Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

true happiness


መክብብ 3:12-13 | 12 Helpful votes

ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለው ሰናይ ምግባርን ዜሕሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበአርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብኹሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 1:1-6 | 7 Helpful votes

ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትንዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:1 | 7 Helpful votes

ልብኹም ኣይሸበርብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:24 | 7 Helpful votes

ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎንሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም።

Translation | Context
መዝሙር 34:8 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን፣ ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 26:3-4 | 5 Helpful votes

እቲ ጽኑዕ ዝሃቐናኡ ኣባኻ ስለ እተማሕጸነብሰላም፡ እወ ብሰላም ትሕልዎእግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ከውሒ እዩ እሞ፡ ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተማሕጸኑ

Translation | Context
ገላትያ 5:22-23 | 4 Helpful votes

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪሓጐስዕርቂዓቕሊለውሃትሕያውነትእምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 4 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ሉቃስ 6:43-49 | 4 Helpful votes

ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ዚፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ዚፈሪ የልቦን። ኵሉ ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ካብ እሾዅ በለስ ኣይእረን፡ ካብ ጨዓውን ወይኒ ኣይቅንጠብን እዩ። ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ፡ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእስለምንታይ ደኣ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይእትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን፧ እቲ ናባይ ዚመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮን ዘበለ ዅሉ፡ ንመን ከም ዚመስል ክርእየኩም እየቤት ኪሰርሕ ከሎ፡ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን መሰረቱውን ኣብ ከውሒ ዝሰረተን ሰብኣይ ኣዩ ዚመስል። ደምሳሲ ውሒዝ ምስ መጸ፡ እቲ ውሒዝ ነታ ቤት ደፍኣኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ከኣ፡ ምንቕናቓ ሰኣነ። እቲ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና ቤቱ ብዘይ መሰረት ኣብ ምድሪ ዝሰርሔ ሰብኣይ እዩ ዚመስልውሒዝ ደፍኣብኡብኡ ወደቐትኣዋዳድቓ እታ ቤት እቲኣ ኸኣ ዓብዪ ዀነ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:3-10 | 3 Helpful votes

ብመንፈስ ድኻታትመንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዚጕህዩምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዓቃላትንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡንኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። መሓርቲምሕረት ኪረኽቡ እዪም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጹሩያት ልቢንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ገበርቲ ሰላምውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱመንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ምሳሌ 16:20 | 2 Helpful votes

