Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ኰነ ድማ፣ ኣብ መበል ሰላሳ ዓመት፣ ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ፣ ኣብ ርባ ኬባር ኣብ ማእከል እቶም ምሩኻት ከሎኹ፣ ሰማያት ትተኸፍቱ፣ ራእይ እግዚኣብሄር ራኤኹ። ኣብ ሓምሳይ መዓልቲ ናይቲ ወርሒ ወርሒ ኻብቲ ንጉስ ዮኣቂን እተማረኸሉ ኣብ ሓምሳይ ዓምቱ፣ ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ኻህን ህዝቅኤል ወዲ ኩዚ፣ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፣ ናብ ርባ ኬባር መጸ። ኣብኡ ኸኣ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረት። እንሆ ኸኣ፣ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስ፣ ብርቱዕ ደበና ምስናይ ሃልሃልታ ሓዊ፣ ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ጸዳል ብርሃን ኪመጽእ ከሎ ርኤኹ። ከም ፊሕፊሕ ዚብል ኣስራዚ ድማ ካብ ማእከሉ፣ ካብ ማእከል እቲ ሓዊ ወጸ። ካብቲ ማእከሉ ኸኣ ምልክዕ ኣርባዕተ እንስሳ ወጸ። ትርኢቶም ድማ እዚ እዩ፣ ሰብ የምስልስሉ። ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽ፣ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮ። ኣእጋሮም ትኽ ዝበለ ኣእጋር ነበረ፣ ከብዲ እግሮም ከኣ ከም እግሪ ሸኾና ምራኽ ነበረ፣ ከም ርሱን ኣስራዚ ኸኣ ፊሕፊሕ ይብል ነበረ። በርባዕተ ወገኖም ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ኢድ ሰብ ነበሮም፣ ኣርባዕቲኦም ገጽን ክንግን ነበሮም። ኣኽናፎም ነንሓድሕደን ግጡማት እየን። ኪኸዱ ኸለዉ ኣይምለሱን፣ ነፍሲ ወከፍ ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ ነበረ። ምስሊ ገጾም ገጽ ሰብ ይመስል። ኣርባዕቲኦም ከኣ በቲ የማናይ ወገኖም ገጽ ኣንበሳ፡ ኣርባዕቱኦም ድም በቲ ጸጋማይ ወገኖም ገጽ ብዕራይ፡ ኣርባዕቲኦምውን ገጽ ንስሪ ነበሮም። ብላዕሊ ኺኣ ገጾምን ኣኽናፎምን ፍሉይ ነበረ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ኽንፊ፣ እታ ሓንቲ ምስታ ናይቲ ሓደ እትላገብ፣ እተን ክልተ ድማ ንስጋኦም ዚኸድና እየን። ነፍሲ ወከፎም ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ፣ እቲ መንፈስ ናብ ዝኸዶ ይኸዱ፣ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ። ትርኢት እቶም እንስሳ ኸም ጕሁር ሓውን ከም ዚነድድ ሽግን ነበረ፣ እቲ ሓዊ ኸኣኣብ ማእከል እቶም እንስሳ ይዘውርን የንጸባርቕን ነበረ፣ ካብቲ ሓዊውን በርቂ ይወጽእ ነበረ። እቶም እንስሳ ኸኣ ከም በርቂ ይጐዩን ይምለሱን ነበሩ። እምብኣርሲ ነቶም እንስሳ ኽጥምት ከሎኹ፣ እንሆ፣ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ምድሪ ኣብ ጥቓ እቶም እንስሳ ነንፍሲ ወከፍ በርባዕተ ገጾም ርኤኽዎም። ትርኢት እቲ መንኰርዅርን ኣሰራርሓኡን ከም ሕብሪ በሪሎስ ነበረ። ኣርባዕቲኡ ይማሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣሰራርሓኡን ድማ እቲ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰአኰር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ። ኪኸዱ ኸለዉ፣ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፣ ምስ ዚኸዱ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ። እቲ ኽቦም ከኣ ነዊሕን መፍርህን ነበረ። ኣርባዕቲኦም ድማ ኣብቲ ኣዝዋራ ኽቦም ኣዒንቲ መሊእዋም ነበረ። እቶም እንስሳ ኪኸዱ ኸለዉ፣ እቲ መንኰርዅር በብጥቓኦም ይኸይድ ነበረ። እቶም እንስሳ ኻብ ምድሪ ሓፍ ኪብሉ ኸለዉ፣ እቲ መንጐርዅር ከኣ ሓፍ ይብል ነበረ። ናብቲ እቲ መንፈስ ዝኸዶ ንሳቶምውን ይኸዱ ነበሩ፡ መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንጐርዅር ነበረ እሞ፡ እቲ መንጐርዅር በብጥቓኦም ሓፍ ይብል ነበረ። መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንጐርዅር ስለ ዝነበረ፣ ንሳቶም ኪኸዱ ኸለዉ፣ ይኸይድ፣ ንሳቶም ደው ኪብሉ ኸለዉ፣ ደው ይብል፣ ንሳቶም ካብ ምድሪ ሓፍ ኪብሉ ኸለዉ፣ እቲ መንጐርዅር ከኣ በብጥቓኦም ሓፍ ይብል ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣርእስ እቶም እንስሳ ኸኣ ከም ግሩም ዝዀነ ክሪስታል፣ ጠፈር ሰማይ ዚመስል፣ ኣብ ላዕሊ፣ ኣብ ልዕሊ ኣርእስቶም ተዘርጊሑ ነበረ። ኣብ ትሕቲ እቲ ጠፈር ድማ ኣኽናፎም ኣብ መንጽር ነንሓድሕደን ትኽ ኢለን ነበራ። ነፍሲ ወከፎም ድማ ስጋኦም ዚኸድኑሉ ኸክልተ ኽንፊ ነበሮም። ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፣ ደሃይ ኣኽናፎም ከም ህማም ብዙሕ ማያት፣ ከም ድምጺ እቲ ዅሉ ዚኽእል፣ ደሃይ ታኦታዕ ከም ደሃይ ሰራዊት ሰማዕኩ። ደው ኪብሉ ኸለዉ፣ ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ። ካብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ድማ ድምጺ ተሰምዔ። ደው ኪብሉ ኸለዉውን ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከኣ እምኒ ሰፊሮስ ምስሊ ዝፋን ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፋን ዚመስል ድማ ኣርኣያ ሰብ ዚመስል ተቐመጠ። ካብቲ ሕቝኡ ዚመስል ሒዙ ንላዕሊ፣ ርሱን ኣስራዚ ዝሕብሩ፣ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ዙርያኡን ርኤኹ። ካብቲ ሕቝኡ ዚመስል ንታሕቲ ኸኣ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ርኤኹ፣ ኣብ ዝርያኡውን ባና ብርሃን ከቢብዎ ነበረ። ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደበና ዚኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፣ ከምኡ ትርኢት ባና እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ። ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ። ምስ ርኤኽዎ ኸኣ ብገጸይ ወደቕኩ፣ ድምጺ ሓደ ዚዛረብውን ሰማዕኩ።
