Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

transforming your heart


ህዝቅኤል 36:26 | 14 Helpful votes

ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም፣ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፣ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውጽእ፣ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ።

Translation | Context
ሮሜ 12:1-21 | 11 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ። ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስትንቢት እንተ ዀይኑብልክዕ እምነትና ይኹን። ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱዚህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ። ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩምብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ንምትጋህ ኣይትተሃከዩብመንፈስ ተቓጸሉንእግዚኣብሄር ኣገልግሉብተስፋ ተሐጐሱብጸበባ ተዓገሱጸሎት ኣዘውትሩብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። ንዚሰጉኹም መርቑመርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበርባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮእዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 5:17 | 11 Helpful votes

ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉእንሆኵሉ ሓድሽ ኰይኑ

Translation | Context
ኤፌሶን 1:18 | 7 Helpful votes

እሞ ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁተስፋ ጽውዓኡ እንታይ ምዃኑ፡ ሃብቲ ርስቲ ኽብሩ ኣብ ቅዱሳንውን እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጡ፡ እጽሊ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:1-25 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ንዅሉ ኽፍኣትን ኵሉ ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ኵሉ ሕሜትን ኣርሕቕዎእግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ። ናብቲ ብሰብ ንዑቕብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡ ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡንቕዱስ ክህነት ዚኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሀነጹስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን ኤንብር አሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ከኣ ኣይኪሐፍርን እዩ፡ ዚብል ኣብቲ ጽሑፍ አሎ። ስለዚ ንኣኻትኩም እትአምኑክቡር እዩነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነእምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማ እዩ። ብዘይ ምእዛዞም በቲ ቓል ይዕንቀፉነዚ ድማ ምዱባት እዮም። ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነትቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም። ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩምሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሐርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ምሑራት ኢኹም። ኣቱም ፍቁራተይከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም አሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዘዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሐቑእቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑከምዚ ሰናይ እናገበርኩምዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዐብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ኸም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዘሎ ንጉስወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ኪቐጽዑንገበርቲ ሰናይ ኪንእዱካብኡ እተላእኩ መኳንንቲስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዚገብርዎ ኣይትኩኑንዅሉ ሰብ ኣኽብሩሕውነት ኣፍቅሩንኣምላኽ ፍርህዎንንጉስ ኣኽብርዎ። ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተአዘዝዎምሓደ እኳ ስለ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዐሚጹ ጓሂ እንተ ተዐገሰ፡ እዚ ጸጋ እዩ። ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዐገስኩም፡ እንታይ ትምክሕቲ አለዎ፡ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈመከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበርዘየፈራርሄንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹምከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም አሎኹም።

Translation | Context
ፊልጲ 1:6 | 5 Helpful votes

እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ ኸኣ፡ ንሱ ኽሳዕ እታ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚፍጽሞእዚ ተረዲኤዮ አሎኹ።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:1-51 | 4 Helpful votes

ቃል ብመጀመርታ ነበረእቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረእቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረእዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦንህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህጸልማት ግና ኣይሐዞንዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረንእቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረኣብ ዓለም ነበረዓለምውን ብእኡ ዀነትዓለም ግና ኣይፈለጠቶንናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎንነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። እቲ ቓል ስጋ ዀነጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤናዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረእቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልናሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦንእቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲንሱ ኣግሃዶኣይሁድንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎንሱ ኸኣኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻኣይኰንኩንኢሉ መለሰሎምሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብልበልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነስከምቲ ነብዪ ኢሳይያስመገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑዝበሎኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎምእቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎዮሃንስ ድማ፥ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ አሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይ ትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ አሎ። እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእንሱ እዩኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቕዕ እየ፡ ኡሉ መለሰ። እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኰነንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረአየ እሞእንሆሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽበለ። እቲ ብዛዕባኡ፥ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩዮሃንስ ድማመንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹኢሉ መስከረ። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለአኸኒ ደኣ፥ እቲመንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎንኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ። ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞእንሆገንሸል ኣምላኽበለ። እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖምንየሱስ ሰዓብዎየሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩእንታይ ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፥ ረቢትርጉሙ መምህርኣበይ ሰፊርካ አሎኻ፧ በልዎ። ንሱ፥ ንዑ ርኣዩበሎምመጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዓሉኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረትካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዐብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞንመሲህክርስቶስ ዝትርጉሙረኺብናዮበሎናብ የሱስውን ኣምጽኦየሱስ ከኣ ጠሚትዎንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ - ጴጥሮስ ዝትርጉሙክትብሃል ኢኻበሎንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞስዓበኒበሎፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤተ-ስይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ፥ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉየሱስወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬትረኺብናዮበሎናትናኤል ድማካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል እዩ፧ በሎፊልጶስውንንዓ ርኤበሎየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮብዛዕባኡእንሆጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊበለናትናኤልኣበይ ትፈልጠኒበሎየሱስ ከኣ፥ ፊልጶስ ከይ ጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካኢሉ መለሰሉናትናኤል ድማረቢንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻኢሉ መለሰሉየሱስ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱመላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ።

