Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

tragedy


ዮሃንስ 16:33 | 24 Helpful votes

ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹምኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹምግናኸ ኣጆኹምኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
መዝሙር 34:18 | 15 Helpful votes

እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም

Translation | Context
ሮሜ 12:19 | 11 Helpful votes

ፍቁራተይምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበርባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:1-3 | 5 Helpful votes

ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነትንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕኣእዋም ጽድቂንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄርተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።

Translation | Context
ኣንባቆም 3:17-19 | 4 Helpful votes

ኦም በለስ ኣይክትዕምብብን፣ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኣይኪህብን፣ ፍረ ኣውሊዕ ኪጠልምግርሁ ምግቢ ኣይኩህቡን እዩ፣ ኣባጊዕ ካብ ደምበ ኺጠፍኣኣሓውን ኣብ ደምቤታት ኪሰኣና እየን። ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፣ ብኣምላኽ ምድሀነይ እልል ክብል እየ። እግዚኣብሄር፣ እቲ ጐይታሓይለይ እዩ፣ ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ይገብረን፣ ኣብቲ በሪኽ ቦታይውን ኬመላልሰኒ እዩ። ንመሪ ጌታ ብመሰንቆ

Translation | Context
ማቴዎስ 24:35 | 4 Helpful votes

ሰማይን ምድርን ኪሐልፍቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 46:1-3 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልንብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ። ስለዚ ምድሪ እንተ ተገልበጠትኣኽራን ኣብ መዓሙቚ ባሕሪ እንተ ተናወጹማያቱ እንተ ሀመመን እንተ ዐፈረንኣኽራን ብነድሮም እንተ አንቀጥቀጡ፣ ንሕናስ ኣይንፈርህን ኢና። [ሴላ።]

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 3 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
መዝሙር 121:1-2 | 3 Helpful votes

ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል አሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ።

Translation | Context
ድጒዓ 3:31-33 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄርሲ ንዘለኣለም ኣይውግድን እዩ እሞ፡ እንተ ኣጒህየ እኳ፡ ከምቲ ብዝሒ ጸጋኡ ይርሕርሕ እዩ። ንደቂ ኣዳም ዜዋርዶምን ዜጒህዮምንሲ ብፍታው ልቡ ኣይኰነን።

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 3 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 57:1-2 | 3 Helpful votes

ጻድቕ ይመውት እሞ ዚሐስቦ የልቦን፡ እቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ከኣ ይምንጠሉ እሞ፡ እቲ ጻድቕ ካብ እከይ ከም እተኣርነበ ዜስተንትኖ የልቦን። ናብ ሰላም ይኣቱ፡ እቶም ብቕንዕና እተመላለሱ ኣብ መደቀሲኦም ይዐርፉ

Translation | Context
መዝሙር 138:1-8 | 2 Helpful votes

ብምሉእ ልበይ ኤመስግነካ፣ ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቲ ምስጋናኻ እዝምር። ንቓልካ ሓለፋ ዅሉ ስምካ ኣዕቢኻዮ ኢኻ እሞ፣ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድንስምካውን ስለ ሳህልኻን ሓቅኻን ኢለ ኸመስግኖ እየ። በታ ዝጸዋዕኩላ መዓልቲ መለስካለይ፣ ኣትባዕካኒ፣ ንነፍሰይ ኣበርታዕካያጐይታየ፣ ኵሎም ነገስታት ምድሪቃላት ኣፍካ ሰሚዖምኬመስግኑኻ እዮም። ክብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፣ ብዛዕባ መገድታት እግዚኣብሄር ኪዝምሩ እዮም። እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ፣ ንትሑት ይርእዮ፣ ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮብማእከል መከራ እኳ እንተ ኸድኩ፣ ንስኻ ህያው ትገብረኒ፣ ኢድካ ኣብ ኵራ ጸላእተይ ትዝርግሕየማነይቲ ኢድካውን ተድሕነኒእግዚኣብሄር ኪፍጽመለይ እዩ፣ ጐይታየጸጋኻ ንዘለአለም ይነብር፣ ንተግባር ኣእዳውካ ኣይትሕደጎ

Translation | Context
ያእቆብ 1:2-4 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየበበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩምንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።

Translation | Context
ሮሜ 10:9 | 2 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርንይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካክትድሕን ኢኻ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:25-31 | 2 Helpful votes

ክመዓራረዩስ፡ ምስ መን ከተማሳስሉኒ ኢኹም፧ ይብል እቲ ቅዱስኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ፡ ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ፡ በብስሞም ዚጽውዖም እዩ፡ ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን። ኣታ ያእቆብ፡ ከመይ ደኣ ኸምዚ ትብልኣታ እስራኤልሲ፡ ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ መገደይ ካብ እግዚኣብሄር ሕብእቲ እያ፡ ፍርደይ ከኣ ካብ ኣምላኸይ ሐሊፉ እዩ፡ ኢልካ ትዛረብ፧ እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርንኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧ ንድኹም ሓይሊ ይህብንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉንኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን

Translation | Context