Translation | Contextከም ብሓድሽ ኣዒንተይ ኣልዐልኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ክትነፍር ከላ ርኤኹ። ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፧ በለኒ። ኣነውን፡ እትነፍር ጥቕልልቲ መጽሓፍ እርኢ አሎኹ፡ ምንዋሓ ዕስራ እመት፡ ወርዳ ድማ ዓሰርተ እመት እዩ፡ ኢለ መለስኩ።
Translation | Contextከም ብሓድሽ ኣዒንተይ ኣልዐልኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ክትነፍር ከላ ርኤኹ።
Translation | Contextእንሆ ኸኣ፣ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስ፣ ብርቱዕ ደበና ምስናይ ሃልሃልታ ሓዊ፣ ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ጸዳል ብርሃን ኪመጽእ ከሎ ርኤኹ። ከም ፊሕፊሕ ዚብል ኣስራዚ ድማ ካብ ማእከሉ፣ ካብ ማእከል እቲ ሓዊ ወጸ። ካብቲ ማእከሉ ኸኣ ምልክዕ ኣርባዕተ እንስሳ ወጸ። ትርኢቶም ድማ እዚ እዩ፣ ሰብ የምስልስሉ።
Translation | Contextእዞም ከም ደበናን ከም ናብ ኣባይተን ዚነፍራ ረገቢትን ዚመጹ እንታዎት እዮም፧
Translation | Contextደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ ኣተዉ፡ ንሳተን ከኣ ምስ ወለዳሎም፡ በቲ ዘበን እቲ፡ ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም እዮም።
Translation | Contextኰነ ድማ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሕ ምስ ጀመረ፡ ኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ፡ መልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረኣዩ፡ ካባታተን ዘዝሐረይወን ኣንስቲ ወሰዱ። እግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሱ ስጋ ድማ እዩ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን፡ ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፡ በለ። ደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ ኣተዉ፡ ንሳተን ከኣ ምስ ወለዳሎም፡ በቲ ዘበን እቲ፡ ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም እዮም። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ፡ ብልቡ ድማ ጐሀየ። እግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሰብ ስለ ዝገበርክዎ ተጣዒሰ እየ እሞ፡ ንዝፈጠርክዎ ሰብ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ክሳዕ ለመምታ፡ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ካብ ዝባን ምድሪ ኽድምስሶም እየ፡ በለ። ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ። ወለዶ ኖህ እዚ እዩ፥ ኖህ ኣብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ። ኖህ ድማ ሰለስተ ወዲ፡ ሴምን ካምን ያፌትን፡ ወለደ። ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት። ስጋ ዘበለ ዅሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ከኣ ንምድሪ ረኣያ፡ እንሆ ድማ ተባላሽያ ነበረት። ኣምላኽ ከኣ ንኖህ በሎ፥ ብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ እያ እሞ፡ መወዳእታ ዅሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሔ። እንሆ ድማ፡ ኣነ ምስታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። ንኣኻ ኻብ ኦም ጎፌር መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ፡ ውሽጣን ግዳማን ከኣ ብቕጥራን ለቕልቃ። ከምዚ ኸኣ ግበራ፥ ምናሕ እታ መርከብ ሰለስተ ሚእቲ እመት፡ ምግፍሓ ሓምሳ እመት፡ ቍመታ ድማ ሰላሳ እመት ይዅን። ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ እመት ዝቝመቱ መስኰት ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጎቦኣ ግበሮ። ታሕታይን ካልኣይን ሳልሳይን ደርቢ ግበረላ። ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህያው ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ስጋ ኺጠፍእሲ፡ እንሆ ድማ፡ ኣነ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኸምጽእ እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኺመውት እዩ። ምሳኻ ግና ኪዳነይ ከቕውም እየ፡ ንስኻ፡ ምሳኻ ድማ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻን፡ ናብ መርከብ ክትኣቱ ኢኻ። ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎም ድማ፡ ካብ ኵሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ከክልተ ኻብ ኵሉ ዓይነት ናብ መርከብ ኣእቱ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ይኹኑ። ንስኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎምሲ፡ ካብ ኣዕዋፍ በብዓይነተን፡ ካብ እንስሳ በብዓይነቱ ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብል በብዓይነቱ ጌርካ፡ ካብ ዝዀነ ዓሌት ከክልተ ናባኻ ይእተዉ። ካብ ዚብላዕ ኵሉ ዓይነት ብልዒ ድማ ንኣኻን ንኣታቶምን ቀለብ ኪኸውን ኣእቲኻ ኣባኻ ኣክቦ። ኖህ ድማ ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ።
Translation | Contextኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበ፡ ብድንገት ጸዳል ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ።