Translation | Context
እብራውያን 4:12 | 4 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስንመንፈስንመፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 2:1-22 | 3 Helpful votes

ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብናይ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ቓል እዚ እዩ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም፡ ኣብ ልዕሊ ዂድዂዶታት ድማ ልዕል ኪብል፡ ኲሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። ሕጊ ኻብ ጽዮንቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ የሩሳሌም ኪወጽእ እዩ እሞ፡ ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ፡ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ፡ ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረናብመገድታቱ ክንመላለስ ኢና፡ ድማ ኪብሉ እዮም። ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኪፈርድንብዙሓት ህዝብታትውን ኪዳንዮም እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታትኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም። ኣቱም ቤት ያእቆብንዑ ዀታ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስንቤት ያእቆብህዝብኻ፡ ብኣመል ሰብ ምብራቕ ስለ ዝመልኡ፡ ከም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ስለ ዝጠንቈሉ፡ ምስ ደቂ ጓናውን ኣገና ስለ ዝጠቕዑ፡ ሐደግካዮምሃገሮምሲ ብሩርን ወርቅን ምሉእ እዩ፡ ዕቋሮም ድማ ታእላው የብሉን። ሃገሮም ከኣ ኣፍራስ ሞሉእ እዩ፡ ዓረብያታቶምውን ታእላው የብሉን። ሃገሮም ድማ ጣኦታት ምሉእ እዩ፡ ንግብሪ ኣእዳዎም፡ ነቲ ኣጻብዖም ዝገበራኦ ይሰግድሉ። እቲ ጥቑዕ ሰብ ከኣ ለጠቕ ይብል፡ እቲ ምርኡይ ሰብ ድማ ይዋረድ አሎ፡ ስለዚ ይቕረ ኣይትብለሎምን ኢኻ። ኣብ በዓቲ እቶ፡ ካብ ረዓድ እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ኽብሪ ግርማኡን ኣግሊስካ ኣብ ሓመድ ተሐባእ። እተን ዕቡያት ኣዒንቲ ሰብ ለጠቕ ኪብላ እየን። ትዕቢት ሰባት ከኣ ኪዋረድ እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ኪብል እዩ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንዂሉ ዕቡይን ኲሩዕን ልዕል ንዝበለ ዂሉን ኬዋርዶመዓልቲ ቘሪጹ አሎ እሞ፡ ኣብ ኲሉ ዓብይን ልዕል ዝበለ ኣእዋም ሊባኖስን ኣብ ኲሉ ኣእዋም ባሳንን፡ ኣብ ኲሉ ነዊሕ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ ልዕል ዝበለ ዀረቢትን፡ ኣብ ብዘሎ ነዊሕ ግምብን ኣብ ብዘሎ ጽኑዕ ቀጽርን፡ ኣብ ኲለን መራኽብ ተርሲስን ኣብቲ ንምርኣይ ዜተምኒ ዘበለን መዓልቲ ቘሪጹ አሎ እሞ፡ ትዕቢት ሰብ ኪዋረድኲርዓት ሰባት ድማ ኪሐስር እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣስ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ኪብል እዩ። ጣኦታትውን ብጥራስ ኪጠፍኡ እዮም። ንምድሪ ኼሸብራ ምስ ዚትንስእ፡ ካብ ረዓድ እግዚኣብሄርን ካብ ቅድሚ ኽብሪ ግርማኡን ኣግሊሶም፡ ናብ በዓትታት ኣኻውሕን ናብ ጐዳጒድ ምድርን ኪኣትው እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ኪሰግዱሎም ዝገበርዎም ጣኦታት ብሩሮምን ጣኦታት ወርቆምንሲ ንፍሒራታትን ነዕዋፍ ለይትን ኪድርብይዎም እዮም። ንምድሪ ኼሸብራ ምስ ዚትንስእ፡ ካብ ረዓድ እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ኽብሪ ግርማኡን ኣግሊሶም ናብ በዓትታት ኣኻውሕን ናብ ምንቃዕ ኣኻውሕን ኪኣትው እዮም። በቲ ትንፋስ ኣብ ኣፍንጫኡ ዘለዎ ሰብ ኣይትወከሉ፡ ብምንታይከ ኣዩ እተቋጽርዎ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 3 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 3 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹምዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑንቕሑ

Translation | Context