Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

unanswered prayer


ያእቆብ 4:3 | 19 Helpful votes

ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎብኽፉእ ስለ ዝለመንኩምኣይትቕበሉን ኢኹም።

Translation | Context
ማቴዎስ 21:22 | 7 Helpful votes

የሱስ መሊሱ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛኦም በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕትብልዎ እሞ ከም ኪኸውንኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዅሉ ኸምእትረኽቡብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:14 | 5 Helpful votes

ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:6 | 5 Helpful votes

እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን

Translation | Context
ማቴዎስ 7:7 | 5 Helpful votes

ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩምድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 11:24 | 4 Helpful votes

ስለ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:12-14 | 4 Helpful votes

ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብርካብኡ ዚዓብውን ከም ዚገብርብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩምክገብረልኩም እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 59:2 | 4 Helpful votes

ግናኸ ኣእዳውኩም ብደምኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰንከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባልሳንኩም ከኣ ክፍኣት ይናገር አሎ እሞ፡ ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዝፈላለየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ፡ ከይሰምዓኩም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ሓጢኣትኩም እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 66:18 | 3 Helpful votes

ኣብ ልበይ እኩይ ሀቂነ እንተ ዝኸውን፣ እግዚኣብሄር ኣይምሰምዓንን ነይሩ።

Translation | Context
ማርቆስ 11:22-24 | 3 Helpful votes

የሱስ ድማ መለሰ በሎምውንብኣምላኽ እመኑ። ዝዀነ ይኩን እቲ ዝበሎ ኸም ዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወልነዚ ኸረንተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሐል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዚዀነሉብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስለ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 1:15-16 | 3 Helpful votes

ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለንምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩምኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን። ተሐጸቡንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:7-9 | 2 Helpful votes

ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ኪስቅየኒ ተዋህበኒ። እዚ ኻባይ ኪርሕቕብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካበለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድርብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6 | 2 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ

Translation | Context
ያእቆብ 4:3-10 | 2 Helpful votes

ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎብኽፉእ ስለ ዝለመንኩምኣይትቕበሉን ኢኹም። ኣትን ዘመውቲፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን። ወይስ እቲ ጽሑፍዶ ብኸንቱ ዚብል ዘሎ ይመስለኩም፧ እቲ ኣባና ዘሕደሮ መንፈስከ ኽሳዕ ቅንኢዶ ሃረር ይብል እዩ፧ ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮምንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል። እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ። ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣንኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውንልብኹም ኣንጽሁተሽገሩን ጕሀዩን ብኽዩንሰሓቕኩም ናብ ብኽያትሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 18:1-43 | 2 Helpful votes

ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኡሉ፡ ኣብ ሓንቲ ኸተማንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት፡ ናብኡ እናመጸት ከኣ፡ ምስ እዚ መባእስተይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ፡ ትብሎ ነበረትእናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ። ድሕርቲ ግና ብልቡኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሐፈርኩ፡ እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ፡ መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየንስፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ፡ በለ። ጐይታ በለእዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽአሎምን እዩ፧ ይጽመሞዶኸቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽአሎምእብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎምክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውምካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእከምቶም ካልኦት ሰባትከተርቲዓመጽቲዘመውቲወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፤ ኣምላኸይንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒእናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን። ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደእብለኩም አሎኹ። ንሕጻናት ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎምእቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ እዚ ርእዮም ገንሕዎም። የሱስ ግና ጸዊዑመንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኦም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ፡ እይትኸልክልዎምንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ሕጻን ኰይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ሓደ መራሕ ድማ፥ ዎ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበርኢሉ ሐተቶየሱስ ከኣ፥ ንምንታይከ ሄር እትብለኒ፡ ብጀካ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽሄር የልቦን። ነተን፥ ኣይትዘሙኣይትቕተልኣይትስረቕብሓሶት ኣይትመስክርኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ዚብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ነዚ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ እሕልዎ አሎኹ፡ በለየሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፥ ገና ኸኣ ሓንቲ ተሪፋትካ አላ፥ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪጸንሓካ እዩ፡ ንዓውን ስዓበኒበሎ። ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ብዙሕ ጐሃየየሱስ ብዙሕ ምጕሃዩ ርእዩሃብቲ ንዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልልበለእቶም ዝሰምዑ ኸኣ፥ መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይኽእልበሉ። ንሱ ኸኣ፥ እቲ ንሰብ ዘይከአሎንኣምላኽ ይከኣአሎ እዩ፡ በሎም። ሽዑ ጴጥሮስእንሆንሕና ጥሪትና ዅሉ ሐዲግና ስዒብናካ አሎና፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ስለ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ፡ ቤት ኰነ፡ ወይ ወለዲወይ ኣሕዋትወይ ሰበይቲወይ ውሉድ ዝሐደገኣብዚ ዘመን እዚ ብዙሕ ካዕበት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ ድማ፡ እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ አሎና፡ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ኣብ ነብያት እተጻሕፈ ዅሉ ኸኣ ኪፍጸም እዩ። ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ኬላግጹሉኪጸርፍዎ ጡፍውን ኪብሉሉ፡ ገሪፎም ድማ ኪቐትልዎ እዮም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ፡ በሎም። ንሳቶም ግና ካብዚ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዓሉንእዚ ዘረባዚ ተሰዊርዎም ነበረ እሞ ነቲ እተዛረቦ ኣየስተብህልዎን ነበሩ። ኰነ ድማ፡ ናብ ያሪኮ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ሓደ ዕዉር ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። እኩብ ህዝቢ ኺሐልፍ ከሎ ሰሚዑ ኸኣ፥ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተተየሱስ፡ እቲ ናዝራዊይሐልፍ አሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ዳዊትምሐረኒኢሉ ጨርሔእቶም ቅድሚት ዚኸዱ ዝነበሩ ስቕ ኪብል ገንሕዎ። ንሱ ግና፡ ወዲ ዳዊትምሐረኒኢሉ ኣዝዩ ጨርሔየሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኼምጽእዎ ኣዘዘናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ የሱስ፥ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ አሎኻኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይክርኢበሎየሱስ ድማ፥ ርኤእምነትካ ኣሕወየትካበሎብኡብኡ ረአየ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ኸኣ ሰዓቦእቶም ህዝቢ ዅሎምውን እዚ ምስ ረኣዩንኣምላኽ ኣመስገንዎ

Translation | Context
ማርቆስ 9:23 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትብል አሎኻ። ንዚኣምን ኵሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ

Translation | Context
ሮሜ 8:26 | 2 Helpful votes

መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣናኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና

Translation | Context
እብራውያን 11:1 | 2 Helpful votes

እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ

Translation | Context
ዮሃንስ 15:7 | 2 Helpful votes

ኣባይ እንተ ጸናዕኩምቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም

Translation | Context
ሚልክያስ 2:13-17 | 2 Helpful votes

ካላ ድማ እዚ ገበርኩምንመሰውኢ እግዚኣብሄር ብንብዓትን ብብኽያትን ብዋይዋይታን ከደንኩምዎ እሞ፣ ደጊም ንሱ ነቲ መስዋእቲ ኣይጥምቶን፣ ካብ ኢድኩምውን ባህ ኢልዎ ኣይቅበሎንስለምንታይ እዩ፡ ከኣ ትብሉ አሎኹም። እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ብጸይትኻ ንብዓልቲ ቓል ኪዳንካን ክነሳ ዝጠለምካያ ሰበይቲ ንእስነትካን ምስክር ስለ ዝዀነ እዩ። ሓደዶ ኣይኰነን ነዚ ዝገበረ፧ ንሱውን ዕዙዝ መንፈስ ነበሮ። እቲ ሓደኸ ስለምታይ እዩ ነዚ ገበሮ፧ ዘርኢ ኣምላኽ ስለ ዝደለየ እዩ። እምበኣርሲ መንፈስኩም ሐልዉ፡ ነታ ሰበይቲ ንእስነቱ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይጥለምምፍትሕን ንኺዳኑ ብዓመጽ ዚኸድኖን እጸልእ አሎኹ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። ስለዚ ኸይትጠልሙ መንፈስኩም ሐልዉ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ንእግዚኣብሄር ብቓላትኩም ኣድከምኩምዎ። ብምንታይ እሞ ኢና ዘድከምናዮ፧ ድማ ትብሉ። ንስኻትኩም፡ ክፉእ ዚገብር ዘበለ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ንሱ ብእኦም ባህ ይብሎ፡ ወይስ ኣምላኽ ፍርዲ ኣበይ አሎ፧ ብምባልኩም እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:15-16 | 2 Helpful votes

እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ። እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።

Translation | Context