Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ነቲ ዚገብር ግና ዓስቡ ኸም ዕዳ ዀይኑ እዩ እምበር፡ ከም ጸጋ ኣይኰነን ዚቚጸረሉ።
Translation | Contextዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
Translation | Contextእንሆ፡ ውዕለት እቶም ግርሁኹም ዝዐጸዱ ዓየይቲ፡ ንስኻትኩም ከኣ ዝገደብኩምዎም፡ የእዊ አሎ። ኣውያት እቶም ዓጻዶውን ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጻባኦት በጺሑ አሎ።
Translation | Contextንብጻይካ ኣይትጽቀጦን ኣይትዘርፎን፡ ወይ ውዕለት ወዓላይ ክሳዕ ብጊሓት ምሳኻ ኣይሕደር።
Translation | Contextእቲ ንቤቱ ብዘይ ጽድቂ ንውሽጢታቱ ድማ ብዘይ ፍርዲ ዚሰርሕ። ንብጻዩ ብኸምኡ ዜዕዪ፡ ደመወዙ ዘይህቦ፡ እሞ፡ ረርሒብ ክፍልታት ዘለዋ ዓባይ ቤት ክሀንጽ እየ፡ ዚብል ወይለኡ። መስኰት የውጽኣላ፡ ብጽሕዲይረባ፡ ብቐይሕ ቀለምውን ይቐብኣ።
Translation | Contextእቲ ጽሑፍ፡ ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ድማ፥ ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታት፡ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ፡ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።
Translation | Contextኣነ ንፍርዲ ክቐርበኩም እየ፣ ኣንጻር ኣስማተኛታትን ዘመውትን ኣንጻር እቶም ብሓሶት ዚምሕሉን ነቲ በዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምጽዎን ንመበለትን ዘኽታምን ዚገፍዕዎምን ንስደተኛ መሰሉ ዚጠውዩሉን ንኣይ ከኣ ዘይፈርሁን ቅልጡፍ ምስክር ክዀኖም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
Translation | Contextኣቱም ጐይተት፡ ንኣኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘሎኩም ፈሊጥኩምሲ፡ ንግዙኣትኩም ቅኑዕን ግቡእን ግበሩሎም።
Translation | Contextካብ ኣሕዋትካ እንተ ዀነ፡ ወይ ኣብ ሃገርካ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኻብ ዚነብሩ ጓኖትካ እንተ ዀነ፡ ንድኻን ሽጉርን ወዓላይ ኣይትዐምጾ። ንሱ ድኻ እዩ፡ ነፍሱ ኸኣ ንእኡ ትጽበ አላ እሞ፡ ውዕለቱ ሽዑ መዓልቲ ጸሓይ ከይዐረበት ሀቦ። እንተ ዘይኰነስ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ፡ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ።
Translation | Contextኣብታ ቤት ከኣ ንበሩ፡ ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኣባታቶም ካብ ዘሎ ብልዑን ስተዩን። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ።
Translation | Contextኢድካ ኽትገብረሉ ዚከኣላ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ። ዚወሃብ ከሎካስ፡ ንብጻይካ፤ ኪድ እሞ ተመለስ፡ ጽባሕ ክህበካ እየ ኣይትበሎ።
Translation | Contextዓቀይቲውን፥ ንሕናኸ እንታይ ንግበር፧ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ንሓደ እኳ ኣይትግፍዑ፡ ብሓሶትውን ኣይትኽሰሱ፡ ደደመወዝኩም ከኣ ይእከልኩም፡ በሎም።
Translation | Context