Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

victorious life


1ይ ዮሃንስ 5:4 | 9 Helpful votes

ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ።

Translation | Context
ሮሜ 8:37 | 7 Helpful votes

ሞት ኰነ ወይ ህይወትመላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታትልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:57 | 6 Helpful votes

ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:4-5 | 6 Helpful votes

ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ። ንዓለም ዚስዕራኸ፡ እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ፧

Translation | Context
ኢሳይያስ 41:10-13 | 5 Helpful votes

ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ። እንሆ፡ እቶም ኣባኻ ዚንድሩ ዂሎም ኪንውሩ ኪሐፍሩን እዮም፡ መጻርርትኻ ድማ ከም ዘይነበሩ ኪዀኑን ኪጠፍኡን እዮም። ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ነቶም ዚወዳደሩኻ ኽትደልዮም ኣይክትረኽቦምን ከኣ ኢኻ፡ እቶም ዚዋግኡኻ ድማ ከንቱን ከም ገለ ዘይነበረን ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
ገላትያ 2:20 | 3 Helpful votes

ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:16 | 3 Helpful votes

ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ

Translation | Context
ፊልጲ 2:13 | 2 Helpful votes

ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩምብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ

Translation | Context
ገላትያ 5:16 | 2 Helpful votes

ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሮሜ 6:14 | 2 Helpful votes

ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ።

Translation | Context
ሮሜ 16:20 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ሰላም ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ኪቕጥቅጦ እዩ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 2 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
ያእቆብ 1:22 | 2 Helpful votes

ገበርቲ ቓል ኩኑርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:15 | 2 Helpful votes

ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋፍቕሪ ኣቦ የብሉን

Translation | Context
ፊልጲ 4:19 | 2 Helpful votes

ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 2 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝናንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ

Translation | Context