Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ።
Translation | Contextኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ።
Translation | Contextብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ፡ እቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ። ሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።
Translation | Contextኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ።
Translation | Contextፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ።
Translation | Contextፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን።
Translation | Contextብጻይካ ፍቶ፡ ጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንብ እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ። ነቶም ዚፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ አሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧ ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩም፧ ኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧ እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ፍጹማት ኩኑ።
Translation | Contextንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን አሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ኣምላኽ፡ ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ፡ ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ።
Translation | Contextንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም አሎኹ፥ ጸላእትኩም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ።
Translation | Contextካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል አሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧
Translation | Contextንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣና እዩ።
Translation | Contextፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ። ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ ተራእየኒ፡ ብናይ ዘለኣለም ፍቕሪ ኣፍቀርኩኺ፡ ስለዚ ኸኣ ብምሕረት ሰሐብኩኺ።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀልኹም።
Translation | Contextኣምላኽ፡ ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ።
Translation | Context