Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

1 bible verses about

tower of babel


ዘፍጥረት 11:1-9 | 25 Helpful votes

ምድሪ ብዘላ ብሓደ ቛንቋን ብሓደ ንግግርን ነበረት። ኰነ ድማ፡ ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጓዕዙኣብ ምድሪ ሲነኣር ጐልጐል ረኸቡኣብኡ ድማ ተቐመጡንሓድሕዶም ድማ፤ ክላ ግዳጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ንድፈኖተባሃሀሉ፡ እሞ ጡብ ኣብ ክንዲ እምኒጸብሪ ኸኣ ኣብ ክንዲ ኖራ ዀነሎም። ሽዑ ድማ፡ ክላ ግዳኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ፋሕ ከይንብልሲከተማን ርእሱ ሰማይ ዝጥንቍር ግምብን ንስራሕስምና ኸኣ ነጸውዕበሉእግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ደቂ ሰብ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግምብን ኪርኢ ወረደእግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ኵላቶም ሓደ ዝዘረባኦም ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀመርታ ግብሮም ከኣ እዚ እዩ። ሕጂ ድማ ኪገብርዎ ኢሎም ዚህቅንዎ ዘበለ ዚኽልክሎም የልቦን። እምበኣር ማንም ንዘረባ ብጻዩ ምእንቲ ኸይሰምዕሲንዑ ንውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ዘረባኦም ንደባልቕ፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ካብኡ ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎምምስራሕ እታ ኸተማ ኸኣ ገደፉእግዚኣብሄር ኣብኣ ቛንቋ ዅላ ምድሪ ፋሕፋሕ ስለ ዘበለ፡ ስም እታ ኸተማ ባቤል ተባህለ፡ ካብኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ በተኖም

Translation | Context