Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

tough decisions


ዮሃንስ 5:30 | 15 Helpful votes

ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልንፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ከማቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 13 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 119:105 | 5 Helpful votes

ቃልካ ንእግረይ መብራህቲንመገደይ ብርሃን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:1-33 | 4 Helpful votes

ሰብ ብልቡ ሓሳባት የዳሉመልሓስ እትመልሶ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ። ሰብሲ ኵሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንጹህ እዩ፡ መናፍስቲ ዚመዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ። ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ፡ ሽዑ ሓሳባትካ ኪቀውም እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኵሉ ንምዱብ ነገር፡ ከምኡውን ንረሲእ ንመዓልቲ ሕሰም ፈጠሮብልቡ ዚዕበ ዘበል ዅሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ኢድ ብኢድ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን። ብምሕረትን ብሓቅን ስሬት ኣበሳ ይርከብ፡ ሰብውን ብፍርሃት እግዚኣብሄር ካብ እከይ ይርሕቕእግዚኣብሄር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ፡ ነቶም ጸላእቱ እኳ ምስኡ ብሰላም የንብሮም። ካብ ብዙሕ እቶት ምስ ዓመጻሒደት ምስ ጽድቂ ይሐይሽልቢ ሰብ መገዱ ይምድብንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ። ኣብ ከናፍር ንጉስሲ ንግራት ኣምላኽ አሎ፡ ኣፉ ብፍርዲ ኣይጋገንሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ኣብ ከርጺት ዘሎ ዅሉ መምዘኒ ኸኣ ተግባሩ እዩ። ዝፋን ብጽድቂ እዩ ዚጸንዕ እሞ፡ ነገስታት ንረሲእነት ይፍንፍንዎጻድቃን ከናፍር ንነገስታት የሐጕሳኦም፡ ነቲ ቅንዕና ዚዛረብውን የፍቅርዎቍጥዓ ንጉስሲ ልኡኽ ሞት እዩ፡ ጥበበኛ ሰብ ግና የህድኦገጽ ንጉስ እንተ በርሄህይወት እዩ፡ ሞገሱ ኸኣ ከም ደበና ጽብሓት እዩ። ካብ ምጥራይ ወርቂ ክንደይ ኰን ምጥራይ ጥበብ ይበልጽ። ካብ ምጥራይ ብሩርሲ ምጥራይ ምስትውዓል ክንደይ ኰን ይኸብር። ጐደና እቶም ቅኑዓት ካብ ኣኩይ ምርሓቕ እዩ፡ እቲ ንመገዱ ዚጥንቀቐላ ንነፍሱ ይሕልዋንውርደት ትዕቢት ትቕድማንውድቀት ከኣ ኵርዓት። ምስቶም ዕቡያት ዘመተ ኻብ ምክፋልሲ፡ ምስቶም መሳኪን ደኣ ብመንፈስ ትሑት ምዃን ይሐይሽ። ነቲ ቓል ዜቅልበሉ ሰናይ ይረክብብእግዚኣብሄር ዚእመን ከኣ ብጹእ እዩ። ጥበበኛ ዝልቡ መስተውዓሊ ይበሀልጣዕሚ ኸናፍር ከኣ ትምህርቲ ይውስኽምስትውዓል ንዜጥርያ ሰብ ፈልፋሊት ህይወት እያ፡ ዕሽነት ግና ነቶም ዓያሱ ቕጽዓቶም እያ። ልቢ እቲ ጥበበኛ ንኣፉ መስተውዓሊ ይገብሮ፡ ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኸንልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ፡ ንነፍሲ ጥዑምነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ። ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አሎ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ። ኣፉ ይድርኾ እዩ እሞ፡ ጥሜት እቲ ዓያዪ ስሌኡ ኢሉ ይዓዪሕሱም ሰብ እከይ ይዅዕት፡ ኣብ ከናፍሩ ኸኣ ከም ዚባላዕ ሓዊ አሎ። ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም። ግፍዔኛ ሰብ ንብጻዩ ይሐባብሎ እሞ፡ ሰናይ ናብ ዘይኰነት መገዲ ይመርሖበዒንቱ ዚጠቅስ ሓሳባቱ ጠዋይ እዩ፡ ከናፍሩ ዚርምጥጥ ከኣ ነቲ ኽፍኣት ፈጺምዎ እዩ። ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብንዅራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ፡ ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ከኣ መንፈሱ ዚገዝእ ይበልጽ። ዕጭ ናብ ሕቝፊ እዮም ዜውድቑ፡ ንመን ከም ዚበጽሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዚምድቦ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 1:13 | 4 Helpful votes

ነቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ጥዑይ ቃል ከኣ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕር ንምሳሌ ሐዞ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 4:8 | 3 Helpful votes

ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀልኹም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 4:16 | 2 Helpful votes

እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና።

Translation | Context
እብራውያን 4:15 | 2 Helpful votes

ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን እሞ፡ ብሰማያት ዝሐለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናትየሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወናስምእማንና ነጽንዕ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:1-21 | 2 Helpful votes

ንየሱስንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንወላዲ ዜፍቅሮ ዅሉ ኸኣ፡ ነቲ ኻብኡ እተወልደውን የፍቅሮንኣምላኽ ምስ እነፍቅሮ ትእዛዛቱውን ምስ እንሕሉ፡ ነቶም ውሉድ ኣምላኽ ከም እነፍቅሮም፡ በዚ ኢና እንፈልጥፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ፡ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ። ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ። ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ፧ እቲ ብማይን ብደምን ዝመጸ እዚ እዩ፡ ማለት፡ የሱስ ክርስቶስብማይን ብደምን እምበር፡ ብማይ ጥራይ ኣይኰነን ዝመጸ። እቲ መንፈስውን ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ መንፈስ እዩ ዚምስክር ዘሎ። እቶም ዚምስክሩ ኸኣ መንፈስን ማይን ደምንሰለስተ እዮም እሞ፡ ሰለስቲኦም ሓደ እዮም። እቲ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር፡ እዚ እቲ ምስክር ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ምስክር ሰብ እንቕበል እንተ ዄንናስ፡ ምስክር ኣምላኽ ካብኡ ይበልጽ እዩ። ብወዲ ኣምላኽ ዚኣምን፡ እቲ ምስክር ኣብ ውሽጡ አለዎ። እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር ስለ ዘይኣመኖ፡ ንእኡ ሓሳዊ ገይርዎ አሎ። ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሀበና፡ እቲ ምስክር እዚ እዩ እሞ እዛ ህይወት እዚኣ ኣብ ወዱ አላ። እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት አላቶወዲ ኣምላኽ ዜብሉ ህይወት የብሉን። ንኣካትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ። ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ካብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና። ሓደንሓዉ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኪገብር እንተ ረኣዮይለምን፡ ኣምላኽውን ነቶም ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ዝገበሩስ ህይወት ኪህቦም እዩ። ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት አሎ፡ ብዛዕባዚ ኣይኰንኩን ይለምን ዝብል ዘሎኹ። ዓመጻ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት እዩ፡ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት አሎ። እቲ ኻብ ኣምላኽ እትወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕሉ፡ እቲ እኩይውን ኣይትንክዮን እዩ እምበር፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደስሓጢኣት ከም ዘይገብርንፈልጥ ኢና። ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና። ግናኸ እቲ ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ ነቲ ብዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝሀበናንፈልጥ ኢና፡ ንሕና ኣብቲ ብዓል ሓቂ፡ ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኢና ዘሎና። እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ። ኣቱም ደቀየ፡ ካብ ጣኦታት ተሐለዉ

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:9 | 2 Helpful votes

ጐይታስኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 30:2 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣጥዔኻኒ

Translation | Context