ነቲ ቓል ዜቅልበሉ ሰናይ ይረክብብእግዚኣብሄር ዚእመን ከኣ ብጹእ እዩ።

Translation | Context
መክብብ 2:1-26 | 2 Helpful votes

ኣነ ብልበይ፡ እምበአርሲ ብታሕጓስ ክፍትነካ እሞ፡ ባህ ይበልካ፡ በልኩ። ግናኸ እንሆ እዚውን ከንቱነት እዩ። ንሰሓቕዕሽነት ኢኻ፡ ንታሕጓስ ከአ፡ እንታይ ትጠቅምበልክዎም። ኣነ ብልበይ፡ ነቲ ደቂ ሰብ ብመዓልትታት ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ኪገብርዎ ዚግብኦም ሰናይ ክሳዕ ዝርኢ፡ ልበይ ብጥበብ እነመርሓንስንስጋይ ወይኒ ኸይከልኦ፡ ንድንቁርና ኸኣ ክሕዛ ሐሰብኩ። ዓበይቲ ዕዮ ገበርኩኣባይቲ ንኣይ ኣስራሕኩ፡ ኣታኽልቲ ወይንታት ንኣይ ተኸልኩኣታኽልትን ገነታትን ንኣይ ገብርኩ። በብዓይነቱ ፍሬታት ዚፈሪ ኣእዋም ከአ ተኸልኩሉ። ነቲ ኣብ ዱር ዝበቖለ ኣእዋም ምእንቲ ኽስተየሉስ፡ ንኣይ ሓጽቢ ገበርኩ። ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ዐደግኩ፡ ኣብ ቤተይ እተወልዱ ባሮት ከአ ነበሩኒ፡ ብዙሕ እንስሳ፡ ካብ ናይቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ኹሎም ዚበዝሕ ኣሓን ኣባጊዕን ድማ ነበራኒ። ብሩርወርቂ ናይ ነገስታትን ሃገራትን ከአ መዝገባት ኣከብኩደራፎን ዚደርፋን፡ እቲ ተድላ ደቂ ሰብ ከአ፡ ብዙሓት ኣንስትን ገበርኩ። በዚ ኸምዚ ዓብዩ ኾንኩ፡ ሐለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ ዮርሳሌም ዝነበሩ ኹሎም ድማ እናዐቤኹ ኸድኩ። ጥበበይውን ምሳይ ጸንዔትኣዒንተይ ዝደለያኦ ዅሉ ኣይከልከልክወንን፡ ሓጐስ ዘበለ ንልበይ ኣይከላእክዎንልበይ ብኹሉ ጻዕረይ ይሕጎስ ነይሩ እዩ እሞ፡ ጻማ ዅሉ ጻዕረይ እዚ ኾነ። ሽዑ ነቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ዅሉ ዕዮን ነቲ እናዐየኹ ዝጸዐርኩሉ ጻዕርን ተመልከትክዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ እዚ ዅሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ረብሓ የልቦን። እቲ ድሕሪ ንጉስ ዚመጽእ ሰብ እንታይ ኪገብር እዩ፡ ነቲ ድሮ እተገብረ እዩ። እምበኣርሲ ንጥበብን ንዕሽነትን ድንቁርናን ክጥምት ምልስ በልኩ። ሽዑ ኸምቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ዚበልጽጥበብ ካብ ድንቁርና ኸም እትበልጽ ርኤኹጠቢብ ኣብ ርእሱ ኣዒንቲ ኣለዋኦ፡ ዓሻ ግና ኣብ ጸልማት ይመላለስ። ግናኸ ንዅሎም ዚበጽሖም መወዳእታስ ሓደ ምዃኑ ኣስተብሀልኩ። ኣነውን፡ ከምቲ ንዓሻ ዚበጽሖ ንኣይ ከአ ኪበጽሐኒ እዩ፡ ኢለ ብልበይ በልኩ። ንምንታይ ደኣ ኣዝየ ጥበበኛ ዘይኮንኩ፡ ብልበይ ድማ፡ እዚውን ከንቱነት እዩ፡ በልኩ። በተን ዚመጻ መዓልትታት ኵሉ ይርሳዕ ስለ ዝዀነ፡ መዘከርታ እቲ ጠበብኛ ከምቲ ናይቲ ዓሻ ንሓዋሩ ኣይነበርን እየ እሞ፡ ኣየ፡ እቲ ጥበበኛስ ከምቲ ዓሻ ይመውት። ኩኡ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ተግባር ከፊኡኒ እዩ እሞ፡ ህይወት ጸላእኩ። ነቲ ብድሕረይ ዚመጽእ ሰብ ክሐድገሉ እየ እሞ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝዐየኽዎ ዅሉ ዕዮይ ጸላእክዎ። ንሱኸ ጠቢብ ኪኸውን ወይስ ዓሻ መን ይፈልጦ፡ ምስናይዚ ግና ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ጥበበኛ ዀይኑ ዝጸዐርኩሉ ዘበለ ጻዕረይ ንሱ እዩ ዚጊይተተሉ፡ እዚውን ክንቱነት እዩ። ስለዚ ምልስ ኢለ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዐርኩሉ ዘበለ ጻዕረይ ንልበይ ተስፋ ኣቖረጽክዎ። እንሆ፡ ብጥበብን ብፍልጠትን ብብልሓትን ዝጸዐረ ሰብ አሎ፡ ግናኸ ንዘይደኽመለኡ ሰብ እዩ ዜውርሶ። እዚውን ከንቱነት ዓብዩ ወጽዓን እዩ። ሰብ በቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዐረሉን ልቡ ዝሀወኸሉን ኵሉ እንታይ እዩ ረብሓኡ፡ ኩለን መዓልትታቱ ስቓይ እዩ፡ ዕዩኡ ጓሂ እዩ፡ ለይቲ እኳ ልቡ ኣይዐርፍን፡ እዚውን ከንቱነት እዩ። ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን። እዚውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ርኤኹ። ካባይ ኣብሊጹ ዝበልዔን ባህ ዝበሎን መን እዩ፡ ነቲ ባህ ዜብሎ ሰብሲ ጥበብን ፍልጠትን ሓጐስን ይህቦ እዩ እሞ፡ ንሓጢኣተኛ ግና፡ ነቲ ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ኺሐድገሉስኪእክብን ኪድልብን የመዝዞ። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:1-13 | 2 Helpful votes

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድልስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕንኣይተስተሓፍርንናታ ኣይትደልንኣይትምረርንኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንኲሉ ትጸውርኲሉ ትኣምንኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸእቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹከም ቈልዓ ተዛረብኩልቢ ቘልዓ ነበረኒከም ቈልዓ ሐሰብኩሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነትተስፋፍቕሪእዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context
መክብብ 7:14 | 2 Helpful votes

በመዓልቲ ጣዕሚ ባህ ይበልካ፡ ብመዓልቲ መከራ ድማ ሕሰብሰብ ነቲ ድሕሪኡ ዚኸውን ምእንቲ ኸይፈልጥኣምላኽ ነዝን ነተን ገበሮ

Translation | Context
ሉቃስ 11:28 | 2 Helpful votes

ንሱ ግና፥ ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም፡ በላ

Translation | Context