Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

ungrateful people


ሉቃስ 6:35 | 14 Helpful votes

ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 4:7 | 12 Helpful votes

ካብ ካልኦት ዘብለጸካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ አሎካ፧ ተቐቢልካ ኻብ እትኸውን ግና፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:16-18 | 11 Helpful votes

ኵሉ ሳዕ ተሐጐሱከየባተኽኩም ጸልዩ። እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ

Translation | Context
መዝሙር 109:1-31 | 10 Helpful votes

ኣታ ኣምላኽ ምስጋናይእፍ ረሲእን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶምብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፣ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ አለዉ እሞ፣ ስቕ ኣይትበል። አብ ክንዲ ዘፍቀርክዎም ተጻረሩኒ፣ ኣነ ግና እጽሊ አሎኹ። አብ ክንዲ ሰናይ እከይ፣ ኣብ ክንዲ ፍቕረይ ከኣ ጽልኢ ፈድዮምኒረሲእ ኣብ ልዕሊኡ ኣቝመሉተጻራሪ ኣብ የማኑ ይቑም። ምስ ተፈርደተረቲዑ ይውጻእ፣ ጸሎቱውን ንሓጢኣት ይኹኖ። መዓልትታቱ ሒደት ይኹና፣ ንሽመቱውን ካልእ ይውሰዳውሉዱ ዘኽታማት ይኹኑ፣ ሰበይቱውን መበለት ትኹን። ውሉዱ እናዞሩ ይለምኑ፣ ካብተን ዝዐነዋ ኣባይቶም ርሒቖም፣ እንጌራ ይድለዩ። ንዘለዎ ዅሉ እቲ መሓረጺ ይሐዞጓኖት ከኣ ንጻማኡ ይዝመትዎዚልውሃሉ ሓደ እኳ ኣይረኸብ፣ ንዘኽታማቱ ዚርሕርሓሎም ከኣ ሓደ እኳ ኣይሀሉ። ሐድጉ ይጽነቱስሞም ኣብ ካልኣይ ወለዶ ይደምሰስበደል ኣቦታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይዘከርሓጢኣት ኣዲኡ ኸኣ ኣይደምሰስኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይኹኑ፣ መዘከርታኦም ካብ ምድሪ የጥፍኣዮንመስኪንን ንድኻን ነቲ ልቡ እተሰብረን ምእንቲ ኪቐትሎም ሰጐጎም እምበር፣ ምሕረት ኪገብር ስለ ዘይሐሰበንመርገም ፈተዋ፣ ንሳ ኸኣ መጸቶንበረኸት ኣይበሀጋን፣ ንሳውን ረሐቐቶንመርገም ከም ክዳኑ ተኸድና፣ ንሳ ኸኣ ከም ማይ ናብ ውሽጡ፣ ከም ቅብኢውን ናብ ኣዕጽምቱ ሰረጸት። ከምቲ ዚጓናጸፈሉ ልብስን፣ ከምቲ ዅሉ ጊዜ ዚዕጠቖ ቕናትን ይኹኖ። እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ናይ ተጻረርተይን ናይቶም ኣብ ነፍሰይ ክፉእ ዚዛረቡን ፍዳ ይኹን። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ርድኣኒ፣ ጸጋኻ ሰናይ እዩ እሞ፣ ኣናግፈኒ። ኣነ መስኪንን ድኻን እየ እሞ፣ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ቈሲሉ አሎ። ከም ዚነውሕ ጽላሎት እኸይድ፣ ከም ኣንበጣውን እስጐጕ አሎኹ። ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፣ ስጋይ ከኣ ካብ ስብሑ ዐበረመላገጺኦም ከኣ ዀንኩ፣ እንተ ረአዩኒ ርእሶም ይንቕንቑ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይርድኣኒ፣ እዚ ኢድካ ምዃኑ፣ ንስኻ ኸም ዝገበርካዮ ኺፈልጡስ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ብመጠን ጸጋኻ አናግፈኒ። ንሳቶም ይረግሙ፣ ንስኻ ግና መርቕ፣ እንተ ተንስኡኪሐፍሩ እዮም። ባርያኻ ግና ኪሕጐስ እዩ። ተጻረርተይ ውርደት ይከደኑንነውሮም ከኣ ከም ነጸላ ይወንዘፍዎ። ካብቶም ንነፍሱ ዚዀንንዋ ኼድሕኖስ፣ ኣብ የማን እቲ ድኻ ቈይሙ አሎ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ብኣፈይ ኣዝየ ኸመስግኖ፣ ኣብ ማእከል ብዙሓትውን ክውድሶ እየ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:1-29 | 7 Helpful votes

ኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስእቲ ጻድቕ፡ እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበርብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን። ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሐሎናከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላንእቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸምኣብኡ ኸም ዘሎናበዚ ኢና እንፈልጥእቲኣብኡ እነብር አሎኹ፡ ዚብልከምቲ ንሱ እተመልላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ። ፍቁራተየእቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ብሉይ ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰነን ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። እቲ ብሉይ ትእዛዝ እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቓል እዩ። ከም ብሓድሽ ብእኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ጸልማት ሐሊፉ እዩ እሞእቲ ብርሃን ሓቂውን ድሮ እኳ የብርህ አሎ። ኣብ ብርሃን አሎኹዚብልንሓዉ ኸኣ ዚጸልእክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎእቲ ንሓዉ ዜፍቅሮ ኣብ ብርሃን እዩ ዚነብርመዓንቀፊውን ኣብኡ የልቦንእቲ ንሓዉ ዚጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎኣብ ጸልማትውን ይመላለስጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ኣይፈልጥን እዩ። ደቀየሓጢኣትኩም ስለ ስሙ ተሐዲጉልኩም እዩ እሞ፡ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣቦታትነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞእጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞእጽሕፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ቈልዑነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎጽሒፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝብርቱዓት ስለ ዝዀንኩም ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞጽሒፈልኩም አሎኹ። ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋፍቕሪ ኣቦ የብሉንኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትንእዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበርካብ ኣቦስ ኣይኰነንዓለም ትሐልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣእቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብርደቀየእዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያከምቲእቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዚመጽእዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራር ክርስቶስ ተንሲኦም አለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥካባና ወጺኦምግናኸ ካባና ኣይነበሩንካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኵላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኺገሀድ እዮም ዝወጹንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ አሎኹምንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ነታ ሓቂ ትፈልጥዋ ስለ ዘሎኹም እየ ዝጸሐፍኩልኩም እምበር፡ ስለ ዘይትፈልጥዋስ ኣይኰንኩን፡ ኵሉ ሓሶትውን ካብ ሓቂ ኣይኰነንእቲ ንየሱስንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸመን እዩ እቲ ሓሳዊእቲ ነቦን ወድን ዚኽሕዶምንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስነቲ ወዲ ዚኽሕዶ ዘበለ ዅሉ፡ ንእኡ እቲ ኣቦ የብሉንነቲ ወዲ እተኣመነ ግናእቲ ኣቦ አለዎንስኻትኩምሲእቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበርእቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑስንስኻትኩም ድማ ኣብቲ ወድን ኣብቲ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። እታ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ እታ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያብዛዕባ እቶም ዜስሕቱኹም እየ እዚ ዝጸሐፍኩልኩምንስኻትኩምሲከምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። ሕጂ ድማደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎትብዓት ምእንቲ ኽንረክብብምጽኣቱውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሐፍርስብእኡ ንበሩንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውንፍለጡ

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:32 | 6 Helpful votes

ኣነስ ሞት ኣደ እኳ ኣይፈቱን እየ እሞ፣ ተመለሱ ብህይወት ከኣ ንበሩይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:1 | 5 Helpful votes

ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነትንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ

Translation | Context
ሉቃስ 17:17-19 | 5 Helpful votes

የሱስ ግና፥ ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ አለዉ፡ ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እተመልሰዶ የልቦን፡ ኢሉ መለሰ። ደሓር ከኣ፥ ተንስእ እሞ ኺድእምነትካ ኣሕወየትካበሎ

Translation | Context
ዘሁልቍ 14:27 | 4 Helpful votes

ነዚ ዜጕረምርመለይ ሕሱም ኣኼባ እዚ ኽሳዕ መኣዝ ክጾሮ እየ፧ እቲ ደቂ እስራኤል ዜጕረምርሙለይ ምጕርምራም ሰሚዔ አሎኹ።

Translation | Context
ቈሎሴ 1:3 | 4 Helpful votes

እታ ብክርስቶስ የሱስ እምነትኩምን ንዅሎም ቅዱሳን ዘላትኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕናኵሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸሌናንኣምላኽኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስነመስግን አሎና።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:1-15 | 3 Helpful votes

