይ ዘይሰምዓ፡ ክብረይ ከኣ ዘይረኣያ ርሑቓት ደሴታትን ክልእኽ እየ፡ ንሳቶም ድማ ክብረይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኪነግሩ እዮም። ከምቲ ደቂ እስራኤል ንመባኦም፡ ብጽሩይ ኣቕሓ ገይሮም፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዜምጽእዎ፡ ንዂሎም ኣሕዋትኩም ድማ፡ መባእ እግዚኣብሄር ገይሮም፡ በፍራስን ብሰረገላታትን ብቓሬዛታትን በባቕልን ብፈጠናት ኣግማልን ካብ ኲሎም ኣህዛብ ናብቲ ቅዱስ ከረነይ ናብ የሩሳሌም ኬምጽእዎም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ካህናትን ሌዋውያንን ዚዀነ ኸኣ ካባታቶም ክወስድ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ኣብ ቅድመይ ዚነብር፡ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኪነብር እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብ ሰርቂ ወርሒ ኽሳዕ ሰርቂ ወርሒ፡ ካብ ሰንበት ከኣ ክሳዕ ሰንበት፡ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድመይ ኪሰግድ ኪመጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ወጺኦም ከኣ ንሬሳታት እቶም ካባይ ዝዐለው ኺርእዩ እዮም፡ ሓሰኻኦም ኣይኪመውትን፡ ሓዎም ድማ ኣይኪጠፍእን እዩ እሞ፡ ንዂሉ ስጋውን መፈንፈኒ ኪዀኑ እዮም።
Translation | Contextከምቲ ኣነውን ዝሰዐርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ፡ ነቲ ዚስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ።
Translation | Context