Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።
Translation | Contextኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ።
Translation | Contextነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም። ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።
Translation | Contextእንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ ዓስበይ ምሳይ እዩ።
Translation | Contextከምቲ ንቕዱሳን ዚግባኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም። ዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም። ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዜብሉ ትፈልጡ አሎኹም።
Translation | Contextነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ።
Translation | Contextየሱስ ድማ ኣብ መንጽር ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ፡ እቶም ሰብ ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዜውድቑ ረአየ። ብዙሓት ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑ። ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን፡ ሓደ ቆድራንቴን ዚኣክል፡ ኣውደቐት። ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቑ ዅሎም ዚበዝሕ ከም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኵሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ፡ እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሃበት፡ በሎም።
Translation | Contextእቶም ዝአመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን። ሃዋርያት ከኣ ብብዙሕ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ፡ ኣብ ኲሎም ከኣ ዓብዪ ጸጋ ነበረ። ኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዜድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን።
Translation | Contextንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።
Translation | Contextእቶም ዝአመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ።
Translation | Contextእቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።
Translation | Contextጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኺንአዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባባያትን ዚገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይተንፍሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ኪኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ።
Translation | Contextመዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።
Translation | Context