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበርቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ። እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ። ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ። ብጊዜኡ ንዚኸውን ምስክር ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሃበ፡ ነዚ ነገርዚ ኸኣ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያንሓቂ እብል አሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡ ብእምነት ብሓቅን መምህር ኣህዛብ ንምዃን ተሸምኩ። እምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ስፍራ ኪጽልዩ፡ እደሊ አሎኹ። ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንንፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእብሰናይ ግብሪ ኺስለማእደሊ አሎኹ። ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃርኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበርክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለንሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት። ብእምነት ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸንዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:1-16 | 3 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ከሎኹ፡ ምስክር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን። ኣነ ኸኣ ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምምብድባድን እየ ኣባኻትኩም ዝነበርኩ። እምነትኩም ብስልጣን ኣምላኽ እምበር፡ ብጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትስረትሲዘረባይን ስብከተይን ድማ ብምርዳእ መንፈስን ስልጣንን እምበር፡ ብዜስድዕ ዘረባ ጥበብ ኣይነበረንእምብኣርስ ኣብ ማእከል እቶም እኹላት ጥበብ ንዛረብ ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም ዚሐልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና። ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ኣይፈለጦንእንተ ዚፈልጥዎስንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል፡ እቲ መንፈስ ግና መዓሙቚ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዂሉ ይምርምር እዩ እሞ፡ ንኣና ኣምላኽ ብመንፈስ ገይሩ ገለጸልና። እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ነገር ዚፈልጥከ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ንሕና ግና፡ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን። ንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕናመንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና። እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎንብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ። ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ አሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምርንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:23 | 3 Helpful votes

ንሞት ረሲእዶ እፈቱ እየ፡ ፍታወይሲ ካብ መገዱ ኺምለስ፣ ብህይወት ከኣ ኪነብርዶ ግዳ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

Translation | Context
2ይ ነገስት 1:1-18 | 3 Helpful votes

ድሕሪ ሞት ኣከኣብ ድማ ካብ እስራኤል ዐለወኣሓዝያ ኸኣ ካብታ ኣብ ሰማርያ ዘላ ደርቢ ቤቱ ብዓይነ ርግቢ ጸደፈ እሞ ሐመመ፡ ሽዑ ልኡኻት ሰዲዱኪዱ እሞ ካብዚ ሕማመይ ዝሐዊ እንተ ዀይነ፡ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ሕተቱለይበሎም። ግናኸ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቲስቢታዊተንስእ፡ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ሰማርያ ኽትቀባበሎም ደይብ እሞ፡ እቲ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐቱ ዝኸድኩምሲኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የልቦን እዩ፧ ስለዚ ኸኣ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብቲ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል አሎ እግዚኣብሄር በሎምኢሉ ተዛረቦኤልያስ ከኣ ኸደእቶም ልኡኻት ድማ ናብኡ ተመልሱ። ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ኴንኩም ኢኹም እተመለስኩምበሎም። ንሳቶም ድማ በልዎ። ሓደ ሰብኣይ ኪቃባበለና ደዪቡ፡ ናብቲ ዝለአኸኩም ንጉስ ተመሊስኩም፡ እቲ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐትት ዝለአኽካስ፡ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የልቦን እዩ፧ ስለዚ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብቲ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል አሎ እግዚኣብሄር ኢልኩም ተዛረብዎ፡ በለና። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ኺቃባበለኩም ደዪቡስ እዚ ዘረባ እዚ እተዛረበኩም ሰብኣይከ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ በሎም፡ ንሳቶም ድማ፡ ማቕ እተኸድነ፡ ኣብ ሕቜኡ ኸኣ ፈልቊ እተዐጥቀ ሰብአይ እዩ፡ በልዎ። እቲ ንጉስ ድማ፡ ንሱ ኤልያስ ቲስቢታዊ እዩ፡ በለ። እቲ ንጉስ ከኣ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ምስቶም ሓምሳኡ ገይሩ ሰደደሉ። ንሱ ድማ ናብኡ ደየበእንሆ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ርእሲ ኸረን ኮፍ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስውረድይብለካ አሎ፡ በሎኤልያስ ድማ ነቲ ሓለቓ ሓምሳ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩምኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዖምመሊሱ ድማ ካልእ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ገይሩ ሰደደሉ፡ እዚ ኸኣ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ ቀልጢፍካ ውረድ ይብለካ አሎ፡ ኢሉ ተዛረቦኤልያስ ድማ፡ ኣነ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩምኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዖምመሊሱ ድማ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ሰደደ፡ እቲ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ኸኣ ደየበመጺኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤልያስ ብብርኩ ተንበርኪኹ ኸምዚ ኢሉ ለመኖ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብበጃኻ፡ ነፍሰይን ነፍሳት እዞም ሓምሳ ገላዉኻን ኣብ ቅድሜኻ ኽቡራት ይኹና። እንሆ፡ ነቶም ቀዳሞት ክልተ ሓላቑ ሓምሳስ መምስ ሓምሳኦም ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ በልዖምሕጂ ኸኣ ነፍሰይ ኣብ ቅድሜኻ ኽብርቲ ትኹን። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ፡ ምስኡ ውረድ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣይትፍራህ፡ ኢሉ ተዛረቦተንሲኡ ኸኣ ምስኡ ናብቲ ንጉስ ወረደ። ንእኡ ድማ ተዛረቦ፡ እቲ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐትት ልኡኻት ዝሰደድካስ፡ ኣብ እስራኤልዶ ነገሩ እትሐቶ ኣምላኽ የልቦን እዩ፧ ስለዚ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብዚ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል አሎ እግዚኣብሄር። ከምቲ ኤልያስ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ሞተወዲ ኣይነበሮን እሞኣብ ክንዳኡ ዮራም ነገሰ። እዚ ኸኣ ኣብ ካልኣይቲ ዓመቱ ንዮራም ወዲ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ዀነ። እቲ ዝተረፈ ኣሓዝያ ዝገበሮ ነገሩ። ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

