Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

trees


ኤርምያስ 17:8 | 14 Helpful votes

ንሱ ኸምታ ኣብ ጥቓ ማይ እተተኽለትሱራ ኣብ ርባ ኣቢሉ ዜሳፍሕ ኦም እዩ፡ ዋዒ እንተ መጸኣይትፈርህንቈጽላ ኸኣ ለሚዑ ይነብር። ብዓመት ደርቂ ኣይተንክርን፡ ካብ ምፍራይውን ኣይትቋርጽን

Translation | Context
መዝሙር 1:3 | 12 Helpful votes

ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ

Translation | Context
እዮብ 14:7 | 11 Helpful votes

ኦምሲ ተስፋ አለዎ፡ እንተ ተቘርጸ እኳ መሊሱ ይጥጥዕውልዶታቱ ኸኣ ኣይውዳእን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 16:33 | 8 Helpful votes

ንምድሪ ኺዳንያ ይመጽእ አሎ እሞ፡ ሽዑ ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ይበላ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:17 | 6 Helpful votes

ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ

Translation | Context
ዳንኤል 4:10-12 | 6 Helpful votes

እቲ ኣብ ምድቃሰይ ከሎኹ ዝርኤኹዎ ራእይ ርእሰይ ከምዚ እዩ፣ እንሆኦም ኣብ ማእከል ምድሪ ርኤኹቍመታ ኸኣ ነዋሕ እያ። እታ ኦም ዐብያን በርቲዓንቍመታ ኽሳዕ ሰማይ በጺሑ፣ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ትርኤ ነበረት። ቈጽላ ጽቡቕ ነበረ፣ እቲ ፍሬኣ ብዙሕንዅሉ ኸኣ ምግቢ ነበራ። እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቲኣ ኣጽሊለንኣዐዋፍ ሰማይ ኣብ ጨናፍራ ሰፉረን ነበራ፣ ስጋ ዝለበሰ ዅሉውን ካብኣ ይምገብ ነበረ።

Translation | Context
ራእይ 22:14 | 3 Helpful votes

ኣብታ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብታ ኸተማውን ብደጌታታ ምእንቲ ኺኣትዉስ፡ እቶም ክዳውንቶም ዚሐጸቡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ምሳሌ 13:12 | 3 Helpful votes

ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖእተፈጸመ ድሌት ግና ኦም ህይወት እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:9 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ዜብህግምብላዑ ዝጥዑም ኵሉ ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ፡ ኣብ ማእከል ገነት ከኣ ኦም ህይወት፡ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ድማ።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:7 | 2 Helpful votes

ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሃኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩምከምቲ እተመሃርኩምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ

Translation | Context
ኢሳይያስ 60:13 | 2 Helpful votes

ነቲ ስፍራ መቕደሰይ ምእንቲ ኺስልምዎክብሪ ሊባኖስጽሕድን ሙዝን ዝበንሐቢሮም ኪመጹኺ እዮም። ኣነውን ንስፍራ መርገጽ እግረይ ከኽብሮ እየ።

Translation | Context
ራእይ 22:2 | 2 Helpful votes

ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት አላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ አሎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:17 | 2 Helpful votes

ንኣዳም ከኣ፡ ቃል ሰበይትኻ ስለ ዝሰማዕካ እሞ ካብታ፡ ካብኣ ኣይትብላዕኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕካምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 19:5 | 2 Helpful votes

ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰእንሆ ድማ፡ መልኣኽ ነቒኒቑተንስእ እሞ ብላዕበሎ

Translation | Context
መዝሙር 52:8 | 2 Helpful votes

ኣነ ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ልምዕቲ ኣውሊዕ እየ፣ ኣብ ጸጋ ኣምላኽውን ንዘለአለም ኣለም እውከል

Translation | Context
ሮሜ 11:16-27 | 2 Helpful votes

እቲ ቀዳማዩ ቅዱስ እንተዀነ፡ እቲ ብሑቝ ከኣ ቅዱስ እዩ። እቲ ሱር ቕዱስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ጨነፍሩውን ቅዱስ እዩ። ካብቶም ጨነፍር ሓያሎ እንተተሰብሩ እሞ ንስኻ፡ ኣውልዕ በረኻ ክነስኻ፡ ኣብ መንጎኦም እንተ ተተኸልካ፡ ካብቲ ሱርን ማራ ኣውልዕን ድማ ተማቓሊ እንተዀንካ፡ ኣብቶም ጨነፍር ኣይትከበርእንተተኸበርካ ግና፡ እቲ ሱር እዩ ንዓኻ ጾይሩካ ዘሎ እምበር፡ ነቲ ሱር ንስኻ ኣይኮንካን ጾይርካዮ ዘሎኻ። ምናልባሽ ንስካ፡ ኣና ምእንቲ ኽትከል እዮም እቶም ጨነፍር እተሰብሩትብል ትኸውን። ጽቡቕ፡ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፡ ንስኻ ግና ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ አሎኻ። ፍራህ ደኣ እምበር ብልብኻ ኣይትተዓበኣምላኽ ነቶም ካብ ባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ኻብ ዘይነሐፎምንዓኻውን ኣይኪንሕፈካን እዩ። እምብኣርሲ ናይ ኣምላኽ ለውሃትን ጭከናን ተመልከት፡ ኣብቶም ዝወደቑ ጭከናኡ፡ ንኣኻ ግና፡ ኣብቲ ለውሃቱ እንተጸናዕካ፡ ለውሃት ኣምላኽ። እንተ ዘይኰነስ ንስኻውን ክትቁረጽ ኢኻ። ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተዘይጸንዑ ግና፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪተኽሎም ይኽእል እዩ እሞ፡ ኺትከሉ እዮም። ንስኻ ካብታ ብባህርያ ኣውልዕ በረኻ ተቖሪጽካ ብዘይመገዲ ባህርይ ኣብታ ጽብቕቲ ኣውልዕ ካብ ተተኸልካስ፡ እቶም ብባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ግዳ ከመይ ኣብታ ኦም ኣውልዖም ኣጸቢቖም ዘይትከሉኣሕዋተየብርእስኹም ብልህታት ዝዀንኩም ምእንቲ ከይመስለኩምሲ፡ ምልኣት ኣህዛብ ክሳዕ ዚኣቱ፡ ንሓያሎ ካብ እስራኤል ትሪ ልቢ ከምዝበጽሖምእዚ ምስጢር እዚ ዘይትፈልጡ ክትኮኑ፡ ኣይፈቱን እየ። ከምቲ ጽሑፍተበጃዊ ካብ ጽዮን ኪመጽእ እዩ፡ ካብ ያእቆብ ከኣ ረሲእነት ኬርሕቕ እዩ፡ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩኪዳነይ ምሳታቶም እዚ ኪኸውን እዩ፡ ዚብሎ፡ ብዘሎ እስራኤል ኪድሕን እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:3-6 | 2 Helpful votes

ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ግና ኣምላኽከይትሞቱስ፡ ካብኣ ኣይትብልዑ ኣይትተንክይዋውንበለ። እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ ኣይፋልኩም፡ ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ፡ ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር፡ ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም፡ በላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ እታ ኦም ምብላዓ ጥዕምቲነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ፡ ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት፡ ምስኣ ኸኣ ንሰብኣያ ሀበቶ፡ ንሱውን በልዔ

Translation | Context