Translation | Contextኰነ ኸኣ፡ እናተዛራረቡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን፡ ኣብ መንጎኦም መጺኡ ንኽልቲኦም ፈላለዮም። ኤልያስ ድማ ብሆቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ዓረገ።
Translation | Contextጠመትኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብ ጥቓ እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ መንኰራዅር ሐሓንቲ መንኰርኰር ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ነበረ። ትርኢት እቲ መንኰራዅር ድማ ከም ሕብሪ እምኒ ክሪሶሊት ነበረ። ትርኢት ኣርባዕቲኦም ከኣ ይመሳሰል ነበረ፣ እቲ ሓደ መንኰርክር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰርኰር ከም ዝአተወ ይመስል ነበረ። ኪኸዱ ኸልዉ ድማ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፣ ምስ ዚኸዱ ኸኣ ኣይምለሱን ነበሩ። እቲ ርእሲ ናብ ዘበሎ ስፍራ ይስዕብዎ ነበሩ እምበር፡ ኪኸዱ ኸለዉስ ኣይምለሱን ነበሩ።
Translation | Contextእዚኣቶም ትእምርቲ እናገበሩ ንነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ ኪእክብዎም ዚወጹ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም።
Translation | Contextሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።
Translation | Contextእቲ ቐልጢፉ ኺኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ፡ ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርአዮ። ንሱ ንቓል ኣምላኽን ንምስክር የሱስ ክርስቶስን፡ ነቲ ዝረአዮ ዘበለ ዅሉ መስኪሩ አሎ። እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ፡ እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን፡ ነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም። ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት፡ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን፡ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ እሙን ምስክርን በዅሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድሪ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ንእኡ፡ ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሐጸበና፡ ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና፡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን። እንሆ፡ ብደበና ይመጽእ አሎ፡ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም፡ ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ኪበኽዩሉ እዮም። እወ፡ ኣሜን። ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኣነ ዮሃንስ ሓውኩምን ኣብቲ ኣብ የሱስ ዘሎ ጸበባን መንግስትን ትዕግስትን መማቕልትኹምን፡ ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሀል ደሴት ነበርኩ። ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ኰንኩ፡ ብድሕረይ ከኣ፡ ነዚ እትርእዮ ዘሎኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፍካ፡ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ስሚርናን ጴርጋሞስን ትያቲራን ሳርዴስን ፊላደልፍያን ሎዲቅያን ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት ስደዶ፡ ዚብል ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ። ነቲ ዚዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ኽርኢ ኸኣ ግልጽ በልኩ። ግልጽ ምስ በልኩውን፡ ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ርኤኹ። ኣብ ማእከል እቶም ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ከኣ፡ ክሳዕ እግሩ እተኸድነ ብቕናት ወርቂውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዐጥቀ ወዲ ሰብ ዚመስል ርኤኹ። ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ፡ ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ። ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኣለውዎ፡ ካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ፡ ትርኢቱውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ እዩ። ምስ ርኤኽዎ ድማ፡ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ። ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ፡ ከምዚ እናበለ፡ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፡ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ አሎኒ። እምብኣርሲ ነቲ ዝርኤኻዮን ነዚ ዘሎን ነቲ ድሕርዚ ዚኸውንን ጽሐፎ። ምስጢር እቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝርኤኻዮም ሾብዓተ ኸዋኽብትን ናይተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቅን፡ እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ እቲኣቶም መላእኽቲ እተን ሸብዓተ ማሕበራት እዮም፡ እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴልውን ሾብዓተ ማሕበራት እየን።
Translation | Context