Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፥ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ።
Translation | Contextእቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።
Translation | Contextነቶም እኩባት ሰብ ጸዊዑ በሎም፡ ስምዑ ኣስተውዕሉ፡ ንሰብ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ እዩ ዜርክሶ እምበር፡ እቲ ናብ ኣፍ ዚአቱስ ንሰብ ኣየርክሶን።
Translation | Contextኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ።
Translation | Contextዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም።
Translation | Contextልሳንውን ሓዊ እያ፡ ዓለም ዓመጻ እያ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ስጋ ተርክሶ አላ፡ ንመዘወር ንብረት ከኣ ተንድዶ፡ ብገሃነምውን ዝነደደት እያ። ኵሉ ዓሌት እንስሳን ኣዕዋፍን ለመም ዚብልን እንስሳ ባሕርን ብባህርይ ሰብ ይግዛእ፡ ተገዚኡውን አሎ። ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ እኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይተዐርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት እያ።
Translation | Contextእቲ ኣፉን መልሕሱን ዚሕሉ ሰብ ንነፍሱ ኻብ ጸበባ ይሕልዋ።
Translation | Contextሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።
Translation | Contextነቲ ፍረ ዜብሉ፡ ርኹስ ዘረባ ግና ኣግልሰሉ። ናብ ረሲእነት እናገደዱ ይኸዱ እዮም እሞ፡
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ከውሔይን መድሓንየይን፣ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን።
Translation | Contextጐይታየ፣ ንኣፈይ ቀፊር ግበረሉ፣ ደገ ኸናፍረይ ሐሉ።
Translation | Contextኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ፡ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ።
Translation | Contextንለግመኛ ኣፍ ካባኻ ደርብዮ፡ ንውስልትና ኸናፍር ከኣ ካባኻ ኣርሕቆ።
Translation | Contextመልሓስካ ኻብ እከይ፣ ከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሐሉ፣ ካብ እከይ ርሐቕ፣ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንሰላም ድለያ ስዐባውን።
Translation | Contextነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ።
Translation | Contextሕሱም ሰብ፡ ዓመጸኛ ሰብ፡ ብወስላታ ኣፍ ይመላለስ፡
Translation | Contextእቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።
Translation | Context