Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

virgin mary


ሉቃስ 1:28 | 5 Helpful votes

እቲ መልኣኽ ናብኣ አትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋእግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺበላ

Translation | Context
ሉቃስ 1:42 | 5 Helpful votes

ብዓብዪ ድምጺውን ዓው ኢላ በለት፥ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 1:38 | 5 Helpful votes

ማርያም ከኣ፥ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄርከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይበለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ

Translation | Context
ሉቃስ 1:48 | 4 Helpful votes

መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይባህ ይብሎውርደት ባርያኡ ስለ ዝረአየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም።

Translation | Context
ሉቃስ 1:34 | 3 Helpful votes

ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፡ በለቶ

Translation | Context
ሉቃስ 1:43 | 3 Helpful votes

ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸእዚ ኻበይ ኰነለይ፧

Translation | Context
ሉቃስ 1:45 | 3 Helpful votes

እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝአመነት ብርኽቲ እያ።

Translation | Context
ሉቃስ 1:27 | 3 Helpful votes

ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሀል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሃል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 1:35 | 3 Helpful votes

እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱመንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 11:27-28 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብቲ እኩብ ህዝቢ ሓንቲ ሰበይቲ ቓላ ዓው ኣቢላዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦካየን ኣጥባትን ብጹኣት እየን፡ በለቶ። ንሱ ግና፥ ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም፡ በላ

Translation | Context
ሉቃስ 8:21 | 2 Helpful votes

ንሱ ኸኣኣደይን ኣሕዋተይንሲ እዞም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚገርብዎን እዮም፡ ኢሉ መለሰሎም

Translation | Context
ሉቃስ 2:19 | 2 Helpful votes

ማርያም ግና ነዚ ነገርዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሐስቦን ነበረት።

Translation | Context
ኢሳይያስ 7:14 | 2 Helpful votes

ስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።

Translation | Context
ዮሃንስ 19:26-27 | 2 Helpful votes

የሱስ ነዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረአየነዲኡኣቲ ሰበይቲእንሆ ወድኺበላነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፥ እንሃ ኣዴኻበሎእቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ

Translation | Context
ሉቃስ 1:30 | 2 Helpful votes

እቲ መልኣኽ ከኣ በላማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ

Translation | Context
ምሳሌ 31:30 | 2 Helpful votes

ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ

Translation | Context