Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all21 bible verses about
ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ አሎኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፣ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ምዐዶም። ኣነ ነቲ ረሲእ፣ ሞት ክትመውት ኢኻ፣ ምስ በልክዎ፣ እንተ ዘይመዐድካዮ፣ ካብ መገዲ ረሲእነቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን፣ እንተ ዘይተዛረብካዮን እንተ ዘይመዐድካዮንሲ፣ እቲ ረሲእ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ። ግናኸ ነቲ ረሲእ እንተ መዐድካዮ፣ ንሱ ኸኣ ካብ ረሲእነቱን ካብ መገዲ ረሲእነቱን እንተ ዘይተመልሰ፣ ንሱ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፣ ንስኻ ግና ነፍስኻ ኣድሀንካ።
Translation | Contextነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም ኣይትፍርህዎም።
Translation | Contextእዚ ምዃን ምስ ጀመረ፡ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ።
Translation | Contextስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።
Translation | Contextወይኒ መላገጺ እዩ፡ ዜስክር መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፡ በዚ ሰንከልክል ዚብል ዘበለስ ጥበበኛ ኣይከውንን።
Translation | Contextንውርደት ትዕቢት ትቕድማ፡ ንውድቀት ከኣ ኵርዓት።
Translation | Contextኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን፡ ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ።
Translation | Contextጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፣ ሓጢኣት ከኣ እንተ ገበረ፣ መዓንቀፊ ኣብ ቅድሚኡ እንተ ኣንበርኩሉ፣ ኪመውት እዩ። ስለ ዘይመዐድካዮ፣ ብሓጢኣቱ ኺመውት፣ እቲ ዝገበሮ ጽድቂ ድማ ኣይኪዝክርን እዩ። ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ። ንስኻ ግና፣ እቲ ጻድቕ ሓጢኣት ከይገብር ነቲ ጻድቕ እንተ መዐድካዮ እሞ ንሱ ሓጢኣት እንተ ዘይገበረ፣ ምዕዶ ስለ እተቐበለ ብሓቂ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ንስኻውን ነፍስኻ ተድሕን።
Translation | Contextተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።
Translation | Contextከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextከምቲ ብዛዕባኦም ብዙሕ ሳዕ ዝበልኩኹም፡ ሕጂውን እናበኼኹ እብል አሎኹ፡ ብዙሓትሲ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ እዮም። መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፡ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፡ ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም እዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ።
Translation | Contextቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢር ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም፣ ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ።
Translation | Contextእቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።
Translation | Contextንስኻትኩም ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዪ እሞ፡ እተዳሎኹም ኩኑ።
Translation | Contextካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድ፡ ዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር። ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን፡ ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ ዝቘሰለ እሞ ዝሐወየ ኣራዊት፡ ምስሊ ኺገብሩሉ እናበለ፡ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣራዊት ኪገብሮ እተዋህቦ ትእምርትታት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የስሕቶም አሎ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር፡ ንቝጥዓስ ኣይመደበናን።
Translation | Contextእቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየ፣ መለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሔ፣ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ዘየጠንቀቖም፣ ሰይፊ መጺኡውን ንሓደ ኻባታቶም እንተ መንከሎ፣ ንሱ ብሰሪ ኣበሳኡ ይውሰድ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ። እምበኣርሲ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቝመካ እየ፣ ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም።
Translation | Contextዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
Translation | Contextሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ።
Translation | Context