Translation | Context
ኢሳይያስ 1:1-31 | 3 Helpful votes

ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዘመን ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስንነገስታት ይሁዳ፡ ብናይ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ራእይእግዚኣብሄር ይዛረብ አሎ እሞ፡ ኣቱም ሰማያትስምዑ፡ ኣቲ ምድሪጽን በሊ፡ ንውሉድ ኣዕቤኽዎምን ኣልዐልክዎምን፡ ንሳቶም ድማ ካባይ ዐለውብዕራይ ንዋናኡኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ጐይታኡ ይፈልጦእስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥንህዝበይውን ኣየስተውዕልን እዩ። ሓጥእ ዓሌትበደል እተጻዕነ ህዝቢዘርኢ ገበርቲ እከይጥፉኣት ውሉድ ወይለኦም። ንእግዚኣብሄር ሓዲጎም፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ንዒቖምንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱምዕላው እናወሰኽኩም ካብ እትኸዱስ፡ ንምንታይ ደኣ እትውቅዑ፡ ኲሉ እቲ ርእሲ ሕሙም፡ ኲሉ እቲ ልቢ ሕሉል እዩ። ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳዕ ርእሲ ገለ ጥዑይ የብሉን። ዘይተጠወቐን ዘይተዘነነን ብቕብኢ ዘይለስለሰንኣቚሳልን ስምብራትን ሓድሽ መውቃዕትን ጥራይ እዩ። ሃገርኩም ባዲማከተማታትኩም ብሓዊ ነዲደን፡ ንግርሁኹም ጓኖት ኣብ ቅድሜኹም ይውሕጥዎ፡ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ኸኣ ባደመትጓል ጽዮን ድማ ከም ዳስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ከም ጎጆ ኣብ ግራት ብርጭቕ፡ ከም እተኸበት ከተማ ዀይና ተሪፋ አላ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ገለ ሒደት ትርፊ እንተ ዘይሐድገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንናንጎሞራ ምመሰልና ኔርና። ኣቱም ሓላቑ ሶዶምቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኣታ ህዝቢ ጎሞራንሕጊ ኣምላኽና ጽን በሎ። ብዝሒ መስዋእትታትኩም እንታይ ኢለዮ፧ ይብል እግዚኣብሄርብዚሐርር መስዋእቲ ደዓውልን ብስብሒ ስቡሓትን ጸጊበ አሎኹ፡ ደም ዝራብዓትን ገናሽልን ድቤላታትን ባህ ኣየብለንን እዩ። ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ምስ እትመጹ፡ መን ኰታ ኣጸደይ ክትረግጹ ደለየኩምከንቱ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተምጽኡዕጣን ንኣይ ፍንፋን እዩ፡ ስርቂ ወርሕን ሰንበትንኣኼባ ማሕበርንኣበሳ ምስ ኣኼባ በዓል ኣይዕገሶን እየ። ንስርቂ ኣዋርሕኩምን በዓላትኩምን ነፍሰይ ትጸልኦ አላ፡ ጾር ኰይኑኒ፡ ምስካሙ ስኢነ አሎኹ። ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለንምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩምኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን። ተሐጸቡንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉምግባር ሰናይ ተመሀሩቅንዕና ድለዩንጥቑዕ ርድእዎንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐትይብል እግዚኣብሄርሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ኪጽዕዱ፡ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ። ሕራይ እንተ በልኩምን እንተ ተአዘዝኩምንሲጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም። ግናኸ እንተ ኣቤኹምን እንተ ዐሎኹምንኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪባ እያ እሞ፡ ብሰይፊ ኽትወሐጡ ኢኹም። እታ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኢላ ኣመንዝራ ዀነት። ቅንዕና ዝመልኣጽድቂ ዝሐደራ ነበረት፡ ሕጂ ግና ማሕደር ቀተልቲ ነፍሲ ዀነት። ብሩርኪ ርስሓት ኰይኑ፡ ወይንኺ ማይ ተዘሊሉመሳፍንትኺ ሽፍታታትን ኣዕሩዂ ጐሓሉትን እዮም። ኲሎም ምቕባል ደርሆ ይፈትው፡ ደድሕሪ ኻሕሳ ይጐይዩንዘኽታም ፍትሒ ኣየውጽኡሉን፡ ነገር መበለት ከኣ ኣባታቶም ኣይበጽሕን እዩ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ናይ እስራኤል ስልጡንከምዚ ይብል፡ ኲራይ ኣብ ተጻረርተይ ከዝሕልንጸላእተይ ከኣ ሕነ ኽፈድዮም እየ። ንኢደይ ድማ ኣባኺ ኽመልሳ፡ ንሓርኢ ሓጺንኪ ኸኣ ኣጸቢቐ ኸጸጺ፡ ንዂሉ ቖርቆሮኺውን ክድርብዮ እየ። ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፡ ንመኸርትኺ ድማ ከምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ደሓር ከተማ ጽድቂእምንቲ ኸተማ ኽትስመዪ ኢኺ። ጽዮን ብፍርዲ፡ እቶም ምሉሳታ ኸኣ ብጽድቂ ኺድሕኑ እዮም። ግናኸ ከሓዶን ሓጥኣንን ብሓደ ኺስበሩንእግዚኣብሄር ዝሐደጉውን ጥራስ ኪጠፍኡ እዮም። በቲ ዝፈቶኹምዎ ኣእዋም ክትሐንኩ፡ በቲ ዝመረጽኩምዎ ኣታኽልቲ ኽትሐፍሩ ኢኹም። ቈጽሉ ኸም ዝጸምለወ ኦምንማይ ከምዜብሉ ኣታኽልትን ክትኰኑ ኢኹም እሞ፡ እቲ ሓያል ከም እተባዘተ ቓንጭ እንጣጢዕ፡ ዕዮኡ ድማ ከም ቊልዒ ኪኸውን እዩ፡ ክልቲኣቶም ብሓደ ኺነዱ እዮም፡ ዜጥፍእ ከኣ ሓደ እኳ የልቦን።

Translation | Context
መክብብ 3:14 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ዝገበሮ ዅሉ ንሓዋሩ ኸም ዚነብር እፈልጥ አሎኹ። ኪውሰኾ ኣይከአልን፡ ኪንከዮ ኣይከአልን፡ ኣምላኽ ከአ፡ ሰብ ምእንቲ ኺፈርህዎ፡ ከምዚ ገበሮ

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:2 | 2 Helpful votes

እታ ሰበይቲ ነቲ ተመን በለቶ፥ ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኦም ንበልዕ ኢና።

Translation | Context