Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

true friends


ምሳሌ 18:24 | 19 Helpful votes

ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይጠፍእ፡ ግናኸ ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ

Translation | Context
ዮሃንስ 15:13 | 12 Helpful votes

ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦን

Translation | Context
ምሳሌ 27:5-6 | 9 Helpful votes

ካብ ሕቡእ ፍቕሪ ግሉጽ ተግሳጽ ይሐይሽ። ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ፡ ጸላኢ ግና ኣብዚሑ ይስዕም

Translation | Context
ምሳሌ 16:28 | 7 Helpful votes

ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:12-17 | 5 Helpful votes

ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹምነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩትእዛዘይ እዚ እዩሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍካብዚ ዚዓቢ ፍቕሪ የልቦንንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩምኣዕሩኸይ ኢኹምእቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹምባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ። ኣነ ሐሬኹኹም እምበርንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹምንሓድሕድኩም ክትፋቐሩእዚ እእዝዘኩም አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 17:17 | 5 Helpful votes

ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅርሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ

Translation | Context
ምሳሌ 27:17-27 | 4 Helpful votes

ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ። ንበለስ ዚኸናኸንፍሬኣ ይበልዕንጐይታኡ ዚከናኸን ከኣ ይኸብር። ከምቲ ገጽ ንገጽ ኣብ ማይ ዘርእዮ፡ ከምኡ ኸኣል ልቢ ሰብ ንሰብ ይርእዮ። ሲኦልን መዓመቝን ከቶ ኣይጸግቡን፡ ከምኡውን ኣዒንቲ ሰብ ኣይጸግባን እየን። መምከኺ ንብሩርእቶን ንወርቂ እዩ፡ ሰብ በቲ ዚነኣዶ ይፍለጥ። ንዓሻ ኣብ ሞጕእ ምስ ጕርዲ ብንኢ እንተ ትጐድኦ እኳ፡ እቲ ዕሽነቱ ኣይምሐደጎንሃብቲ ንሓዋሩ ዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ሃለዋት ኣባጊዕካ ኣጸቡቕካ ፍለጥ፡ ንልብኻ ኣብ መጓሴኻ ኣንብሮዕላም ሐሊፉ ለቕሚ በቝሉ፡ ኣብ ኣኽራን ድማ መኸል ተኣኪቡዕያውቲ ንኽዳንካድቤላውን መዓድግ ግራት አሎካ፡ ጸባ ኣጣል ንምግብኻን ንምግቢ ስድራኻን ንቐለብ ኣግራድኻን ኪኣክል እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 4 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 3 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
ምሳሌ 20:6 | 3 Helpful votes

ርሕራሔኦም ዜውርዩ ብዙሓት እዮም፡ ግናኸ ንእሙን ሰብ መን ይረኽቦ

Translation | Context
ፊልጲ 1:7 | 3 Helpful votes

ብመቐውሔይ ኰነ ብናይ ወንጌል ምምጽራይን ምጽናዕን ኵላትኩም ብጸጋ መማቕልተይ ስለ ዝዀንኩም፡ ኣብ ልበይ ስለ ዘሎኹምምእንቲ ዅላትኩም እዚ ኽሐስብ ቅኑዕ እዩ

Translation | Context
ምሳሌ 11:14 | 2 Helpful votes

ጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ፡ ህዝቢ ይወድቕብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ምሳሌ 15:22 | 2 Helpful votes

ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ፡ ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን፡ ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ

Translation | Context