Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
እምብኣርሲ ሓደ እኳ ርእሱ ኻብ እዚኣቶም እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ፡ ንተግባር ብዓል ቤት ዚጠቅም፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውን እዩ።
Translation | Contextብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextግናኸ እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና።
Translation | Contextፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።
Translation | Contextኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ኸይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ።
Translation | Contextእምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።
Translation | Contextካብ ኣንስቲ ደቂ ነብያት ድማ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኤልሳእ፡ ሰብአየይ ጊልያኻ ሞይቱ እዩ፡ ጊልያኻ ኸኣ ፈራህ እግዚኣብሄር ከም ዝነበረ ትፈልጥ ኢኻ፡ በዓል ዕዳ ኸኣ ንኽልቲኦም ደቀይ ወሲዱ ባሮቱ ኺገብሮም መጺኡ አሎ፡ ኢላ ጠርዔት። ኤልሳእ ድማ፡ እንታይ እሞ ኽገብረልኪ፧ ኣብ ቤትኪ ዘሎኪ ንገርኒ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ገረድካ ብጀካ መቐርሰሚቶ ዘይቲ ኣብ ቤት ገለ እኳ የብላን፡ በለት። ሽዑ ንሱ በላ፡ ኪዲ እሞ ካብ ወጻኢ፡ ካብ ኲለን ጐረባብትኺ ጥራይ ዝዀነ ጐይብታት ለምኒ፡ ኣይተውሕድዮ ድማ። እተዊ። ድሕሬኽን ድሕሪ ደቅኽን ከኣ ማዕጾ ሸጒሪ፡ ናብ ኲሉ እዚ ገይብታት እዚ ኸኣ ኣዕርቕዮ፡ ዘዝመልኤ ድማ ኣግልስዮ። ካብኡ ኸኣ ከደት እሞ። ድሕሪኣን ድሕሪ ደቃን ነታ ማዕጾ ሸጐረቶ። ንሳቶም ድማ ጐይብታት የምጽኡላ ነበሩ፡ ንሳ ኸኣ ተዕርቕ ነበረት። ኰነ ድማ፡ እቲ ጐይብታት ምስ መልኤ፡ ንወዳ፡ ገና ኸኣ ጐይቢ የልቦን፡ በላ። እቲ ዘይቲ ኸኣ ቈመ። ሽዑ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጺኣ ነገረቶ። ንሱ ድማ። ኪዲ፡ እቲ ዘይቲ ሽጢ እሞ ዕዳኺ ኽፈሊ፡ በቲ ዝተረፈ ኸኣ ንስኽን ደቅኽን ተናበሩ፡ በላ።
Translation | Contextንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ይሰቕሎ እምበር፡ በቕሓ ዚኸድኖ ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ዜንብሮ የልቦን።
Translation | Contextብዛዕባ እቲ ኽትዔይ ንሱ እንታይ ከም ዚዛረበንን ኣነ እንታይ ከም ዝመልሰሉን ተተንቂቐ ኽርእስ፣ ኣብቲ መሓለውየይ ደው ክብል፣ ኣብ ልዕሊ ግምቢውን ክቐውም እየ። እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ።
Translation | Contextነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
Translation | Contextእቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዓር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም።
Translation | Context